2ይ ዜና 30
30
ምድላው በዓል ፋሲካ
1ሕዝቅያስ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ናብ ኢየሩሳሌም ክመፁ እሞ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ፋሲካ ኸብዕሉ ኢሉ፥ ናብ ኵሉ ህዝቢ እስራኤልን ይሁዳን ለኣኸ፤ ናብ ኤፍሬምን ምናሴን ከዓ መልእኽቲ ፀሓፈ። 2-3እዙይ ድማ በታ ቐዳመይቲ ወርሒ ዝኣኽሉ ኻህናት ስለ ዘይተቐደሱን፥ እቲ ህዝቢ እውን ኣብ ኢየሩሳሌም ስለ ዘይተኣከበን ብጊዜኡ ፋሲካ ኸብዕሉ ኣይከኣሉን እሞ፥ ንጉስ ሕዝቅያስን ሹመኛታቱን ኵሉ ህዝቢ ኢየሩሳሌምን ኣብታ ኻልአይቲ ወርሒ ፋሲካ ኸብዕሉ ስለ ዝተማኸሩ እዩ። #ዘሑ. 9፡9-11። 4እዝ ነገር እዙይ ንንጉስን ንዅሉ እቲ ህዝብን ቅኑዕ ኮይኑ ተርኣዮም። 5ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣብ ኢየሩሳሌም ፋሲካ ኸብዕሉ ኢሎም፥ ካብ ቤርሳቤህ ክሳዕ ዳን ኣብ ኵሉ እስራኤል ኣዋጅ ክእወጅ ወሰኑ። እዙይ መግበሪኦም ድማ ህዝቢ እስራኤል ንበዓል ፋሲካ ኻብ ነዊሕ ዘመን ከምቲ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ገይሮም ዘየብዕልዎ ስለ ዝነበሩ እዩ።
6እቶም ልኡኻት ድማ መልእኽትታት ንጉስን ሹመኛታቱን ሒዞም ናብ ኵሉ እስራኤልን ይሁዳን ከዱ እሞ፥ ከምቲ ትእዛዝ ንጉስ ከምዙይ ኢሎም ነገሩ፦
“ኣቱም ደቂ እስራኤል፥ ካብ ኢድ ነገስታት ኣሶር ኣምሊጥኩም ተሪፍኩም ኣለኹም፤ ሕዚ ኸዓ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽምለሰኩም ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሓቅን ያእቆብን ተመለሱ። 7ከምቲ ንስኻትኩም እትሪእዎ ዘለኩም ከም ዝጠፍኡ ኽሳዕ ዝገብሮም ንኣምላኽ ኣቦታቶም እግዚኣብሄር ከም ዝበደሉ ከም ኣቦታትኩምን ኣሕዋትኩምን ኣይትኹኑ። 8እምበኣር ከምቶም ኣቦታትኩም ተረርቲ ኽሳድ ኣይትኹኑ፤ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ተገዝእዎ፤ ናብቲ ንዘለኣለም ዝቐደሶ መቕደሱ ንዑ፤ ቍጥዓኡ ኻባኻትኩም ምእንቲ ኽምለስ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣምልኹ። 9ናብ እግዚኣብሄር እንተ ተመሊስኩም፥ እቶም ኣሕዋትኩምን ደቅኹምን ድማ ኣብ ቅድሚ እቶም ማሪኾምዎም ዘለዉ ምሕረት ክረኽቡ፥ ናብዛ ሃገር እዚኣውን ክምለሱ እዮም። እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ርህሩህን መሓርን እዩ እሞ፥ ናብኡ እንተ ተመሊስኩም፥ ንሱውን ገፁ ናባኻትኩም ክመልስ እዩ።”
10እቶም ልኡኻት ከዓ ኻብ ከተማ ናብ ከተማ ሓለፉ፤ ብሃገር ኤፍሬምን ምናሴን ኣቢሎም ድማ ኽሳዕ ዛብሎን በፅሑ። ንሳቶም ግና ብንዕቐት ሰሓቑዎምን ኣላገፁሎምን። 11ካብ ኣሴርን ምናሴን ካብ ዛብሎንን ዝኾኑ ሰባት ግና ርእሶም ኣዋሪዶም ናብ ኢየሩሳሌም መፁ። 12መሊሱ ሓደ ልቢ ንኽህቦም ብቓል እግዚኣብሄር ንዝኾነ ትእዛዝ ንጉስን ኣሕሉቑን ምእንቲ ኽፍፅሙ፥ ኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ኾነ።
በዓል ፋሲካ
13በታ ኻልአይቲ ወርሒ ኸዓ በዓል ቅጫ ኸብዕል፥ ብዙሕ ህዝቢ ኣብ ኢየሩሳሌም ተኣከበ። 14ተሲኦም ከዓ ኣብ ኢየሩሳሌም ንዝነበሩ መሰውኢታት ኣወገዱ፤ ነቲ ዅሉ መሰውኢታት ዕጣን ድማ ወሲዶም ኣብ ሩባ ቄድሮን ደርበይዎ።
15ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ ናይታ ኻልአይቲ ወርሒ ኸዓ በጊዕ ፋሲካ ሓረዱ። እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ድማ ሓፈሩ፤ ተቐዲሶም ድማ ዝቃፀል መስዋእቲ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምፅኡ። 16ከምቲ ሕጊ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ሙሴ፥ በብስርዓቶም ቆሙ፤ እቶም ካህናት ካብ ኢድ ሌዋውያን ተቐቢሎም ነቲ ደም ይነፅጉ ነበሩ። 17ካብቶም ህዝቢ ብዙሓት ዘይነፅሁ ነበሩ እሞ፥ እቶም ሌዋውያን ምእንቲ እቶም ዘይነፅሁ ዅሎም በጊዕ ፋሲካ ሓሪዶም ንእግዚኣብሄር ሰውኡሉ። 18-19ብዙሓት ካብቶም ህዝቢ ኻብ ነገድ ኤፍሬምን ምናሴን ይሳኮርን ዛብሎንን ከምቲ ሕጊ እንተይነፅሁ በጊዕ ፋሲካ በልዑ። ንጉስ ሕዝቅያስ ግና “ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትና! እቲ ብቕኑዕ ልቢ ንኣኻ ዘምለኸ፥ ከም ሕጊ ዘይነፅሀኳ እንተ ኾነ ብሕያዋይነትካ ይቕረ በለሉ” ኢሉ ለመነ። 20እግዚኣብሄር ከዓ ፀሎት ሕዝቅያስ ሰሚዑ ነቶም ህዝቢ ኣሕወዮም።
21እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝተረኽቡ ደቂ እስራኤል ድማ ብዓብዪ ሓጐስ፥ ሸውዓተ መዓልቲ በዓል ቅጫ ኣብዓሉ። ሌዋውያንን ካህናትን ድማ በብመዓልቱ ብመሳርሒ ሙዚቃ ንእግዚኣብሄር መዝሙር እናዘመሩ የመስግኑ ነበሩ።
22ሕዝቅያስ ድማ ነቶም ኣብ ኣገልግሎት እግዚኣብሄር ብምስትውዓል ዝመርሑ ዝነበሩ ዅሎም ሌዋውያን የበረታትዖም ነበረ። በቲ በዓል፥ በተን ሸውዓተ መዓልቲ እቲኣተን ከዓ፥ መስዋእቲ ምስጋና እናቕረቡን እናበልዑን ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም የመስግኑ ነበሩ።
23ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ ኻልኦት ሸውዓተ መዓልቲ ኸብዕሉ ተሰማምዑ፤ ካልኦት ሸውዓተ መዓልቲታትውን ብሓጐስ ኣብዓሉ። 24ሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ነቶም ህዝቢ ሓሪዶም ዝበልዕዎም ሽሕ ዝራብዓትን ሸውዓተ ሽሕ ኣባጊዕን ሃቦም። እቶም ሹመኛታት ድማ ነቲ ህዝቢ ሽሕ ኣብዑርን ዓሰርተ ሽሕ ኣባጊዕን ሃብዎ። ብዙሓት ካህናት ከዓ ኸምቲ ስርዓት፥ ርእሶም ኣንፅሁ። 25ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ፥ ህዝቢ ይሁዳን ካህናትን ሌዋውያንን ኵሎም እቶም ካብ እስራኤል ዝመፁ ህዝብን፥ እቶም ኣብ እስራኤልን ኣብ ይሁዳን ዝቕመጡ ዝነበሩ መፃእተኛታትን ብሓባር ተሓጐሱ። 26ድሕሪ ዘመን ሰሎሞን ንጉስ እስራኤል ወዲ ዳዊት፥ ከምዙይ ዝበለ በዓል ኣብ ኢየሩሳሌም ኣይተገብረን እሞ ኣብ ኢየሩሳሌም ዓብዪ ሓጐስ ኮነ። 27እቶም ሌዋውያን ካህናት ከዓ ተሲኦም ነቲ ህዝቢ ባረኽዎ፤ ድምፆምውን ተሰምዐ፤ ፀሎቶምውን ናብ ቅዱስ ማሕደሩ ናብ ሰማይ ዓረገ።
Currently Selected:
2ይ ዜና 30: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in