YouVersion Logo
Search Icon

2ይ ዜና 27

27
ኢዮኣታም ንጉስ ይሁዳ
(2 ነገ. 15፡32-38)
1ኢዮኣታም ክነግስ እንተሎ፥ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓመት ገዝአ። እኖኡ ኸዓ ኢየሩሳ እትበሃል ጓል ሳዶቅ ነበረት። 2ንሱ ኸም ኣቦኡ ዖዝያን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኵሉ ቅኑዕ ዝኾነ ገበረ። ግና ኸም ኣቦኡ ናብ ቤተ መቕደስ ኣይኣተወን። እቶም ህዝቢ ግና ይብድሉ ነበሩ። 3ንሱ ነቲ ብወገን ሰሜን ዘሎ ኣፍ ደገ ቤት እግዚኣብሄር ሰርሖ፤ ነቲ ብወገን ዖፌል ዘሎ መካበብያ ኢየሩሳሌምውን ሰርሖ። 4ኣብ ዝባውንቲ ይሁዳ ድማ ኸተማታት ሰርሐ፤ ኣብ ዱርውን ዕርድታትን ግንብታትን ሰርሐ።
5ምስ ንጉስ ደቂ ኣሞን ተዋጊኡ ሰዓሮም እሞ፥ ኣብታ ዓመት ሰለስተ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኪሎ ግራም ብሩርን ሽሕ ቶን ስርናይን ሽሕ ቶን #27፡5 ቶን፦ “ሓደ ሽሕ ኪሎ ግራም” እዩ። ስገምን ሃብዎ። እቶም ደቂ ኣሞን፥ በታ ኻልአይትን ሳልሰይትን ዓመት ከዓ ኽንድኡ ሃብዎ። 6ንጉስ ኢዮኣታም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ቕኑዕ ስለ ዝገበረ በርትዐ።
7እቲ ዝተረፈ ናይ ኢዮኣታም ነገርን፥ ኵሉ ዝተዋግኦ ውግእን ኣገዛዝኣኡን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት እስራኤልን ይሁዳን ተፅሒፉ ኣሎ። 8ክነግስ እንተሎ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ። ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓመት ገዝአ። 9ንጉስ ኢዮኣታም ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ። ኣብ ከተማ ዳዊት ከዓ ቐበርዎ። ክንድኡ ድማ ወዱ ኣካዝ ነገሰ።

Currently Selected:

2ይ ዜና 27: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in