2ይ ዜና 9
9
ንግስቲ ሳባ ናብ ኢየሩሳሌም ከም ዝበፅሐት
(1 ነገ. 10፡1-13)
1ንግስተ ሳባ ዝና ሰሎሞን ምስ ሰምዐት፥ ብሕንቅሕንቅሊተይ ክትፍትኖ፥ ብዙሕ ሽቱን ብዙሕ ወርቅን ክቡር ኣእማንን ዝተፅዓና ኣግማል ሒዛ ናብ ኢየሩሳሌም መፀት። ናብ ሰሎሞን ምስ ኣተወት ድማ፥ ኣብ ልባ ዝነበረ ዅሉ ነገረቶ። 2ሰሎሞን ከዓ ነቲ ዅሉ ዝጠየቐቶ ገለፀላ፤ ክገልፀላ ዘይከኣለ ነገር ድማ ኣይነበረን። 3ንግስተ ሳባ ድማ ጥበብ ሰሎሞንን እቲ ዝሰርሖ ቤተ መንግስትን፥ 4መብልዕ ማእዱን፥ ኣቀማምጣ ሹመኛታቱን ኣቀዋውማ ኣገልገልቱን ኣከዳድናኦምን፥ ኣሰለፍቲ ወይኑን ኣከዳድናኦምን፥ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዘዕርጎ መስዋዕትን #9፡4 ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዘዕርጎ መስዋእትን፦ ወይ “ናብ ቤት እግዚኣብሄር ዝድይበሉ መሳልልን” ምስ ረአየት፥ ውኖኣ ተመሰጠ።
5ንንጉስ ከዓ ኸምዙይ በለቶ፦ “እቲ ኣብ ሃገረይ እንተለኹ ብዛዕባ ግብርኻን ብዛዕባ ጥበብካን ዝሰማዕኽዎ ነገር ሓቂ እዩ። 6መፂአ ብዓይነይ ክሳዕ ዝርኢ ድማ፥ ነቲ ዘረባኣቶም ኣይኣመንክዎን፤ እንሆ ኸዓ፥ ፍርቂ ዕቤት ጥበብካ እኳ ኣይነገሩንን። ንስኻስ ካብቲ ብወረ ዝሰማዕኽዎ ትበልፅ ኢኻ። 7እዞም ሰብካን፥ እዞም ኵልሻዕ ኣብ ቅድሜኻ ቖይሞም ጥበብካ ዝሰምዑ ሓሻኽርካን፥ ክንደይ ዕድለኛታት እዮም! 8እቲ ብስሙ ኽትገዝእ ኣብ ዙፋን እስራኤል ዘቐመጠካ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ቡሩኽ ይኹን። ኣምላኽካ ንእስራኤል ንዘለኣለም ከበርትዖ ስለ ዝደለየ፥ ፍርድን ፅድቅን ምእንቲ ክትገብር፥ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ እስራኤል ኣንገሰካ።”
9 #
ማቴ. 12፡42፥ ሉቃ. 11፡31። ንሳ ድማ ንንጉስ ኣርባዕተ ሽሕ ኪሎ ግራም ወርቅን የመና ብዙሕ ሽቱን ክቡር ኣእማንን ሃበቶ። ከምቲ ንግስተ ሳባ ንንጉስ ሰሎሞን ዝሃበቶ ሽቱ፥ ከቶ ኣይነበረን።
10እቶም ካብ ኦፊር ወርቂ ዘምፅኡ ሓሻኽር ኪራምን ሓሻኽር ሰሎሞንን፥ ዕንፀይቲ ሰንደልን ክቡር ዕንቊን ከዓ የምፅኡ ነበሩ። 11ንጉስ ድማ ኻብቲ ዕንፀይቲ ሰንደል ንቤት እግዚኣብሄርን ንቤት ንጉስን ዝኸውን መደያይቦ፥ ንመዘምራን ዝኸውን ከዓ በገናታትን መሰንቆታትን ገበረ። ከምኡ ዝበለ ኸዓ ኣብ ምድሪ ይሁዳ ቕድሚኡ ተርእዩ ኣይፈልጥን።
12ንጉስ ሰሎሞን ንንግስተ ሳባ ኻብ እቲ ዅሉ ናብኡ ዘምፅአትሉ፥ ዝበልፅ፥ ኵሉ ዘፈተወቶን ኵሉ ኻብኡ ዝለመነቶውን ሃባ። ንሳ ድማ ተመሊሳ ምስ ሓሻኽራ ናብ ሃገራ ኸደት።
ሃብቲ ሰሎሞን
(1 ነገ. 10፡14-25)
13-14ብዘይ እቲ ሰብ ሸቐጥን ነጋዶን ዘምፅእዎ ዝነበሩ፥ እቲ ንሰሎሞን በብዓመቱ ዝኣትዎ ዝነበረ ወርቂ ዕስራን ሰለስተን ሽሕ ኪሎ ግራም ዝምዘን ነበረ። ኵሎም ነገስታት ዓረብን ሹመኛታት ሃገርን ድማ ንሰሎሞን ወርቅን ብሩርን የምፅኡሉ ነበሩ።
15ንጉስ ሰሎሞን ከዓ ብዝተቐጥቀጠ ወርቂ ገይሩ ኽልተ ሚእቲ ዓበይቲ ዋልታታት ሰርሐ። ነንሓደ ዋልታ ኣስታት ሸውዓተ ኺሎ ግራም ወርቂ ወድአ። 16ብቕጥቁጥ ወርቂ ገይሩ ኸዓ ሰለስተ ሚእቲ ኣናእሽተይ ዋልታታት ሰርሐ። ነንሓደ ዋልታ ድማ ኣስታት ሰለስተ ኺሎ ግራም ወርቂ ወድአ። እቲ ንጉስ ከዓ ኣብታ ዱር ሊባኖስ እትበሃል ኣዳራሽ ኣንበሮ።
17ንጉስ ድማ ብስኒ ሓርማዝ ገይሩ ዓብዪ ዙፋን ሰርሐ፤ ብፅሩይ ወርቂውን ለበጦ። 18እቲ ዙፋን ከዓ ሽዱሽተ መደያይቦን ብወርቂ ዝተሰርሐ ሓደ ናይ እግሪ ድኳ ምስቲ ዙፋን ዝለገበ ነበሮ፤ እቲ ኾፍ መበሊ ድማ በዙይን በቱይን መደገፊ ኣእዳው ነበሮ፤ ኣብ ጎቦ እቲ መደገፊታት ኣእዳዉ ኸዓ ምስሊ ኽልተ ኣናብስ ቆይሞም ነበሩ። 19ብኽልተ ወገኑ ነቲ ሽዱሽተ መደያይቦ ድማ፥ ምስሊ ዓሰርተ ኽልተ ኣናብስ ቆይሞም ነበሩ። ከምዙይ ዝበለ ዙፋን ኣብ ዝኾነ መንግስቲ ተርእዩ ኣይፈልጥን። 20ኵሉ ኣቑሑ መሳተያ ንጉስ ሰሎሞን፥ ብወርቂ ዝተሰርሐ ነበረ። ኣብቲ ዱር ሊባኖስ ተብሂሉ ዝፅዋዕ ኣዳራሽ ዝነበረ ዅሉ ኣቑሑ ኸዓ፥ ብፅሩይ ወርቂ ዝተሰርሐ ነበረ። ብዘመን ሰሎሞን ብሩር ኣይቝፀርን ነበረ። 21ንጉስ ሰሎሞን ምስ ሓሻኽር ኪራም ናብ ተርሴስ #9፡21 ተርሴስ፦ ሎሚ “እስፔይን” ዝበሃል ዘሎ እዩ። ዝኸዳ መራኽብ ነበራኦ፤ ንሳተን ከዓ ወርቅን ብሩርን ስኒ ሓርማዝን ኣህባይን ኣዕዋፍን ተፅዒነን ኣብ ሰሰለስተ ዓመት ሓደሻዕ ይመፃ ነበራ።
22ንጉስ ሰሎሞን ብሃብትን ጥበብን ካብ ኵሎም ነገስታት ምድሪ በለፀ። 23ኵሎም ነገስታት ምድሪ ድማ ነቲ እግዚኣብሄር ኣብ ልቡ ዘሕደረሉ ጥበብ ምእንቲ ኽሰምዑ፥ ገፅ ሰሎሞንውን ክሪኡ ይምነዩ ነበሩ። 24ንሳቶም ከዓ ነፍሲ ወከፎም ኣቑሑ ብሩርን ኣቑሑ ወርቅን ክዳውንትን ኣፅዋርን ቀመማትን ኣፍራስን ኣባቕልን ዓመት ዓመት ገፀ በረኸት የምፅኡሉ ነበሩ።
25ሰሎሞን ኣርባዕተ ሽሕ ስፍራ ኣፍራስን ሰረገላታትን ኣስርሐ፤ ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ ፈረሰኛታትውን ነበርዎ። ንገሊኣቶም ምስኡ ኣብ ኢየሩሳሌም፥ ንገሊኣቶም ድማ ኣብቲ ሰረገላታት ዝቕመጥዎ ኸተማታት ኣቐመጦም። #1 ነገ. 4፡26። 26#ዘፍ. 15፡18፥ 1 ነገ. 4፡21። ካብ ሩባ ኤፍራጥስ ጀሚሩ ኽሳዕ ምድሪ ፍልስጥኤማውያንን ክሳዕ ወሰን ግብፅን ኣብ ልዕሊ ዘለዉ ዅሎም ነገስታት ይገዝእ ነበረ። 27እቲ ንጉስ ከዓ ንብሩር ኣብ ኢየሩሳሌም ከም እምኒ ከም ዝበዝሕ ገበሮ፥ ብዝሒ ዝግባውን ኣብ ቈላ ኸም ዝበቊል ሳግላ ገበሮ። 28#ዘዳ. 17፡16። ንሰሎሞን ካብ ግብፅን ካብ ኵለን ሃገራትን ኣፍራስ የምፅኡሉ ነበሩ።
ሞት ሰሎሞን
(1 ነገ. 11፡41-43)
29እቲ ዝተረፈ ናይ ሰሎሞን ታሪኽ፥ እቲ ቐዳማይን እቲ ዳሕረዋይን ኣብ ታሪኽ ነቢይ ናታንን ኣብ ትንቢት ኣኪያ በዓል ሴሎን ኣብ ራእይ ኣዶ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? ራእይ ኣዶ ብዛዕባ ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥውን ዝዛረብ እዩ። 30ሰሎሞን ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣርብዓ ዓመት ገዝአ። 31ሰሎሞን ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ኣብ ከተማ ኣቦኡ ዳዊት ድማ ቐበርዎ። ክንድኡ ኸዓ ወዱ ሮብዓም ነገሰ።
Currently Selected:
2ይ ዜና 9: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in