YouVersion Logo
Search Icon

2ይ ነገስት 1

1
ኤልያስን ንጉስ ኣካዝያስን
1ድሕሪ ሞት ኣክኣብ፥ ሃገር ሞኣብ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዓመፀት። 2ኣካዝ ከዓ ኻብታ ኣብ ሰማርያ ዘላ ደብሪ ቤቱ ብዓይኒ ርግቢ ፀደፈ እሞ ሓመመ። ሽዑ ልኡኻት ሰዲዱ “ኪዱ እሞ ዝሓዊ እንተ ኾይነ፥ ንብዔልዜቡል ኣምላኽ ኣስቀሎና ጠይቑለይ” በሎም።
3-4ግና መልኣኽ እግዚኣብሄር ንኤልያስ ቴስቢያዊ “ተስእ እሞ ነቶም ልኡኻት ንጉስ ሰማርያ ኽትራኸቦም ደይብ፤ ‘እቲ ንብዔልዜቡል ኣምላኽ ኣስቀሎና ክትጥይቑ ትኸዱ ዘለኹምስ፥ ኣብ እስራኤልዶ ኣምላኽ የለን እዩ? ስለዙይ ከዓ ብርግፅ ትመውት እምበር፥ ካብቲ ደይብካዮ ዘለኻ ዓራት ኣይትወርድን ኢኻ ይብል ኣሎ እግዚኣብሄር’ በሎም” ኢሉ ነገሮ። ኤልያስ ከዓ ኸደ።
5እቶም ልኡኻት ድማ ናብ ኣካዝ ተመለሱ። ንሱ ኸዓ “ንምንታይ ደኣ ተመሊስኩም?” በሎም።
6ንሳቶም ድማ “ሓደ ሰብኣይ ክራኸበና መፀ፤ ናብቲ ዝለኣኸኩም ንጉስ ተመሊስኩም ‘እቲ ንብዔልዜቡል ኣምላኽ ኣስቀሎና ክትጥይቕ ዝለኣኽካስ፥ ኣብ እስራኤልዶ ኣምላኽ የለን እዩ? ስለዙይ ብርግፅ ክትመውት ኢኻ እምበር፥ ካብቲ ደቂስካሉ ዘለኻ ዓራት ኣይትወርድን ኢኻ፤ ይብል ኣሎ እግዚኣብሄር’ ኢልኩም ንገርዎ በለና” በልዎ።
7ንሱ ኸዓ “እቲ ኽራኸበኩም ዝወፀ፥ ነዝ ቃል እዙይውን ዝተዛረበኩም ሰብኣይከ ኸመይ ዝበለ እዩ?” በሎም።
8ንሳቶም ድማ “እቲ ሰብኣይ ጨጓር፥ ኣብ ሕቘኡ ኸዓ ፈልቍ ዝተዓጥቀ እዩ” በልዎ። እቲ ንጉስ ድማ “ንሱ ኤልያስ ቴስብያዊ እዩ” በለ። #ማቴ. 3፡4።
9እቲ ንጉስ ከዓ ሓደ ሓለቓ ሓምሳ ምስቶም ሓምሳ ሰባት ሰደደሉ። ንሱ ድማ ናብኡ ደየበ። እንሆ ኸዓ ኤልያስ ኣብቲ ርእሲ እቲ ዀረብታ ኮፍ ኢሉ ነበረ እሞ “ኣታ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ፥ ንጉስ ‘ውረድ’ ይብለካ ኣሎ” በሎ።
10ኤልያስ ድማ ነቲ ሓለቓ ሓምሳ “ኣነ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ እንተ ኾይነስ፥ ሓዊ ኻብ ሰማይ ይውረድ፤ ንኣኻን ነዞም ሓምሳ ሰባትን ከዓ የቃፅልኩም” ኢሉ መለሰሉ። ሽዑ ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ ንእኡን ነቶም ሓምሳ ሰባቱን ኣቃፀሎም።
11እቲ ንጉስ ከዓ መሊሱ ኻልእ ሓለቓ ሓምሳ ምስ ሓምሳ ሰባቱ ገይሩ ሰደደሉ። እዙይ ከዓ “ኣታ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ፥ ንጉስ ቀልጢፍካ ውረድ ይብለካ ኣሎ” በሎ።
12ኤልያስ ድማ “ኣነ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ እንተ ኾይነስ፥ ሓዊ ኻብ ሰማይ ይውረድ፤ ንኣኻን ነዞም ሓምሳኻን ከዓ የቃፅልኩም” ኢሉ መለሰሉ። ሽዑ ናይ ኣምላኽ ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ ንእኡን ነቶም ሓምሳኡን ኣቃፀሎም። #ሉቃ. 9፡54።
13እቲ ንጉስ ድማ መሊሱ ሳልሳይ ሓለቓ ሓምሳ ምስ ሓምሳኡ ሰደደ። እቲ ሳልሳይ ሓለቓ ሓምሳ ኸዓ ናብ ኤልያስ ከደ፤ መፂኡ ድማ ኣብ ቅድሚ ኤልያስ ተምበርኪኹ “ኣታ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ፥ ነፍሰይን ነፍሲ እዞም ሓምሳ ኣገልገልትኻን ኣብ ቅድሜኻ ዝኸበረት ትኹን። 14እንሆ፥ ነቶም ቀዳሞት ክልተ ኣሕሉቕ ሓምሳ መምስ ሓምሳኦም ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ ኣቃፀሎም። ሕዚ ግና ነፍሰይ ኣብ ቅድሜኻ ዝኸበረት ትኹን” ኢሉ ለመኖ።
15እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ንኤልያስ “ምስኡ ውረድ፤ ኣይትፍርሓዮውን” ኢሉ ተዛረቦ። ኤልያስ ከዓ ተሲኡ ምስኡ ናብቲ ንጉስ ወረደ።
16ነቲ ንጉስ ድማ “እቲ ንብዔልዜቡል ኣምላኽ ኣስቀሎና ክትጥይቕ ልኡኻት ዝሰደድካስ፥ ኣብ እስራኤልዶ ኣምላኽ የለን እዩ? ስለዙይ ብርግፅ ክትመውት ኢኻ እምበር፥ ካብዝ ደቂስካሉ ዘለኻ ዓራት ኣይትወርድን ኢኻ፤ ይብል ኣሎ እግዚኣብሄር” በሎ። 17ከምቲ እግዚኣብሄር ብኤልያስ ገይሩ ዝተዛረቦ ቓል ድማ እቲ ንጉስ ሞተ። ወዲ ስለ ዘይነበሮ ኸዓ ኽንድኡ ሓዉ ኢዮራም ነገሰ። እዙይ ከዓ ኢዮራም ወዲ ኢዮሳፍጥ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ ኣብ ካልኣይ ዓመቱ ኾነ።
18እቲ ዝተረፈ ኣካዝ ዝገበሮ ዅሉ፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in