1
2ይ ነገስት 2:9
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ምስ ተሳገሩ፥ ኤልያስ ንኤልሳዕ “ገና ኻባኻ እንተይተወሰድኩ እቲ ኽገብረልካ እትደልዮ ለምን” በሎ። ኤልሳዕ ድማ “በይዛኻ፥ ናትካ መንፈስ ዕፅፊ ኾይኑ ኣባይ ክሓድር እልምነካ ኣለኹ” በሎ።
Compare
Explore 2ይ ነገስት 2:9
2
2ይ ነገስት 2:11
እናተዘራረቡ ክኸዱ እንተለዉ ኸዓ፥ እንሆ፥ ሰረገላታት ሓዊን ኣፍራስ ሓዊን፥ ኣብ መንጎኣቶም ኣትዮም ንኽልቲኦም ፈላለይዎም። ኤልያስ ድማ ብንፋስ ኣውሎ ናብ ሰማይ ዓረገ።
Explore 2ይ ነገስት 2:11
3
2ይ ነገስት 2:10
ንሱ ኸዓ “ከቢድ ነገር ለሚንካ። ካባኻ ኽውሰድ እንተለኹ እንተ ርኢኻኒ፥ ክኾነልካ እዩ፤ እንተ ዘይርኢኻኒ ግና ኣይኾነልካን እዩ” በሎ።
Explore 2ይ ነገስት 2:10
4
2ይ ነገስት 2:14
በቲ ካብ ኤልያስ ዝወደቐ ባርኖስ ገይሩ ድማ ነቲ ማይ ዮርዳኖስ ወቕዖ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኤልያስ፥ ኣበይ ኣሎ?” ድማ በለ። እቲ ማይ ከዓ ናብዙይን ናብቱይን ተመቕለ፤ ኤልሳዕ ከዓ ተሳገረ።
Explore 2ይ ነገስት 2:14
5
2ይ ነገስት 2:12
ኤልሳዕ ከዓ ነዙይ ሪኡ “ኣቦይ! ኣቦይ! ናይ እስራኤል ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን” ኢሉ ድምፂ ኣስምዐ፤ ብድሕሪኡውን ኣይረአዮን። ነቲ ኽዳኑ ሒዙ ድማ ኣብ ክልተ ተርተሮ።
Explore 2ይ ነገስት 2:12
6
2ይ ነገስት 2:8
ሽዑ ኤልያስ ነታ ባርኖሱ ጠቕሊሉ ነቲ ማይ ወቕዖ፤ ናብዙይን ናብቱይን ድማ ተመቕለ፤ ክልቲኦም ድማ ብንቑፅ ተሳገሩ።
Explore 2ይ ነገስት 2:8
7
2ይ ነገስት 2:1
እግዚኣብሄር ንኤልያስ ብንፋስ ኣውሎ ንሰማይ ከዕርጎ ምስ ደለየ፤ ሽዑ ኤልያስ ምስ ኤልሳዕ ካብ ጌልገላ ተልዓለ።
Explore 2ይ ነገስት 2:1
Home
Bible
Plans
Videos