2ይ ዜና 26
26
ዖዝያ ንጉስ ይሁዳ
(2 ነገ. 14፡21-22፥ 15፡1-7)
1ዖዝያን ወዲ ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓመት እንተሎ፥ ኵሎም ህዝቢ ይሁዳ ኽንዲ ኣቦኡ ኣሜስያስ ኣንገስዎ። 2ኣቦኡ ኣሜስያስ ምስ ሞተ ኸዓ ንኤላት ናብ ይሁዳ መለሳ፤ መሊሱ ድማ ሰርሓ።
3ዖዝያን ኽነግስ እንተሎ ወዲ ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓመት ነበረ፤ ሓምሳን ክልተን ዓመት ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ገዝአ። እኖኡ ይኮልያ እትበሃል በዓልቲ ኢየሩሳሌም ነበረት። 4ከምቲ ዅሉ ኣቦኡ ኣሜስያስ ዝገበሮ ድማ፥ ንሱውን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ። 5እቲ ፍርሓት እግዚኣብሄር ዝምህሮ ዝነበረ ዘካርያስ ብህይወት እንተሎ ንእግዚኣብሄር የገልግል ነበረ፤ ንእግዚኣብሄር ከገልግል እንተሎ ኸዓ እግዚኣብሄር ሞገስ ይህቦ ነበረ።
6ንጉስ ዖዝያ ምስ ፍልስጥኤማውያን ተዋግአ፤ ንቕፅሪ ኸተማታት ጌትን ያብናን ኣዛጦንን ድማ ኣፍረሰ። ኣብ ምድሪ ኣዛጦንን ኣብቲ ዝተረፈ ሃገር ፍልስጥኤማውያንን ከዓ ዝተዓረዳ ኸተማታት ሰርሐ። 7ኣምላኽ ድማ ንፍልስጥኤማውያንን ነቶም ኣብ ጉርበኣል ዝነብሩ ዝነበሩ ዓረባውያንን ነቶም መዑናውያንን ክስዕሮም ሓገዞ። 8ኣሞናውያን ድማ ንዖዝያ ገበሩሉ፤ ንሱ የመና በርትዐ፤ ዝናኡ ኸዓ ኽሳዕ ግብፂ በፅሐ።
9ንጉስ ዖዝያ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ልዕሊ ደገ መኣዘንን ኣብ ልዕሊ ደገ ለሰን ኣብ ልዕሊ እቲ መንደቕ መኣዘንን ግንብታት ሰርሐ፤ ንኣኣተን ድማ ዓረደን። 10ኣብ ቈላን ኣብ ጐልጐልን ብዙሓት ከፍቲ ስለ ዝነበራኦ ድማ፥ ኣብ ምድረ በዳውን ግንብታት ሰርሐ። ብዙሕ ጐዳጕዲ ማይ ከዓ ዀዓተ። ፈታዊ ማሕረስ ስለ ዝነበረ ድማ፥ ኣብ ደጕዓን ኣብቲ ፍርያም ገራሁን፥ ሓረስቶትን ሰራሕተኛታት ኣታኽልቲ ወይንን ነበርዎ።
11ዖዝያን ከዓ ንውግእ ዝተዓለሙ ሰራዊት ነበርዎ። እቶም ሰራዊት ከምቲ የዒኤል እቲ ፀሓፍን ማዓስያ እቲ ሓለቓ ሰራዊትን፥ ዝፀሓፍዎምን ዝቘፀርዎምን በብጭፍራታት ተሰሪዖም ናብ ውግእ ይወፁ ነበሩ። ይዒኤልን መዕሴያን ኣብ ትሕቲ ሓናንያ ዝበሃል ሓደ ኻብቶም ኣሕሉቕ ንጉስ ኮይኖም ይመርሕዎም ነበሩ። 12ኵሉ ቝፅሪ እቶም ሓያላት ጀጋኑ ኣሕሉቕ ማይ ቤት ኣቦታት፥ ክልተ ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ነበረ። 13ንጉስ ድማ ብኣኣቶም ዝምራሕ፥ ንፀላኢ ንምውጋእ ዝሕግዞ፥ ብሰለስተ ሚእትን ሸውዓተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ሓሻኽር ዝቖመ ሓያልን ጅግናን ሰራዊት ነበሮ። 14ንጉስ ዖዝያን ከዓ ንዅሉ እዝ ሰራዊት እዙይ ዋላቱን ኲናታትን ቍራዕ ርእስታትን ድርዕታትን ቀስትታትን ዝውንጨፍ ኣእማንን ኣዳለወሉ። 15ኣብ ኢየሩሳሌም ድማ ፍላፃታትን ዓበይቲ ኣእማንን ዝውርውረሉ፥ ብብልሓት ዝተገብረ ኣፅዋር ኣብ ግንብታትን ኣብ መኣዝናትን ዝኾኑ ገበረ። እግዚኣብሄር ብዘደንቕ ስለ ዝረድኦ በርቲዑ ነበረ እሞ ዝናኡ ኣብ ኵሉ ተሰምዐ።
ዖዝያ ስለ ዝተዓበየ ከም ዝተቐሰፈ
16ምስ ተጠናኸረ ግና ልቡ ተዓበየ፤ እዙይ ከዓ ጥፍኣት ኣምፅአሉ። ኣብቲ መሰውኢ ዕጣን ክዓጥን ኢሉ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ብምእታዉ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኹ በደለ። 17ካህን ኣዛርያስ፥ ሰማንያ ተባዓት ካህናት እግዚኣብሄር ሒዙ ደድሕሪ ንጉስ ዖዝያን ኣተወ። 18#ዘፀ. 30፡7-8፥ ዘሑ. 3፡10። ንሳቶም ንንጉስ ዖዝያን ተቓወምዎ፤ “ኦ ዖዝያን፥ ንእግዚኣብሄር ዕጣን ምዕጣን ናይቶም ክዓጥኑ ዝተቐደሱ ኻህናት ደቂ ኣሮን እዩ እምበር ናትካ ኣይኮነን። በዲልካ ኢኻሞ፥ እዙይ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣየኽብረካን እዩ እሞ፥ ካብ ቤተ መቕደስ ውፃእ” በልዎ።
19ሽዑ ዖዝያን ኰረየ፤ ነታ ዝዓጥነላ ፅንሃህ ኸዓ ሒዝዋ ነበረ። ነቶም ካህናት ክዅርየሎም እንተሎ፥ ኣብ ውሽጢ እታ ቤት እግዚኣብሄር፥ ኣብ ጥቓ መሰውኢ ዕጣን፥ ኣብ ቅድሚ እቶም ካህናት ኣብ ግምባሩ ለምፂ ወፆ። 20ሊቀ ካህናት ኣዛርያስን ኵሎም ካህናትን ድማ ጠመትዎ፤ እንሆ ኸዓ፥ ኣብ ግምባሩ ለምፂ ነበሮ እሞ፥ ካብቲ ቤተ መቕደስ ቀልጢፎም ኣውፅእዎ። ንሱውን እግዚኣብሄር ስለ ዝቀሰፎ ቐልጢፉ ወፀ።
21ንጉስ ዖዝያን ድማ ኽሳዕ መዓልቲ ሞቱ ለምፂ ነበሮ፤ ካብ ቤት እግዚኣብሄር ተወጊዱ ኸዓ ኣብ ፍልይቲ ቤት ይቕመጥ ነበረ። ወዱ ኢዮኣታም ድማ ኣዛዚ ቤተ መንግስቲ ነበረ፤ ንህዝቢ እታ ሃገር ከዓ የመሓድር ነበረ።
22እቲ ዝተረፈ ናይ ዖዝያን ነገር ከዓ፥ እቲ ቐዳማይ ኮነ እቲ ዳሕረዋይ፥ ነቢይ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞፅ ፅሒፍዎ ኣሎ። 23#ኢሳ. 6፡1። ዖዝያን ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ኣብ ጥቓ መቓብር ነገስታት ኣብ ዘላ ምድሪ ቐበርዎ። ለምፂ ኣለዎ ኢሎም ኣብቲ መቓብር ነገስታት ኣይቀበርዎን። ክንድኡ ኸዓ ወዱ ኢዮኣታም ነገሰ።
Currently Selected:
2ይ ዜና 26: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: