YouVersion Logo
Search Icon

2ይ ነገስት 17

17
ሆሴዕ ንጉስ እስራኤል
1ኣካዝ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ ኣብ መበል ዓሰርተ ኽልተ ዓመቱ፥ ሆሴዕ ወዲ ኤላ ኣብ ሰማርያ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነገሰ፤ ትሽዓተ ዓመት ከዓ ገዝአ። 2ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ኽፉእ ገበረ፤ ግና ኸምቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ነገስታት እስራኤል ኣይኮነን።
3ስልምናሶር ንጉስ ኣሶር ተዋግኦ፤ ሆሴዕ ኸዓ ግዙኡ ኾይኑ ግብሪ ገበረሉ። 4ንጉስ ኣሶር ኣብ ልዕሊ ሆሴዕ ዓመፅ ረኸበ፤ ሆሴዕ ናብ ሴጎር ንጉስ ግብፂ ልኡኻት ሰዲዱ ሓገዝ ለሚኑ ነይሩ እዩሞ። እቲ በብዓመቱ ዝኸፍሎ ዝነበረ ግብሪ ድማ ምስዳድ ኣበየ። ሽዑ ንጉስ ኣሶር ንሆሴዕ ኣሲሩ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓፀዎ።
ውድቀት ሰማርያ
5ሽዑ እቲ ንጉስ ኣሶር ንዅላ እታ ሃገር ወረራ፤ ናብ ሰማርያ ደዪቡ ኸዓ ሰለስተ ዓመት ከበባ። 6ንሆሴዕ ኣብ ታሽዐይቲ ዓመቱ እቲ ንጉስ ኣሶር ንሰማርያ ሓዛ፤ ንእስራኤል ድማ ማሪኹ ናብ ኣሶር ወሰዶም፤ ኣብ ሓላሕ፤ ኣብ ሓቦር፥ ኣብ ጥቓ ሩባ ጐዛን፥ ኣብ ከተማታት ሜዶናውያን ከዓ ኣቐመጦም።
7እዙይ ዝኾነ ኸዓ ደቂ እስራኤል ነቲ ኻብ ባርነት ፈርዖን ንጉስ ግብፂ፥ ካብ ምድሪ ግብፂ ሓራ ዘውፅኦም እግዚኣብሄር ኣምላኾም ስለ ዝበደሉን፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲውን ስለ ዘምለኹን እዩ። 8ከምኡውን ብልማድ ናይቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚኣቶም ዝሰጐጎም ኣህዛብን፥ በቲ ነገስታት እስራኤል ዘገብርዎ ዝነበሩ ኽፉእ ልማድን ከዱ። 9እወ! ደቂ እስራኤል ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ዘይቅኑዕ ነገር ብሕቡእ ገበሩ። ካብ ግንቢ ሓሻኽር ጀሚሮም ክሳዕ እታ ዕርድቲ ኸተማ ኣብ ኵለን ከተማታቶም ድማ ጣዖት ዘምልኹሉ ኣብ በረኽቲ ቦታታት መሰውኢ ሰርሑ። 10#1 ነገ. 14፡23። ኣብ ኵሉ ነዋሕቲ ዀረብታታትን ኣብ ትሕቲ ዅሉ ልምሉም ኣእዋምን ከዓ ኣዕምዲ ኣእማንን ሓወልቲ ጣዖት ኣስታሮትን ኣቖሙ። 11ኣብኡ ድማ ኸምቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚኣቶም ዝሰጐጎም ኣህዛብ ኣብ ኵሉ በረኽቲ ይዓጥኑ ነበሩ። ክፉእ ነገር ብምግባር ከዓ ንእግዚኣብሄር ኣቘጥዕዎ። 12ነቲ እግዚኣብሄር “ነዝ ነገር እዙይ ኣይትግበርዎ” ዝበሎም፥ ነቶም ጣዖታት ኣምለኹ። 13እግዚኣብሄር ግና ንእስራኤልን ንይሁዳን ብዅሎም ነቢያትን ብዅሎም ረኣይትን ገይሩ መስከረ “ካብ ክፉእ መንገድኹም ተመለሱ፤ ከምቲ ነቦታትኩም ዝኣዘዝክዎም፥ ብባሮተይ ነቢያት ገይረ ድማ ዝሰደድኩልኩም ኵሉ ትእዛዛተይን ሕግጋተይን ሓልዉ” ኢሉ ኣጠንቂቕዎም ነበረ።
14ንሳቶም ግና ኣይሰምዑን፤ ከምቶም ብእግዚኣብሄር ኣምላኾም ዘይኣመኑ ኣቦታቶም ደኣ ኽሳዶም ኣትረሩ እምበር። 15ንሕግጋቱን ነቲ ምስ ኣቦታቶም ዝኣተዎ ኺዳንን ነቲ ዝሃቦም መጠንቀቕታን ነዓቕዎ። ደድሕሪ ኸንቱ ዝኾኑ ጣዖታት ብምስዓቦም ንባዕላቶም ከንቱ ኾኑ፤ ደድሕሪ እቶም እግዚኣብሄር ከምኣቶም ከይገብሩ ዝኣዘዞም ኣብ ዙርያኦም ዝነበሩ ኣህዛብ ድማ ሰዓቡ። 16#1 ነገ. 12፡28። ንዅሉ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኾም ሓዲጎም፥ ብዝፈሰሰ ዝተሰርሑ ምስልታት ክልተ ምራኹት ገበሩ፤ ሓወልቲ ኣስታሮትውን ኣቖሙ፤ ንዅሎም ከዋኽብቲ ሰማይ ድማ ሰገዱሎም፤ ንጣዖት በዓልውን ኣምለኹ። 17ነወዳቶምን ነዋልዶምን ከዓ ብሓዊ ይስውእዎም ነበሩ፤ ዛዕጐል የውድቑን ይጥንቍሉን ድማ ነበሩ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ንምግባር ርእሶም ሸጡ። ንእግዚኣብሄር ከዓ ኣቘጥዕዎ። #ዘዳ. 18፡10።
18ስለዙይ ከዓ እግዚኣብሄር ብእስራኤል የመና ተቘጥዐ፤ ካብ ቅድሚኡ ድማ ኣርሓቖም። ነገድ ይሁዳ ጥራሕ በይና ተረፈት። 19ይሁዳውን በቲ ኽፉእ ልማድ እስራኤል ከዱ እምበር ነቲ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኾም ኣይሓለውዎን። 20እግዚኣብሄር ድማ ንዅሎም ዘርኢ እስራኤል ሓደጎም፤ ኣዋረዶም፤ ካብ ገፁ ኽሳዕ ዝጠፍኡ ኸዓ ኣብ ኢድ ማረኽቲ ኣሕሊፉ ሃቦም።
21እግዚኣብሄር ንእስራኤል ካብ ቤት ዳዊት ምስ ፈለዮም፥ ንኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ ኣንገስዎ፤ ኢዮርብዓም ከዓ ንህዝቢ እስራኤል፥ ንእግዚኣብሄር ካብ ምምላኽ ኣርሓቖም፤ ዓብዪ ሓጢኣትውን ኣስርሖም። 22ንሳቶም ድማ ንኢዮርብዓም ሰዓብዎ፤ ከምቲ ንሱ ዝገበሮ ሓጢኣትውን ገበሩ። 23እግዚኣብሄር ከዓ ንእስራኤል፥ ከምቲ ብዅሎም ባሮቱ ነቢያት ተዛሪብዎ ዝነበረ ኻብ ቅድሚኡ ደርበዮም። ከምቲ ኽሳዕ ሎሚ ኾይንዎ ዘሎ ኸዓ ብኣሶራውያን ተማረኹ።
ሰብ ኣሶር ኣብ እስራኤል ከም ዝተቐመጡ
24ንጉስ ኣሶር ድማ ኻብ ባቢሎን፥ ካብ ኩታ፥ ካብ ዓዋ፥ ካብ ሓማት፥ ካብ ሴፈርዋይም ሰባት ኣምፂኡ ኽንዲ ደቂ እስራኤል ኣብ ከተማታት ሰማርያ ኣቐመጦም። ንሰማርያ ኸዓ ወረስዋ፤ ኣብ ከተማታታውን ተቐመጡ። 25ብመጀመርታ ኣብኡ ምስ ተቐመጡ ንእግዚኣብሄር ስለ ዘየምለኽዎ፥ ኣናብስ ሰደደሎም፤ እቶም ኣናብስ ከዓ ኻብኣቶም ውሱናት ቀተሉ። 26ንንጉስ ኣሶር ድማ “እቶም ኣፍሊስካ ኣብ ከተማታት ሰማርያ ዘቐመጥካዮም ህዝብታት፥ ስርዓት ኣምላኽ እታ ሃገር ኣይፈልጡን እዮም፤ ስለዙይ ኣምላኽ እታ ሃገር፥ ስርዓቱ ምፍላጥ ስለ ዝሰኣኑ ድማ ኣናብስ ሰደደሎም። እቶም ኣናብስ ከዓ፥ እንሆ፥ ይቐትልዎም ኣለዉ” ኢሎም ነገርዎ።
27ሽዑ እቲ ንጉስ ኣሶር “ካብቶም ካብ ሰማርያ ዝማረኽኩምዎም ካህናት ሓደ ናብኡ ስደዱ፤ ከይዱ ድማ ኣብኡ ይቀመጥ እሞ ስርዓት ኣምላኽ እታ ሃገር ይምሃሮም” ኢሉ ኣዘዘ። 28ካብቶም ካብ ሰማርያ ዝማረኽዎም ካህናት ሓደ መፂኡ ኣብ ቤቴል ተቐመጠ፤ ንእግዚኣብሄር ከመይ ከም ዝፈርሕዎ ኸዓ መሃሮም።
29ግና ነፍሲ ወከፍ ህዝቢ ኣብተን ዝቕመጥወን ከተማታት ኣማልኽቶም ገይሮም ኣብቲ ሳምራውያን ኣብ በረኽቲ ዝሰርሕዎ ኣባይቲ ጣዖት ኣንበርዎ። 30እቶም ሰብ ባቢሎን ከዓ ናይ ሱኮትቤኖት ዝበሃል ኣምላኽ ጣዖት ገበሩ፤ እቶም ሰብ ኩታ ድማ ናይ ኤርጌል ጣዖት ገበሩ፤ እቶም ሰብ ሃማት ከዓ ናይ ኣሲማት ጣዖት ገበሩ፤ 31እቶም ሰብ ዓዋ ድማ ናይ ኒብሓዝን ተርታቅን ጣዖታት ገበሩ፤ እቶም ሰብ ሴፈርዋይም ከዓ ንኣማልኽቲ ሴፈርዋይም ንኣድራሜሌክን ንኣነሜሌክን ዝበሃሉ ኣማልኽቶም ደቆም ኣብ ሓዊ ኣቃፂሎም ይስውኡሎም ነበሩ። 32ንእግዚኣብሄር ድማ ይፈርሑ ነበሩ፤ ነቲ ዀረብታ መስገዲ ኻብ ማእኸሎም ከዓ ዝኾነ ሰብ ካህን ይገብሩ ነበሩ፤ ንሳቶም ድማ ኣብ ኰረብታ መስገዲ መስዋእቲ ይስውኡ ነበሩ። 33ንእግዚኣብሄር ይፈርሑ ነበሩ፤ ግና፥ ከምቲ ቐደም ኣብ ዓዶም ዝገብርዎ ዝነበሩ ስርዓት ንኣማልኽቶም የምልኹ ነበሩ።
34 # ዘፍ. 32፡28፥ 35፡10። ክሳዕ ሎሚ ኸዓ ኸም ልማዶም ይገብሩ ኣለዉ። ንእግዚኣብሄር ኣይፈርሕዎን፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ንደቂ እቲ እስራኤል ኢሉ ዝሰመዮ ያእቆብ ዝሃቦ ሕግጋትን ፍርድታትን ትእዛዛትን ኣይሓለዉን። 35#ዘፀ. 20፡5፥ ዘዳ. 5፡9። እግዚኣብሄር ምስ እስራኤል ኪዳን ኣትዩ ነበረ፤ ከምዙይ ኢሉ ኸዓ ኣዚዙዎም ነበረ፦ “ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኣይተምልኽዎም፤ ኣይትስገዱሎም፤ ኣይተገልግልዎም፤ ኣይትሰውኡሎም። 36#ዘዳ. 6፡13። ንኣይ ነቲ ብዓብዪ ሓይልን ብሓያል ቅልፅምን ካብ ግብፂ ዘውፃእኩኹም እግዚኣብሄር ደኣ ኣምልኹ፤ ስገዱ፤ ሰውኡ። 37ነቲ ዝፀሓፍኩልኩም ስርዓታትን ፍርድታትን ሕግን ትእዛዝን ድማ ንሓዋሩ ኽትገብርዎ ተጠንቀቑ፤ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸዓ ኣይተምልኽዎም። 38ነቲ ምሳኻትኩም ዝኣተኹዎ ኺዳነይ ኣይትረስዕዎ፤ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ድማ ኣይተምልኽዎም። 39ንኣይ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ደኣ ፍርሑ፤ ኣነ ድማ ኻብ ኢድ ኵሎም ፀላእትኹም ከድሕነኩም እየ።”
40ንሳቶም ግና ኸምቲ ናይ ቀደም ልማዶም ደኣ ገበሩ እምበር፥ ኣይሰምዑን። 41ስለዙይ እቶም ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ይፈርሕዎ ነበሩ፤ ንዝተቐረፁ ምስልታቶምውን የምልኹ ነበሩ። ደቆምን ደቂ ደቆምን ድማ ኽሳዕ ሎሚ ኸምቲ ኣቦታቶም ዝገበርዎ ይገብሩ ኣለዉ።

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in