2ይ ዜና 31
31
ሕዝቅያስ ነታ ሃገር ካብ ኣምልኾ ጣዖት ከም ዘንፅሃ
1እዝ ዅሉ ምስ ተፈፀመ፥ እቶም ኣብኡ ተኣኪቦም ዝነበሩ ህዝቢ እስራኤል፥ ናብ ኵለን ከተማታት ይሁዳ ኸዱ እሞ፥ ነቲ ኣዕምዲ ጣዖት ሰባበርዎ፤ ነቲ መምለኺ ኣፀዳትውን፤ ነቲ ኣብ ኵሉ ይሁዳን ብንያምን ኤፍሬምን ምናሴን ዘሎ ንጣዖት ዘምልኹሉ ዝነበሩ በረኽትን መሰውኢታትን ኣፈራረስዎ። ኵሎም ደቂ እስራኤል ድማ፥ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ርስቱ፥ ናብ ከተማታቶም ተመለሱ።
2ንጉስ ሕዝቅያስ ድማ ነቶም ካህናትን ሌዋውያንን በብኽፍሎም መደቦም። ንነፍሲ ወከፎም ከዓ ኸም ምግልጋሉ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ከቕርቡን ከገልግሉን ኣብተን በርታት ሰፈር እግዚኣብሄር ክውድሱን ከመስግኑን ሰርዖም። 3#ዘሑ. 28፡1-29። እቲ ንጉስ ድማ፥ ከምቲ ኣብ ሕጊ እግዚኣብሄር ተፅሒፉ ዘሎ፥ ነቲ ንግሆን ምሸትን ዝቃፀል መስዋእትን ነቲ ኣብ ሰናብትን ኣብ ሰርቂ ወርሕን ኣብ ምዱባት በዓላትን ንዝቃፀል መስዋእትን ዝኸውን፥ ካብ ጥሪቱ ክኸፍሎ ወሰነ። 4#ዘሑ. 18፡12-13፥21። እቲ ንጉስ ከዓ እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ከምቲ ሕጊ እግዚኣብሄር ዝእዝዞ ኣብ ኣገልግሎቶም ምእንቲ ኽፀንዑ፥ ግደኦም ክህብዎም ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ህዝቢ ኣዘዞም። 5እዝ ትእዛዝ እዙይ ምስ ወፀ ድማ፥ ደቂ እስራኤል ካብ እኽልን ካብ ወይንን ዘይትን መዓርን ካብ ኵሉ እቶት ገራሁን በዅራት ኣብዚሖም ሃቡ፤ ናይ ኵሉ ኣስራትውን ኣብዚሖም ሃቡ። 6እቶም ኣብ ከተማታት ይሁዳ ዝነብሩ ደቂ እስራኤልን ደቂ ይሁዳን ከዓ ኻብ ኣብዑርን ኣባጊዕን ኣስራት፥ ካብቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾም ኢሎም ዝወፈይዎ ድማ ኣስራት ኣምፅኡ፤ ኣብኡ ኸዓ ዀመርዎ። 7ክዅምሩ ዝጀመሩ ብሳልሰይቲ ወርሒ ነበረ፤ በታ ሻውዐይቲ ወርሒ ድማ ወድእዎ። 8ሕዝቅያስን እቶም ሹመኛታቱን መፂኦም ነቲ ዅምራታት ምስ ረአይዎ ኸዓ፥ ንእግዚኣብሄር ኣመስገንዎ፤ ንህዝቡ እስራኤል ድማ ባረኽዎ።
9ሕዝቅያስ ድማ ነቶም ካህናትን ሌዋውያንን ብዛዕባ እቲ ዝተዀመረ ጠየቖም። 10ሽዑ እቲ ኻብ ማይ ቤት ሳዶቅ ዝነበረ ሊቀ ካህናት ኣዛርያስ “እቲ መባእ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ምእታው ካብ ዝጅምር፥ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ስለ ዝባረኾ፥ ክሳዕ ዝተርፈና በሊዕና ንፀግብ ኣለና። እቲ ተሪፉ ዘሎ ዅምሪ ኸዓ ዓብዪ እዩ” ኢሉ ተናገረ።
11ሕዝቅያስ ድማ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ማዕኸን ክስራሕ ኣዘዘ፤ ንሳቶም ከዓ ሰርሑ። 12ነቲ መባእን ኣስራትን ነቲ ንእግዚኣብሄር ዝተወፈየ ብእምነት ናብኡ ኣእተውዎ። ኮናንያ ዝበሃል ሌዋዊ ድማ ተሸይሙ ነበረ፤ ንሓዉ ሰሜኢ ኸዓ ብመዓርግ ካልኣይ ነበረ። 13ብትእዛዝ ንጉስ ሕዝቅያስን ብትእዛዝ ኣዛርያስ ሹም ቤት እግዚኣብሄርን ድማ ይሒዒል፥ ኣዛዝያ፥ ናሖት፥ ኣሳሄል፥ ይሬሞት፥ ዮዛባት፥ ኤሊኤል፥ ሰማክያ፥ መሓት፥ በናያስ፥ ዝበሃሉ ሌዋውያን ኣብ ትሕቲ ኮናንያን ሰሜኢ ሓዉን ተቘፃፀርቲ ኾኑ።
14ቆሬ ወዲ ይምና ሌዋዊ፥ ሓላዊ እታ ምብራቓዊት በሪ ኸዓ ነቲ ናብ እግዚኣብሄር ዝቐርብ መባእን ነቲ ንእግዚኣብሄር ዝተወፈየ ውህብቶን ነቲ ብድሌት ንኣምላኽ ዝተሰውአ መባእን፥ ክቕበልን ክዕድልን ተሸመ። 15ኣብ ትሕቲኡ ድማ ነቶም ኣሕዋቶም ከከምታ መደብ ስራሖም ማዕረ ማዕረ ገይሮም ብእምነት ክዕድሉሉ፥ ዔድን፥ ሚንያሚን፥ ኢያሱ፥ ሸማያ፥ ኣማርያ፥ ሴኬንያ፥ ዝበሃሉ ሌዋውያን ኣብተን ካህናት ዝነብሩለን ከተማታት ተሸይሞም ነበሩ።
16ነቶም ኣብ መፅሓፍ ትውልዲ ዝተፅሓፉ ኣወዳት ካብ ወዲ ሰለስተ ዓመት ንላዕሊ ዝነበሩ፥ ከከም ክፍሎምን ከከም ኣገልግሎቶምን ነቲ ነናይ መዓልቲ ዘድሊ ነገር ክገብሩ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝኣትዉ ዅሎም ይዕድልዎም ነበሩ። 17ከምኡውን ነቶም በብማይ ቤት ኣቦታቶም ዝተፅሓፉ ኻህናት፥ ነቶም ልዕሊ ደቂ ዕስራ ዓመት ዝኾኑ ኣብ ከክፍሎም ከከም ኣገልግሎቶም ዝተፅሓፉ ሌዋውያን ይዕድልዎም ነበሩ። 18ኣብቲ ማሕበር በብትውልዶም ዝተቘፀሩ ኸምቲ ሕጊ፥ ርእሶም ብእምነት ቀዲሶም ስለ ዝነበሩ፥ ምስ ኵሎም ህፃናቶምን ኣንስቶምን ኣወዳቶምን ኣጓላቶምን ተፅሓፉ።
19ነቶም ኣብ ከከባቢ ኸተማታቶም ዘሎ ገራሁ ዝነብሩ ኻህናት ደቂ ኣሮን ድማ፥ ካብ ካህናት ተባዕትዮ ንዝኾኑ ኻብ ሌዋውያን ንዝተፅሓፉ ዅሎምን በብፅሒቶም ክህብዎም፥ ኣብ ከከተማኡ በብስሞም ዝተመደቡ ሰባት ነበሩ።
20ሕዝቅያስ ከዓ ኣብ ኵሉ ይሁዳ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ፅቡቕን ቅኑዕን ሓቅን ገበረ። 21ኣብ ኣገልግሎት ቤት እግዚኣብሄርን፥ ኣብ ኣፈፃፅማ ሕግን ትእዛዝን፥ ንኣምላኹ ስለ ዝተኣዘዘን፥ ብምሉእ ልቡ ስለ ዝሰርሐን፥ ሰለጦ።
Currently Selected:
2ይ ዜና 31: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in