YouVersion Logo
Search Icon

2ይ ነገስት 16

16
ኣካዝ ንጉስ ይሁዳ
(2 ዜና. 28፡1-27)
1ፋቁሔ ወዲ ሮሜልዩ ኣብ እስራኤል ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ሸውዓተ ዓመቱ፥ ኣካዝ ወዲ ኢዮኣታም ኣብ ይሁዳ ነገሰ። 2ኣካዝ ክነግስ እንተሎ ወዲ ዕስራ ዓመት ጐበዝ ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ከዓ ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓመት ገዝአ። ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኸም ኣቦኡ ዳዊት ቅኑዕ ነገር ኣይገበረን፤ 3እኳ ደኣ ብመንገዲ ነገስታት እስራኤል ከደ፤ ከም እቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዝሰጐጎም ኣህዛብ ዘፀይፍ ብምግባርውን ወዱ ንጣዖት ብሓዊ ሰውአ እምበር። #ዘዳ. 12፡31። 4ኣብቲ ንጣዖት ዘምልኹሉ በረኽቲ ኰረብታታትን ኣብ ትሕቲ ዅሉ ልምሉም ኣእዋምን ድማ ይስውእን ይዓጥንን ነበረ።
5ሽዑ ረኣሶን ንጉስ ሶርያን፥ ፋቁሔ ወዲ ሮሜልዩ ንጉስ እስራኤልን፥ ንኢየሩሳሌም ክወግእዋ ደየቡ። ንኣካዝ ድማ ኸበብዎ፤ ከሸንፍዎ ግና ኣይከኣሉን። #ኢሳ. 7፡1። 6በታ ጊዜ እቲኣ ረኣሶን ንጉስ ሶርያ ንኤላት ናብ ሶርያ መለሳ እሞ፥ ነቶም ኣይሁድ ካብ ኤላት ሰጐጎም፤ ኤዶማውያን ከዓ ናብ ኤላት መፂኦም ኽሳዕ ሎሚ ኣብኣ ተቐሚጦም ኣለዉ።
7ኣካዝ ከዓ ናብ ቴልጌልቴልፌልሶር ንጉስ ኣሶር ልኡኻት ሰዲዱ “ኣነ ባርያኻን ወድኻን እየ፤ ካብ ኢድ እቶም ተልዒሎምኒ ዘለዉ ንጉስ ሶርያን ንጉስ እስራኤልን ክተድሕነኒ ደይብ” በሎ። 8ኣካዝ ድማ ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄርን ኣብ መዝገብ ቤት ንጉስን ዝነበረ ብሩርን ወርቅን ወሲዱ ንንጉስ ኣሶር ገፀ በረኸት ሰደደሉ። 9ንጉስ ኣሶር ከዓ ሰምዖ እሞ ደዪቡ ንደማስቆ ሓዛ፤ ኣብኣ ንዝነበሩ ህዝባ ድማ ማሪኹ ናብ ቂር ወሰዶም፤ ንረኣሶንውን ቀተሎ።
10ንጉስ ኣካዝ ድማ ንቴልጌልቴልፌልሶር ንጉስ ኣሶር ክረኽቦ ናብ ደማስቆ ኸደ፤ ነቲ ኣብኡ ዝነበረ መሰውኢ ኸዓ ረአዮ። ምስሊ እቲ መሰውእን መልክዕ እቲ ዅሉ ስርሓቱን ገይሩ ድማ ብዛዕባኡ ንካህን ኦርያ ሰደደሉ። 11ካህን ኦርያ ኸዓ ኸምቲ ንጉስ ኣካዝ ካብ ደማስቆ ዝሰደደሉ ገይሩ ነቲ መሰውኢ ሰርሖ። ንጉስ ኣካዝ ካብ ደማስቆ ቅድሚ ምምላሱ ድማ ፈፀሞ። 12እቲ ንጉስ ካብ ደማስቆ ምስ መፀ ነቲ መሰውኢ ረአዮ፤ ቀሪቡ ኸዓ ናብኡ ደየበ። 13ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ እኽልን ኣቕረበ፤ ናይ መስተ መስዋእቲ እውን ኣፍሰሰ፤ ነቲ ናይ ሰላም መስዋእቲ ደም ከዓ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ነፀጎ። 14#ዘፀ. 27፡1-2፥ 2 ዜና. 4፡1። ነቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝነበረ ናይ ነሃስ መሰውኢ ድማ ኻብ ቅድሚ እታ ቤተ መቅደስ ካብ መንጎ እቲ መሰውኢኡን ቤት እግዚኣብሄርን ድሕር ኣቢሉ፥ ብወገን ሰሜን እቲ ሓድሽ መሰውኢ ኣቐመጦ።
15ንጉስ ኣካዝ ድማ ብዛዕባኡ ንካህን ኦርያ “እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ጊሓትን ናይ ምሸት መስዋእቲ እኽልን፥ ዝቃፀል መስዋእቲ ንጉስን፥ መስዋእቲ እኽልን፥ እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ናይ ኵሉ ህዝቢ እታ ሃገርን፥ መስዋእቲ እኽሎምን፥ መስዋእቲ መስተኦምን፥ ኣብቲ ዓብዪ ሓድሽ መሰውኢ ኣቃፅሎ፤ ንዅሉ ደም እቲ ዝቃፀል መስዋእትን፥ ንኵሉ ደም እቲ መስዋእቲ ሕሩድን ከዓ ኣብ ልዕሊኡ ንፀጎ፤ ነቲ ብነሃስ ዝተሰርሐ መሰውኢ ግና ኣነ ኽጥይቐሉ ንኣይ ሕደገለይ” ኢሉ ኣዘዞ። 16ካህን ኦርያ ድማ ኸምቲ ንጉስ ኣካዝ ዝኣዘዞ ዅሉ ገበረ።
17 # 1 ነገ. 7፡23-39፥ 2 ዜና. 4፡2-6። ንጉስ ኣካዝ ድማ ነቲ መንኰራዅር ዘለዎ መቐመጢ ኣቑሑ ቘሪፁ፥ ነቲ ገበራ ኻብ ልዕሊኡ ኣግለሶ፤ ነቲ መዕቘሪ ማይውን ካብቶም ኣብ ትሕቲኡ ዝነበሩ ኣብዑር ነሃስ ኣውሪዱ፥ እምኒ ኣብ ዝተነፀፎ ምድሪ ቤት ኣንበሮ። 18ኣብ ቤት እግዚኣብሄርውን መሰረት ናይቲ ዙፋን ሰርሐ፤ ንንጉስ ኣሶር ኢሉውን ነቲ ብወፃኢ ዘሎ መንገዲ ንጉስ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣዞሮ።
19እቲ ዝተረፈ ኣካዝ ዝገበሮ ነገር ድማ፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት ይሁዳ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? 20ኣካዝ ከዓ ሞተ፤ ምስ ኣቦታቱ ድማ ኣብ ከተማ ዳዊት ተቐበረ። ክንድኡ ኸዓ ወዱ ሕዝቅያስ ነገሰ። #ኢሳ. 14፡28።

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in