2ይ ነገስት መእተዊ
መእተዊ
ካልኣይ መፅሓፈ ነገስት፥ መቐፀልታ ናይቲ ኣብ ቀዳማይ መፅሓፈ ነገስት ተጀሚሩ ዝነበረ ታሪኽ ክልተ መንግስታት እስራኤል እዩ። እዝ መፅሓፍ እዙይ ኣብ ክልተ ኽፍሊ ኽኽፈል ይከኣል።
1. ካብ ፍርቂ ታሽዓይ ክፍለ ዘመን ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ጀሚሩ ኽሳዕ ውድቀት ሰማርያን ክሳዕ እቲ መንግስቲ ሰሜን ዝወደቐሉ 722 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ዝነበረ ታሪኽ ክልቲአን መንግስታትን፥
2. ካብታ መንግስቲ እስራኤል ዝወደቐትላን ክሳዕ እታ ኢየሩሳሌም ብናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ተትሒዛ ዝተደምሰሰትላን ክሳዕ 586 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ዝነበረ ታሪኽ መንግስቲ ይሁዳ ይትርኽ።
እዝ መፅሓፍ እዙይ ጎዶልያስ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ባቢሎናውያን ኣመሓዳሪ ይሁዳ ኸም ዝነበረን፥ ኢኮንያን ንጉስ ይሁዳ ኸዓ ኣብ ባቢሎን ካብ ማእሰርቲ ኸም ዝተፈትሐን ብምትራኽ ይውድእ። ነገስታት እስራኤልን ነገስታት ይሁዳን ህዝቦምን፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እሙናት ኮይኖም ስለ ዘይተረኽቡ፥ እዝ ጥፍኣት እዙይ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ወረደ።
ምዕናው ኢየሩሳሌምን ስደት መብዛሕትኦም ህዝቢ ይሁዳን ድማ ሓደ ኻብቲ ንታሪኽ እስራኤል ዝለወጠ ዓብዪ ነገር እዩ። ኣብ ካልኣይ መፅሓፈ ነገስት እቲ ንኤልያስ ዝተክኦ ዓብዪ ነቢይ ኤልሳዕ እዩ።
ትሕዝቶ
1. ኣብ ክልተ ዝተኸፍለት መንግስቲ 1፡1-17፡41
1) ነቢይ ኤልሳዕ 1፡1-8፡15
2) ነገስታት ይሁዳን እስራኤልን 8፡16-17፡4
3) ውድቀት ሰማርያ 17፡5-41
2. መንግስቲ ይሁዳ 18፡1-25፡30
1) ካብ ንጉስ ሕዝቅያስ ክሳዕ ንጉስ ኢዮስያስ 18፡1-21፡26
2) መንግስቲ ኢዮስያስ 22፡1-23፡30
3) መወዳእታ ዝነበሩ ነገስታት ይሁዳ 23፡31-24፡20
4) ውድቀት ኢየሩሳሌም 25፡1-30
Currently Selected:
2ይ ነገስት መእተዊ: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in