YouVersion Logo
Search Icon

2ይ ዜና 8

8
ሰሎሞን ዝሰርሖ ኻልእ ስራሕ
(1 ነገ. 9፡10-28)
1ሰሎሞን፥ ቤት እግዚኣብሄርን ናይ ባዕሉ ቤትን ዝሰርሐለን ዕስራ ዓመታት ምስ ተወድኣ፥ 2ሰሎሞን ነተን ኪራም ዝሃቦ ኸተማታት ሰርሐን፤ ንደቂ እስራኤል ድማ ኣብኣተን ኣቐመጦም። 3ሰሎሞን ከዓ ናብ ምድሪ ሓማትሱባ ኸደ፤ ኣሰነፋውን። 4ኣብ ምድረ በዳ ድማ ንኸተማ ታድሞርን ንዅለን እተን ኣብ ሓማት ቤተ መዛግብቲ ዝነበራ ኸተማታትን ሰርሐን። 5ንላዕለዋይ ንቤትሖሮን ንታሕተዋይ ቤትሖሮን መካበብያታትን መዓፁን መሸጐሪታትን ዘለወን ዝተዓረዳ ኸተማታት ገይሩ ሰርሐን። 6ንኸተማ በዓላትን ንዅለን እተን ናይ ሰሎሞን ቤተ መዛግብቲ ዝነበራ ኸተማታትን፥ ኵለን ከተማታት ሰረገላታቱን ከተማታት ፈረሰኛታቱን፥ ከም ድሌቱ ገይሩ ኣብ ኢየሩሳሌምን ኣብ ሊባኖስን ኣብ ኵሉ ሃገር ግዝኣቱን ክሰርሖ ዝደለዮ ሰርሐ።
7ሰሎሞን ነቶም ካብ ኣሞራውያንን ኬጢያውያንን ፌርዛውያንን ሓዋውያንን ኢያቡሳውያንን ዝተረፉ ኻብ ደቂ እስራኤል ዘይኮኑ ዅሎም ህዝቢ፥ 8ነቶም ብድሕሪኦም ኣብታ ሃገር ተሪፎም ዝነበሩ ደቆም፥ ደቂ እስራኤል ዘየጥፍእዎም፥ ንኣኣቶም ክሳዕ ሎሚ ገባራት ገይሩ ግዙኣት ገበሮም። 9ካብ ደቂ እስራኤል ግና ሰሎሞን፥ ተዋጋእትን ኣዘዝቲ ሰራዊቱን ኣዘዝቲ ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ክኾኑ እምበር፥ ባሮት ኣይገበረን። 10ካብዚኣቶምውን፥ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ስልጣን ዝነበሮም ናይ ንጉስ ሰሎሞን ዋናታት ኣሕሉቕ ኽልተ ሚእትን ሓምሳን ነበሩ።
11ሰሎሞን “ኣብ ቤት ዳዊት ንጉስ እስራኤል፥ ታቦት እግዚኣብሄር ስለ ዝኣተወ ቅዱስ ቦታ ኾይኑ እዩ እሞ፥ ሰበይተይ ኣብኡ ኽትነብር ኣይግብኣን እዩ” ስለ ዝበለ፥ ንጓል ፈርዖን ካብ ከተማ ዳዊት ኣውፂኡ ናብታ ዝሰርሐላ ቤት ኣደየባ።
12ሽዑ ሰሎሞን ኣብቲ ኣብ ቅድሚ ገበላ ቤተ መቕደስ ዝሰርሖ መሰውኢ፥ ንእግዚኣብሄር ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕረበሉ። 13ከምቲ ሙሴ ዝኣዘዞ ኸም ስርዓቶም በብመዓልትን በብሰናብትን በብሰርቂ ወርሕን፥ በተን ኣብ ዓመት ሓድሓደ ጊዜ ዝውዕላ ምዱባት ሰለስተ በዓላትን፥ ብበዓል ቅጫን ብበዓል ሰሙናትን ብበዓል ዳስን ይስውእ ነበረ። #ዘሑ. 28፡9፥ 29፡39፥ ዘፀ. 23፡14-17፥ 34፡22-23፥ ዘዳ. 16፡16። 14ከምቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ኣቦኡ ዳዊት፥ ሰሪዕዎን ኣዚዝዎን ዝነበረ ድማ ነቶም ካህናት በብመዓልቶም ከገልግሉ፥ ነቶም ሌዋውያን ከዓ በብመዓልቶም ከምቲ ዝግባእ ንእግዚኣብሄር ከመስግኑን ነቶም ካህናት ክሕግዙን መደቦም። ነቶም ሓለውቲ በርታት ከዓ በብኽፍሎም ኣብ ደገ ኽሕልዉ ኣቖሞም። 15እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ከዓ ነቲ ንጉስ ሰሎሞን ብዛዕባ ኣቑሑ ቤተ መቕደስን ካልእ ስራሕን ዝኣዘዞም ሓለውዎ። 16ከምዙይ ኢሉ ዅሉ እቲ ሰሎሞን ዝገበሮ ስራሕ ቤት እግዚኣብሄር ካብ ምስራት ክሳዕ ምፍፃም ተዳለወ፤ እታ ቤት እግዚኣብሄር ከዓ ተፈፀመት።
17ሽዑ ሰሎሞን ኣብ ገምገም ባሕሪ ኣብ ምድሪ ኤዶምያስ ናብ ዘለዋ ዔፅዮንጋብርን ኤላትን ዝበሃላ ወደባት ከደ። 18ኪራም ድማ ብሓሻኽሩ ገይሩ መራኽብን ባሕረኛታት ሓሻኽርን ሰደደሉ፤ ንሳቶምውን ምስ ሓሻኽር ሰሎሞን ናብ ኦፊር ከዱ። ካብኡ ኸዓ ዓሰርተ ሓሙሽተ ሽሕ ኪሎ ግራም ወርቂ ወሲዶም ናብ ንጉስ ሰሎሞን ኣምፅኡ።

Currently Selected:

2ይ ዜና 8: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

Video for 2ይ ዜና 8