2ይ ዜና 28
28
ኣካዝ ንጉስ ይሁዳ
(2 ነገ. 16፡1-4)
1ኣካዝ ክነግስ እንተሎ፥ ወዲ ዕስራ ዓመት ጐበዝ ነበረ። ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓመት ገዝአ። ከም ኣቦኡ ዳዊት ኣይነበረን፤ ስለዙይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ነገር ኣይገበረን። 2እኳ ደኣ ኣሰር ነገስታት እስራኤል ሰዓበ፤ ብዝፈሰሰ ሓፂን ገይሩ ምስሊ በዓሊም ገበረ። 3ኣብ ለሰ ወዲ ሂኖም ከዓ ዕጣን ዓጠነ፤ ከምቲ ዘፀይፍ ልምዲ ናይቶም ካብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዝሰጐጎም ኣህዛብ ገይሩ ኸዓ፥ ንደቁ ዝቃፀል መስዋእቲ ገይሩ ንጣዖት ኣቕረበ። 4ኣብቲ ንጣዖት ዘምልኹሉ በረኽትን፥ ኣብ ኰረብታታትን፥ ኣብ ትሕቲ ፅላል ልምሉም ኣእዋምን ድማ ይስውእን ይዓጥንን ነበረ።
ኣካዝ ምስ ሶርያን እስራኤልን ከም ዝተዋግአ
(2 ነገ. 16፡5)
5ንጉስ ኣካዝ ሓጢኣት ስለ ዝገበረ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ብንጉስ ሶርያ ኸም ዝስዓር ገበሮ፤ ንሳቶም ድማ ብዙሕ ጭፍራ ማሪኾም ናብ ደማስቆ ወሰድዎም። ከምኡውን እግዚኣብሄር ብንጉስ እስራኤል ከም ዝሰዓር ገበሮ። ንጉስ እስራኤል ከዓ ብርቱዕ ጕድኣት ኣውረደሉ። 6ንጉስ ፋቁሔ ወዲ ሮሜልዩ ድማ፥ ካብ ይሁዳ ብሓንቲ መዓልቲ ሚእትን ዕስራን ሽሕ ጀጋኑ ቐተለሎም። እዙይ ከዓ ህዝቢ ይሁዳ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾም ስለ ዝሓደግዎ እዩ። 7ዝክሪ ዝበሃል ሓደ ጅግና እስራኤላዊ ድማ ንመዕሴያ ወዲ ንጉስ ኣካዝን፥ ንዓዝሪቃም ሹም ቤትን፥ ትሕቲ ንጉስ ዝለዓለ ስልጣን ንዝሓዘ ንሕልቃናን ቀተሎም። 8እቶም ደቂ እስራኤል ከዓ ኻብ ኣሕዋቶም ክልተ ሚእቲ ሽሕ ኣንስትን ኣወዳትን ኣጓላትን ማረኹ፤ ካብኣቶም ብዙሕ ምርኮ ወሲዶም ነቲ ምርኮ ናብ ሰማርያ ወሰዱ።
ነቢይ ዖዴድ
9ኣብ ሰማርያ ዖዴድ ዝስሙ ነቢይ እግዚኣብሄር ነበረ። ንሱ ነቲ ናብ ሰማርያ ዝምለስ ዝነበረ ሰራዊት እስራኤል ክራኸቦ ወፀ፤ ከምዙይ ድማ በሎም፦ “እንሆ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ንህዝቢ ይሁዳ ስለ ዝተቘጥዖም ከም እትስዕርዎም ገበረኩም። ንስኻትኩም ግና ብቝጥዓ ጨኪንኩም ቀተልኩምዎም። ጨኸናኹም ከዓ ኣብ ሰማይ በፅሐ። 10ሕዚ ድማ ንህዝቢ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ንኣኻትኩም ባሮትን ኣግራድን ክትገብርዎም ተሓስቡ ኣለኹም። እንሆ ንስኻትኩም፥ ባዕልኻትኩም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ትብድሉ ኣለኹም። 11ሕዚ ኸዓ ስምዑኒ፤ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኹም ከይነድድ፥ ነዞም ካብ ኣሕዋትኩም ዝማረኽኩምዎም ምሩኻት ምለስዎም።”
12ሽዑ ሓድሓደ ኻብቶም መራሕቲ ደቂ እስራኤል፥ ኣዛርያስ ወዲ ዮሓናን በራክያ ወዲ መሺሌሞትን ይሒዝቅያ ወዲ ሰሎምን ዓሜሳይ ወዲ ሓድላይም ተሲኦም ንተግባር እቲ ሰራዊት ተቓወምዎ። 13“በደልናስ ብዙሕ እዩ እሞ፥ ድሮ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነዲዱ ኣሎ። ንስኻትኩም በዝ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌና በደል ዝኾነና ጌርኩም፥ ሓጢኣትናን በደልናን ክትውስኹ ኢኹም እትሓስቡ ዘለኹም እሞ፥ ነዞም ምሩኻት እዚኣቶም ናብዙይ ኣይተእትውዎም” በልዎም።
14ሽዑ እቶም ሰራዊት ነቶም ምሩኻትን ነቲ ምርኮን ኣብ ቅድሚ እቶም መራሕትን ኵሉ ህዝብን ሰደድዎም። 15እቶም ኣብ ላዕሊ ዝተሰምዩ ሰባት ከዓ ተሲኦም ነቶም ምሩኻት ወሰድዎም፤ ንዅሎም ዕሩቓት ዝነበሩ ድማ ኻብቲ ምርኮ ኣልዒሎም ከደንዎም። ምስ ከደንዎም ከዓ፥ ኣሳእን ሃብዎም፤ መብልዕን መስተን ሃብዎም፤ ዘይትውን ለኸይዎም፤ ንዅሎም ድኹማት ድማ ኣብ ኣእዱግ ኣቐሚጦም፥ ናብ ኢያሪኮ፥ ናብታ ኸተማ ተምሪ፥ ናብ ኣሕዋቶም ኣብፅሕዎም። ንሳቶም ግና ናብ ሰማርያ ተመለሱ።
ኣካዝ ካብ ሶርያ ሓገዝ ከም ዝጠየቐ
(2 ነገ. 16፡7-9)
16በታ ጊዜ እቲኣ ንጉስ ኣካዝ፥ ንንጉስ ኣሶር ክሕግዞ ለኣኸሉ፤ 17ኤዶማውያን መሊሶም መፂኦም ንይሁዳ ሓደጋ ኣውዲቖም፥ ምሩኻት ወሲዶም ነይሮም እዮም እሞ። 18ፍልስጥኤማውያን ከዓ ኣብ ከተማታት ቈላ ይሁዳን ኣብ ደቡባን ኣትዮም ንኸተማታት ቤትሳሚስን ኤሎንን ግዴሮትን፥ ከምኡውን ንኸተማታት ሶኮን ተምናን ጊምዞንን መምስ ቁሸታተን ሓዝወን፤ ኣብኣተን ድማ ተቐመጡ። 19ኣካዝ ንጉስ እስራኤል፥ ካብ እግዚኣብሄር ስለ ዝረሓቐን ንህዝቢ ይሁዳ ኸዓ ስዲ ስለ ዝሓደጎምን፥ እግዚኣብሄር ብሰንኩ ንህዝቢ ይሁዳ ኣዋረዶም። 20ቴልጌልቴልፌልሶር ንጉስ ኣሶር ከዓ ናብኡ መፀ፤ ግና ኽንዲ ዝድግፎ ተቓወሞን ኣጨነቖን። 21ኣካዝ ከዓ ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄርን ኣብ ቤተ መንግስትን ኣብ ቤት ኣሕሉቕን ዝነበረ ወርቂ ወሲዱ ንንጉስ ኣሶር ሃቦ፤ ግና ኣይተሓገዘሉን።
ሓጢኣት ኣካዝ
22ንጉስ ኣካዝ ብጊዜ ጭንቁውን ዝገደደ ንእግዚኣብሄር በደለ። 23“ኣማልኽቲ ነገስታት ሶርያ፥ ንነገስታት ሶርያ ስለ ዝሓገዝዎም፥ ኣነ ኸዓ ምእንቲ ኽሕግዙኒ ኽስውአሎም እየ” ኢሉ ነቶም ዝሰዓርዎ ኣማልኽቲ ደማስቆ ይስውአሎም ነበረ። ንሳቶም ግና ንእኡን ንዅሉ ህዝቢ እስራኤልን ደኣ መዐንቀፊ ኾንዎም።
24ኣካዝ ድማ ነቲ ኣቑሑ ቤት እግዚኣብሄር ኣኪቡ ሰባበሮ፤ ነቲ በርታት ቤት እግዚኣብሄርውን ዓፀዎ። ኣብ ኵሉ መኣዝን ኢየሩሳሌም ከዓ ንባዕሉ መሰውኢታት ሰርሐ። 25ኣብ ኵለን ከተማታት ይሁዳውን ንኻልኦት ኣማልኽቲ፥ ዝዓጥነሉ በረኽቲ ገበረ እሞ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቱ ኣቘጥዖ።
26እቲ ዝተረፈ ግብሩን ኣከያይዳኡን፥ እቲ ቐዳማይን እቲ ዳሕረዋይን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት ይሁዳን እስራኤልን ተፅሒፉ ኣሎ። 27#ኢሳ. 14፡28። ኣካዝ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ከዓ ቐበርዎ። ግና ናብቲ መቓብር ነገስታት እስራኤል ኣየእተውዎን። ክንድኡ ኸዓ ወዱ ሕዝቅያስ ነገሰ።
Currently Selected:
2ይ ዜና 28: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: