YouVersion Logo
Search Icon

2ይ ዜና 32

32
ሰናክሬም ንኢየሩሳሌም ከም ዝኸበባ
(2 ነገ. 18፡13-3719፡14-1935-37ኢሳ. 36፡1-2237፡8-38)
1ድሕሪ እዝ ነገር እዙይን እዝ እምነት እዙይን፥ ንጉስ ኣሶር ሰናክሬም መፂኡ ናብ ይሁዳ ኣተወ። ነተን ዝተዓረዳ ኸተማታት ከቢቡ ድማ ኽሕዘን ሓሰበ። 2ሕዝቅያስ፥ ሰናክሬም ከም ዝመፀን ንኢየሩሳሌምውን ክዋግኣ ኸም ዝሓሰበን ምስ ረአየ፥ 3እቲ ኣብ ወፃኢ ኸተማ ዘሎ ዓይኒ ማያት ክድፈን፥ ምስቶም መኳንንቱን ጀጋኑኡን ተማኸረ ንሳቶም ድማ ሓገዝዎ። 4ብዙሓት ሰባት ተኣኪቦም ከዓ “ስለ ምንታይ እቶም ነገስታት ኣሶር መፂኦም ብዙሕ ማይ ዝረኽቡ” ብምባል ንዅሉ ዓይኒ ማያትን ነቲ ብማእኸል እታ ሃገር ዝውሕዝ ሩባን ዓፀውዎ። 5ሰውነቱ ኣበርቲዑ ብምስራሕ ድማ ነቲ ፈሪሱ ዝነበረ ቕፅሪ ፀገኖ፤ ኣብ ልዕሊኡ ድማ መንደቕ ሰርሐሉ፤ ንመካበብያ ኢየሩሳሌምውን ብወፃኢ ኻልኣይ መንደቕ ሰርሐሉ። ኣብ ከተማ ዳዊት ንዘላ ሚሎን ኣጠናኸረ፤ ብዙሕ ኣፅዋርን ዋላቱን ድማ ኣዳለወ።
6ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ድማ ኣሕሉቕ ውግእ ሸመ፤ ናብታ ኣብ በሪ ኸተማ ዘላ ገፋሕ ስፍራ ኸዓ ኣከቦም እሞ፥ ከምዙይ ኢሉ ኣፀናንዖም፦ 7“ኣይዞኹም ፅንዑን ትብዑን፤ ካብቲ ምስኡ ዘሎስ እዝ ምሳና ዘሎ ይዓቢ እዩ እሞ፥ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣሶርን ኣብ ቅድሚ ዅሉ እቲ ምስኡ ዘሎ ጭፍራን ኣይትፍርሑን ኣይትሸበሩን። 8እቲ ምስኡ ዘሎ፥ ሓይሊ ሰብ እዩ፤ እቲ ምሳና ዘሎ ግና፥ እቲ ዝረድአናን ዝዋግአልናን እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ።” እቲ ህዝቢ ድማ በቲ ዘረባ ሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ተፀናንዐ።
9ድሕሪዙይ ሰናክሬም ንጉስ ኣሶር ምስ ኵሉ ሰራዊቱ ኣብ ላኪሶ ሰፊሩ እንተሎ፥ ሹመኛታቱ ናብ ኢየሩሳሌም ናብ ሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳን ናብቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩ ዅሎም ሰብ ይሁዳን ልኢኹ ኸምዙይ በሎም፦
10“ሰናክሬም ንጉስ ኣሶር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣብዛ ተኸቢባ ዘላ ኢየሩሳሌም ተቐሚጥኩም ዘለኹምስ፥ ንመን ኣሚንኩም ኢኹም? 11ብጥሜትን ብፅምእን ክትሞቱስ፥ ሕዝቅያስዶ ኣይኮነን ‘እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኻብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ከናግፈና እዩ’ እናበለ ዘስሕተኩም ዘሎ? 12እቲ ንእግዚኣብሄር ዝስውኡሉ በረኽትን መሰውኢታትን ኣወጊዱ፥ ንይሁዳን ንኢየሩሳሌምን ‘ኣብ ቅድሚ ሓደ መሰውኢ ስገዱ፤ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ዕጠኑ’ ዝበለስ እዝ ሕዝቅያስ እዙይዶ ኣይኮነን?
13“ኣነን ኣቦታተይን ንዅሎም ህዝብታት ሃገራት ዝገበርናዮምዶ ኣይፈለጥኩምን ኢኩም? ኣማልኽቲ ኣህዛብ እተን ሃገራት እቲኣተንከ ንሃገሮም ካብ ኢደይዶ ኸናግፍወን ክኢሎም እዮም? 14ካብቶም ኣማልኽቲ ናይዞም ኣቦታተይ ዘጥፍእዎም ኣህዛብ እዚኣቶምከ ንህዝቡ ኸናግፍ ዝኸኣለ ኣምላኽ መን እዩ? ኣምላኽኩምከ ኻብ ኢደይ ከናግፈኩምዶ ይከኣሎ እዩ? 15እምበኣር ሕዝቅያስ ኣይጠብርኩም በዝ ነገር እዙይውን ኣይሓባብልኩም፤ ንስኻትኩም ከዓ ኣይትእመንዎ። ናይ ዝኾነ ይኹን ህዝብን መንግስትን ኣምላኽ ንህዝቡ ኻብ ኢደይ ወይ ካብ ኢድ ኣቦታተይ ከናግፎ ዝኸኣለ የለን፤ ኣምላኽኩም ደኣ ኸመይ ገይሩ እዩ ኻብ ኢደይ ዘናግፈኩም?”
16እቶም ሹመኛታቱ ድማ ወሲኾም ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ኣምላኽን ኣብ ልዕሊ ባርያኡ ሕዝቅያስን ክፉእ ነገር ተዛረቡ። 17ከምኡውን ሰናክሬም ንእግዚኣብሄር ክፀርፎን፥ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ኽዛረብን፦ “ከምቲ ኣማልኽቲ ኣህዛብ ሃገራት ንህዝቦም ካብ ኢደይ ዘየድሓንዎም፤ ከምኡ ድማ ኣምላኽ ሕዝቅያስ ንህዝቡ ኻብ ኢደይ ከድሕኖም ኣይኽእልን እዩ” ዝብል ደብዳቤ ፀሓፈ። 18ነታ ኸተማ ምእንቲ ኽሕዝዋ ድማ፥ ነቶም ኣብ ልዕሊ እቲ መንደቕ ዝነብሩ ህዝቢ ኢየሩሳሌም ከፍርሕዎምን ከሸብርዎምን ዓው ኢሎም ብቛንቋ ዕብራይስጢ ተዛረብዎም። 19ብዛዕባ ኣምላኽ ኢየሩሳሌም ድማ፥ ከምቲ ብዛዕባ እቶም ስራሕ ኢድ ሰብ ዝኾኑ ናይዝ ዓለምዙይ ኣማልኽቲ ኣህዛብ ገይሮም ይዛረቡ ነበሩ።
20ንጉስ ሕዝቅያስን ነቢይ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞፅን ግና ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ ናብ እግዚኣብሄር ፀለዩ፤ ናብ ሰማይውን ኣእወዩ። 21እግዚኣብሄር ድማ ሓደ መልኣኽ ሰደደ፤ ንሱ ኸዓ ነቶም ኣብ ሰፈር ንጉስ ኣሶር ዝነበሩ ዅሎም ሓያላት ጀጋኑን መሳፍንትን ኣሕሉቕን ኣጥፍኦም። ሰናክሬም ከዓ ተዋሪዱ ናብ ሃገሩ ተመለሰ። ሓደ መዓልቲ ናብ ቤት ኣምላኹ ምስ ኣተወ ድማ፥ ካብ ሕቘኡ ዝወፁ ደቁ ኣብኡ ቐተልዎ።
22እግዚኣብሄር ድማ ንሕዝቅያስን ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩን ካብ ኢድ ሰናክሬም ንጉስ ኣሶርን ካብ ኢድ ኵሎም ካልኦት ፀላእቶምን ኣድሓኖም፤ ብዅሉ ወገንውን ሓለዎም። 23ብዙሓት ከዓ ናብ ኢየሩሳሌም መፂኦም ንእግዚኣብሄር መባእ፥ ንሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኸዓ ኽቡር ውህብቶ ኣምፅኡ። ድሕሪኡ ኣብ ቅድሚ ዅለን ሃገራት ንጉስ ሕዝቅያስ ልዕል ልዕል በለ።
ሕማም ሕዝቅያስን ትዕቢቱን
(2 ነገ. 20፡1-312-19ኢሳ. 38፡1-339፡1-8)
24በቲ ወርሓት እቱይ ሕዝቅያስ ሓሚሙ ንሞት ቀረበ። ናብ እግዚኣብሄር ድማ ፀለየ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ተናገሮ፤ ምልክትውን ሃቦ። 25ግና ሕዝቅያስ፥ ልቡ ደኣ ተዓበየ እምበር፥ ነቲ እግዚኣብሄር ዝገበረሉ ውሬታ ኣይመለሰን፤ ስለዙይ ኣብ ልዕሊኡን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ቍጥዓ እግዚኣብሄር ነደደ። 26ሕዝቅያስ ግና ልቡ ብምዕባዩ ምስቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩ ሰባት ርእሱ ኣዋረደ፤ ስለዙይ እቲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ብዘመን ሕዝቅያስ ኣብ ልዕሊኣቶም ኣይመፆምን።
ሃብቲ ሕዝቅያስን ዕቤቱን
27ንጉስ ሕዝቅያስ ድማ የመና ብዙሕ ሃብትን ክብርን ነበሮ። ንብሩርን ንወርቅን ንኽቡር ኣእማንን፥ ንቐመማትን፥ ንዋላቱን፥ ክቡር ንዝኾነ ዅሉ ዓይነት ኣቑሑን ዝኸውን ቤት መዛግብቲ ሰርሐ። 28ንእቶት እኽልን ወይንን ዘይትን ዝኸውን ሪቕ፥ ንዅሉ ዓይነት እንስሳ ዝኸውን ከዓ ጋፃት፥ ንጤለ በጊዕ ዝኸውን ደምበታት ሰርሐ። 29እግዚኣብሄር የመና ብዙሕ ሃብቲ ሂብዎ ነበረ እሞ፥ ከተማታት ሰርሐ፤ ብዙሓት ከፍትን ኣባጊዕን ድማ ኣጥረየ።
30ነቲ ላዕለዋይ ዓይኒ ማይ ግዮን ዓቢሱስ፥ ብመስኖ ገይሩ ናብ ከተማ ኢየሩሳሌም ኣቢሉ ኸም ዝውሕዝ ዝገበሮ ንጉስ ሕዝቅያስ እዩ። ሕዝቅያስ ዝገበሮ ዅሉ ይሰልጦ ነበረ። 31እቶም ብዛዕባ እቲ ኣብታ ሃገር ዝተገብረ ተኣምራት ክጥይቑ ናብኡ ዝተልኣኹ መሳፍንቲ ባቢሎን ምስ መፁ ግና፥ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽፍትኖ፥ ነቲ ኣብ ልቡ ዝነበረ ዅሉ ምእንቲ ኽፈልጥውን ሓደጎ።
መወዳእታ መንግስቲ ሕዝቅያስ
(2 ነገ. 20፡20-21)
32እቲ ዝተረፈ ናይ ሕዝቅያስ ነገርን ንእግዚኣብሄር ዘምልኽ ሰብ ከም ዝነበረን፥ ኣብቲ ራእይ ነቢይ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞፅን ኣብቲ ታሪኽ ነገስታት ይሁዳን እስራኤልን ተፅሒፉ ኣሎ። 33ሕዝቅያስ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ኣብ መቓብር ደቂ ዳዊት፥ ኣብቲ ዝለዓለ ቦታ ነገስታት ድማ ቐበርዎ። ህዝቢ ይሁዳን እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩን ድማ ብዓብዪ ኽብሪ ቐበርዎ። ክንድኡ ድማ ወዱ ምናሴ ነገሰ።

Currently Selected:

2ይ ዜና 32: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

Video for 2ይ ዜና 32