YouVersion Logo
Search Icon

2ይ ዜና 29

29
ሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ
(2 ነገ. 18፡1-3)
1ሕዝቅያስ ክነግስ እንተሎ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ። ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ዕስራን ትሽዓተን ዓመት ገዝአ። እኖኡ ኣቡ እትበሃል ጓል ዘካርያስ ነበረት። 2ኣሰር ኣቦኡ ዳዊት ስዒቡ ኸዓ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ኵሉ ቅኑዕ ዝኾነ ገበረ።
ምንፃህ ቤተ መቕደስ
3ሕዝቅያስ በታ ቐዳመይቲ ወርሒ ናይታ መጀመርታ ዓመት መንግስቱ፥ ነተን በርታት ቤት እግዚኣብሄር ከፈተን፤ ኣሐደሰንውን። 4ነቶም ካህናትን ሌዋውያንን ኣምፂኡ ኸዓ፥ ኣብቲ ብወገን ምብራቕ ዘሎ ገፊሕ ኣደባባይ ኣከቦም። 5ከምዙይ ድማ በሎም፦ “ኣቱም ሌዋውያን፥ ስምዑኒ፤ ተቐደሱ፤ ነዛ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ከዓ ቐድስዋ፤ ነቲ ርኽሰት ድማ ኻብ መቕደስ ኣውፅእዎ። 6ኣቦታትና በደሉ፤ ኵሉ ኽፉእ ዝኾነውን ገበሩ፤ ንእግዚኣብሄር ድማ ሓደግዎ። ካብቲ እግዚኣብሄር ዝሓድሮ ቤተ መቕደስ ከዓ ረሓቑ። 7ናይቲ ቤተ መቕደስ ገበላ ዓፀዉ፤ መብራህትታትውን ኣጥፍኡ፤ ኣብ መቕደስ ንኣምላኽ እስራኤል ዕጣን ኣይዓጠኑን፤ ዝቃፀል መስዋእቲ እውን ኣየቕረቡሉን። 8ስለዙይ ድማ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ነደደ። ከምዝ ንስኻትኩም በዒንትኹም እትሪእዎ ዘለኹም፥ ንመሰክሕን ንመደንገፅን ንመላገፅን ገበሮም። 9ስለዙይ ከዓ እንሆ ኣቦታትና ኣብ ውግእ ሞቱ፤ ኣወዳትናን ኣጓላትናን ኣንስትናንውን ተማረኹ። 10ሕዚ ግና እቲ ጕሁር ቍጥዓ ኻባና ምእንቲ ኽርሕቕ፥ ምስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኪዳን ክኣቱ ብልበይ ሓሲበ ኣለኹ። 11ኣቱም ደቀይ፥ ኣገልገልቱ ዄንኩም ዕጣን ክትዓጥኑሉ፥ ኣብ ቅድሚኡ ንህዝቢ ብፀሎት ክትመርሑ እግዚኣብሄር ንኣኻትኩም ሓርዩ እዩ እሞ፥ ሕዝስ ሸለል ኣይትበሉ።”
12ሽዑ እቶም ሌዋውያን ተስኡ፦
ካብ ደቂ ቀዓት፦
መሓት ወዲ ኣማሲን ኢዮኤል ወዲ ኣዛርያስን፥
ካብ ደቂ ሜራሪ፦
ቂስ ወዲ ዓብዲን ኣዛርያስ ወዲ ይሃሌልኤልን፥
ካብ ደቂ ጌድሶን፦
ዮኣክ ወዲ ዛማትን ዔድን ወዲ ዮኣክን፥
13ካብ ደቂ ኤሊፃፋን፦
ሺምሪን ይዒኤልን፥
ካብ ደቂ ኣሳፍ፦
ዘካርያስን መታንያን፥
14ካብ ደቂ ኤማን፥
ይሒኤልን ሰሜኢን፥
ካብ ደቂ ኤዶታም፦
ሸማያን ዑዝኤልን።
15ነሕዋቶም ኣኪቦም ድማ ተቐደሱ። ከምቲ ንጉስ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ዝበሎም ከዓ ነታ ቤት እግዚኣብሄር ከንፅህዋ ኣተዉ። 16እቶም ካህናት ድማ ነታ ውሻጠ ቤት እግዚኣብሄር ከንፅሁ ኣተዉ እሞ ነቲ ኣብኡ ዝረኸብዎ ዅሉ ርኽሰት ናብቲ ዓፀድ ቤት እግዚኣብሄር ኣውፅእዎ። እቶም ሌዋውያን ከዓ ተቐቢሎም ናብ ሩባ ቄድሮን ኣውፂኦም ደርበይዎ። 17በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይታ መጀመርታ ወርሒ ነታ ቤተ መቕደስ ከንፅህዋ ጀመሩ፤ ብሻምነይቲ መዓልቲ ድማ ኽሳዕ እቲ ገበላ በፅሑ። ቀፂሎም ከዓ ንሸሞንተ መዓልቲ ነታ ቤተ መቕደስ ኣንፅህዋ። ኣብ መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ መዓልቲ ናይታ ወርሒ ድማ ነቲ ስራሕ ፈፀምዎ።
ቤተ መቕደስ ከም ብሓድሽ ከም ዝተባረኸ
18ሽዑ ንሳቶም ናብ ንጉስ ሕዝቅያስ ኣትዮም “ንዅሉ ቤት እግዚኣብሄር ዝቃፀል መሰውኢን፥ ንዅሉ ኣቑሑኡን ነቲ ሰደቓ ሕብስቲ ቝርባንን ንዅሉ ኣቑሑኡን ኣፅሪናዮ ኣለና። 19ነቲ ንጉስ ኣካዝ ክገዝእ እንተሎ፥ ካብ እግዚኣብሄር ምስ ከድዐ፥ ዝደርበዮ ዅሉ ኣቑሑ ኸዓ ኣዳሊናዮን ቀዲስናዮን ኣለና። እንሆ ድማ፥ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣሎ” በልዎ።
20ሽዑ ንጉስ ሕዝቅያስ ኣንጊሁ ተስአ፤ ንኣሕሉቕ እታ ኸተማ ኸዓ ኣከቦም፤ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ሒዝዎም ድማ ኸደ። 21ምእንቲ መንግስትን ምእንቲ ቤተ መቕደስን ምእንቲ ህዝቢ ይሁዳን ናይ ሓጢኣት መስዋእቲ ሸውዓተ ኣብዑርን፥ ሸውዓተ ማጓሉን፥ ሸውዓተ ጡበታትን፥ ሸውዓተ ዲበላታትን ኣቕረቡ። ኣብቲ መሰውኢ እግዚኣብሄር ክስውእዎም ድማ፥ ነቶም ካህናት ደቂ ኣሮን ኣዘዞም። 22ሽዑ ነቶም ኣብዑር ሓረድዎም፤ ካህናት ድማ ነቲ ደም ተቐቢሎም ናብቲ መሰውኢ ነፀግዎ፤ ነቶም ማጓሉውን ሓረድዎም፤ ነቲ ደምውን ናብ መሰውኢ ነፀግዎ። 23ነቶም ክንዲ ሓጢኣት ዝስውኡ ዲበላታት ድማ ናብ ቅድሚ ንጉስን ህዝብን ኣቕረብዎም፤ ኣእዳዎም ከዓ ኣብ ልዕሊኣቶም ኣንበሩ። 24እቲ ንጉስ ምእንቲ ዅሉ እስራኤል፥ ዝቃፀል መስዋእትን ክንዲ ስርየት ሓጢኣት ዝስዋእ መስዋእትን ክግበር ኣዚዙ ስለ ዝነበረ፥ ንዅሉ እስራኤል ስርየት ሓጢኣት ምእንቲ ክኸውን ክንዲ ሓጢኣት ዝስዋእ መስዋእቲ ደም ኣብቲ መሰውኢ ኣቕረቡ።
25ከምቲ እግዚኣብሄር ብነቢያቱ ገይሩ ዝኣዘዞ፥ ከምኡውን ከምቲ ንጉስ ዳዊት ብጋድ እቲ ናይ ንጉስ ነቢይን፥ ብነቢይ ናታንን ተመሪሑ ዝሰርዖ፥ ነቶም ሌዋውያን ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ፀናፅልን መሰንቆታትን በገናታትን ኣትሒዙ ኣቖሞም። 26ስለዙይ ሌዋውያን ናይ ዳዊት መሳርሒ ሙዚቃ ሒዞም ነበሩ፤ ካህናትውን መለኸት ሒዞም ቆይሞም ነበሩ።
27ሕዝቅያስ ድማ እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ኣብ መሰውኢ ኽስዋእ ኣዘዘ። እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ኽጅመር እንተሎ ኸዓ ብመለኸትን በቲ ናይ ዳዊት ንጉስ እስራኤል መሳርሒ ሙዚቃን፥ ንእግዚኣብሄር መዝሙር ምስጋና ዘመሩ። 28ኵሉ እቲ ህዝቢ ኸዓ ይሰግድ ነበረ፤ እቶም ዘመርቲ ድማ ይዝምሩ ነበሩ፤ መለኸተኛታትውን ነፍሑ፤ እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ኽሳዕ ዝፍፀም ድማ እዝ ዅሉ ኾነ።
29ምቕራብ ምስ ፈፀሙ ኸዓ እቲ ንጉስን ኵሎም እቶም ምስኡ ዝነበሩን ፍግም ኢሎም ሰገዱ። 30ንጉስ ሕዝቅያስን እቶም ኣሕሉቕን ድማ ነቶም ሌዋውያን ብቓል ዳዊትን ነቢይ ኣሳፍ እቲ ረኣዪን፥ ንእግዚኣብሄር መዝሙር ምስጋና ኽዝምሩ ኣዘዝዎም። ተሓጒሶም ከዓ መዝሙር ምስጋና ዘመሩ፤ ፍግም ኢሎምውን ሰገዱ።
31ንጉስ ሕዝቅያስ ድማ “ሕዚ ንእግዚኣብሄር ተቐዲስኩም ኢኹም እሞ ቕረቡ። መስዋእቲ ሕሩድን መስዋእቲ ምስጋናን ከዓ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምፅኡ” በለ። እቲ ህዝቢ ኸዓ መስዋእቲ ሕሩድን መስዋእቲ ምስጋናን ኣምፅአ፤ ኵሉ ናይ ልቢ ድሌት ዝነበሮውን ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕረበ።
32እቲ ህዝቢ ድማ ንእግዚኣብሄር ዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ ሰብዓ ዝራብዓት፥ ሚእቲ ማጓሉ፥ ክልተ ሚእቲ ጡበታት ኣባጊዕ ኣምፅአ። 33ቍፅሪ እቶም ዝተቐደሱ ድማ ሽዱሽተ ሚእቲ ኣብዑርን ሰለስተ ሽሕ ኣባጊዕን ነበሩ። 34እቶም ካህናት ግና ውሑዳት ነበሩ እሞ ንዅሎም እቶም ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ እንስሳ ምሕራድ ኣይከኣሉን፤ ስለዙይ እቶም ሌዋውያን ካብቶም ካህናት ዝበልፅ ንኽቕደሱ ቅኑዕ ልቢ ነበሮምሞ፥ እዝ ስራሕ እዙይ ክሳዕ ዝውዳእ፥ ካልኦት ካህናትውን ክሳዕ ዝቕደሱ፥ ኣሕዋቶም ሌዋውያን ሓገዝዎም። 35ምስቲ ስብሒ መስዋእቲ ምስጋናን ምስቲ ንዝቃፀል መስዋእቲ ተብሂሉ ዝተቐረበ መስዋእቲ መስተን ድማ እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ብዙሕ ነበረ። ስለዙይ እቲ ኣገልግሎት ቤት እግዚኣብሄር ከምዙይ ኢሉ ተዳለወ። 36እቲ ነገር ድንገት ስለ ዝተገብረ፥ ሕዝቅያስን ኵሉ እቲ ህዝብን ድማ ብዛዕባ እቲ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ዝገበረሉ ተሓጐሱ።

Currently Selected:

2ይ ዜና 29: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in