2ይ ዜና 10
10
ዓሰርተ ነገድ እስራኤል ከም ዝዓመፀ
(1 ነገ. 12፡1-20)
1ኵሎም እስራኤል ከንግስዎ ናብ ሴኬም መፂኦም ነበሩሞ ሮብዓም ናብ ሴኬም ከደ፤ 2ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ፥ ካብ ንጉስ ሰሎሞን ሃዲሙ ናብ ግብፂ ኸይዱ ነበረሞ፥ እዙይ ምስ ሰምዐ፥ ኢዮርብዓም ካብ ግብፂ ተመለሰ። 3ልኢኾም ድማ ፀውዕዎ። ሽዑ ኢዮርብዓምን ኵሎም እስራኤልን መፂኦም ንሮብዓም፥ 4“ኣቦኻ ኸቢድ ኣርዑት ኣሸከመና፤ ሕዚ ግና ንስኻ ነቲ ብርቱዕ ኣገዛዝኣ ኣቦኻን ነቲ ዘሸከመና ኸቢድ ኣርዑትን ኣቕልለልና፤ ንሕናውን ክንግዝአካ ኢና” በልዎ።
5ንሱ ድማ፦ “ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ናባይ ተመለሱ” በሎም፤ እቶም ህዝቢ ኸዓ ኸዱ።
6ንጉስ ሮብዓም ድማ ነቶም ኣቦኡ ሰሎሞን ብህይወቱ እንተሎ ዘማኽርዎ ዝነበሩ ዓበይቲ “ነዝ ህዝቢ እዙይ እንታይ ክምልሰሉ ትመኽሩኒ?” ኢሉ ጠየቖም።
7ንሳቶም ከዓ “ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም ሕያዋይ እንተ ኾንካሎም፥ እንተ ለዋህኻሎም፥ ጥዑም ዘረባውን እንተ ኣስማዕኻዮም፥ ንሓዋሩ ሓሻኽር ኮይኖም ከገልግሉኻ እዮም” ኢሎም መለሱሉ።
8ንሱ ግና ነቲ እቶም ዓበይቲ ዝመኸርዎ ምኽሪ ሓዲጉ፥ ምስቶም ምስኡ ዝዓበዩ፥ ኣብ ቅድሚኡ ይቖሙ ዝነበሩ መናእሰይ ተማኸረ። 9“ነዞም ‘እቲ ኣቦኻ ዘሸከመና ኣርዑት ኣቕልለልና’ ዝብሉኒ ዘለዉ ህዝቢ እንታይ ክምልሰሎም ተማኽሩኒ?” ድማ በሎም።
10እቶም መተዓብይቱ ዝኾኑ መናእሰይ ከዓ “ነዞም ‘ኣቦኻ ኣርዑት ኣኽቢዱልና እዩ፥ ንስኻ ግና ኣቕልለልና’ ኢሎም ዝተዛረቡኻ ህዝቢ ‘እዛ ንእሽተይ ኣፃብዕተይ፥ ካብ ሕቘ ኣቦይ ትረጕድ። 11ሕዚ ድማ ኣቦይ ከቢድ ኣርዑት ፀዓነኩም፤ ኣነ ኸዓ ኣብ ልዕሊ ኣርዑትኩም ክውስኸኩም እየ። ኣቦይ ብሓለንጊ ገረፈኩም፤ ኣነ ግና ብዕንቅርቢት ክገርፈኩም እየ’ በሎም” ኢሎም መኸርዎ።
12ከምቲ እቲ ንጉስ “በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ተመለሱኒ” ኢሉ ዝተዛረቦም ድማ፥ ኢዮርብዓምን ኵሉ እቲ ህዝብን ኮይኖም፥ በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ናብ ሮብዓም መፁ። 13ሽዑ እቲ ንጉስ ነቲ እቶም ዓበይቲ ዝመኸርዎ ምኽሪ ሓዲጉ ነቶም ህዝቢ ኣትሪሩ መለሰሎም። 14“ኣቦይ ከቢድ ኣርዑት ኣሸከመኩም፤ ኣነ ኸዓ ኣብ ልዕሊ ኣርዑትኩም ክውስኸኩም እየ። ኣቦይ ብሓለንጊ ገረፈኩም፤ ኣነ ግና ብዕንቅርቢት ክገርፈኩም እየ” ኢሉ ኸምቲ ምኽሪ እቶም መናእሰይ ገይሩ ተዛረቦም። 15ነቲ እግዚኣብሄር ንኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ ብኣሒያ በዓል ሴሎ ተዛሪብዎ ዝነበረ ቓሉ ምእንቲ ኽፍፅሞ፥ ካብ እግዚኣብሄር ተመዲቡ ነበረ እሞ፥ እቲ ንጉስ ነቲ ህዝቢ ኣይሰምዖን።
16 #
2 ሳሙ. 20፡1። ሽዑ ዅሎም እስራኤል፥ እቲ ንጉስ ከም ዘይሰምዖም ምስ ረአዩ፥ እቶም ህዝቢ፦
“ምስ ዳዊት እንታይ ክፍሊ ኣለና?
ኣብ ወዲ እሴይ ርስቲ የብልናን፤
ኣቱም ህዝቢ እስራኤል!
ነናብ ድንኳናትኩም ተመለሱ።
ኣታ ዳዊት ሕዝስ ቤትካ ሓሉ”
ኢሎም ንንጉስ መለሱሉ። ሽዑ ህዝቢ እስራኤል ነናብ ድንኳናቶም ከዱ። 17ሮብዓም ግና ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ሃገር ይሁዳ ዝቕመጡ ዝነበሩ ደቂ እስራኤል ነገሰ።
18ንጉስ ሮብዓም ነቲ ኣገባሪ ዝነበረ ኣዶኒራም፥ ናብ እስራኤላውያን ሰደዶ። ደቂ እስራኤል ድማ ብእምኒ ቐጥቂጦም ቀተልዎ። ንጉስ ሮብዓም ግና ናብ ሰረገላኡ ብቕልጡፍ ደዪቡ ናብ ኢየሩሳሌም ሃዲሙ ኣምለጠ። 19ህዝቢ እስራኤል ካብ ቤት ዳዊት ክሳዕ ሎሚ፥ በዝ ኸምዙይ ዓሚፆም ኣለዉ።
Currently Selected:
2ይ ዜና 10: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in