YouVersion Logo
Search Icon

2ይ ዜና 24

24
ኢዮኣስ ንጉስ ይሁዳ
(2 ነገ. 12፡1-16)
1ኢዮኣስ ክነግስ እንተሎ፥ ወዲ ሸውዓተ ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ኣርብዓ ዓመት ገዝአ። እኖኡ ሳብያ እትበሃል በዓልቲ ቤርሳቤህ ነበረት። 2ዮዳሄ ብህይወት ኣብ ዝነበረሉ ዘመን፥ ኢዮኣስ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ዝኾነ ዅሉ ገበረ። 3ዮዳሄ ንንጉስ ኢዮኣስ ክልተ ኣንስቲ ኣምፅአሉ፤ ኣወዳትን ኣጓላትን ድማ ወለዳሉ።
4ድሕሪ ቑሩብ እዋን ከዓ፥ ኢዮኣስ ነታ ቤት እግዚኣብሄር ክሕድሳ ሓሰበ። 5ነቶም ካህናትን ሌዋውያንን ኣኪቡ ድማ “ናብተን ከተማታት ይሁዳ ኼድኩም፥ ነቲ ዓመት ዓመት ዝግበር ምሕዳስ ቤት ኣምላኽኩም ዝኸውን ገንዘብ ካብ ኵሉ እስራኤል ኣክቡ፤ እዙይ ቀልጢፍኩም ግበርዎ” በሎም። እቶም ሌዋውያን ግና ሸለል በሉ።
6 # ዘፀ. 30፡11-16። ሽዑ ንጉስ ኢዮስያስ ንሊቀ ካህናት ዮዳሄ ፀዊዑ “ስለ ምንታይ ኢኻ እቲ ባርያ እግዚኣብሄር ሙሴ፥ ንህዝቢ እስራኤል ነታ መራኸቢ ድንኳን ኣገልግሎት ዝሓገገላ ግብሪ፥ ካብ ይሁዳን ካብ ኢየሩሳሌምን ከምፅኡ ነቶም ሌዋውያን ዘየለዓዓልካዮም?” በሎ።
7ደቂ እታ ኸሓዲት ዝኾነት ጎቶልያ ነታ ቤት እግዚኣብሄር ኣፍሪሶምዋ ነበሩሞ፤ ነቲ ናይ ቤተ መቕደስ ቅዱስ ኣቑሑውን ንኣምልኾ በዓል ሂቦምዎ ነበሩሞ። 8ስለዙይ እቲ ንጉስ፥ ሓደ ሳፁን ሰሪሖም ኣብ ወፃኢ፥ ኣብ ጥቓ ቤት እግዚኣብሄር ከቐምጥዎ ኣዘዘ። 9እቲ ባርያ እግዚኣብሄር ሙሴ ንእስራኤል ኣብ ምድረ በዳ ዝወሰነሎም ግብሪ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ከእትውዎ ድማ ኣብ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌምን ኣወጁ። 10ኵሎም ኣሕሉቕን ኵሎም ህዝብን ከዓ ተሓጕሶም ገንዘብ ኣምፅኡ፤ እቲ ሳፁን ክሳዕ ዝመልእ ከዓ ኣእተዉ። 11እቲ ሳፁን ብኢድ እቶም ሌዋውያን ናብ ሹመኛታት ንጉስ ምስ በፅሐን፥ ብዙሕ ገንዘብ ከም ዘለዎውን ምስ ረአዩ፥ እቲ ናይ ንጉስ ፀሓፍን እቲ ናይ ሊቀ ካህናት ሹምን ከዓ እናመፁ ነቲ ገንዘብ ካብቲ ሳፁን የውፅእዎ ነበሩ። ነቲ ሳፁን ድማ ናብ ቦታኡ ይመልስዎ ነበሩ። ከምዙይ ገይሮም ከዓ በብመዓልቱ ብዙሕ ገንዘብ ኣከቡ። 12ንጉስ ኢዮኣስን ካህን ዮዳሄን ድማ ነዝ ገንዘብ እዙይ ነቶም ነቲ ስራሕ ምሕዳስ ቤት እግዚኣብሄር ዝሰርሑ ዝነበሩ ሃብዎም። ንሳቶም ከዓ ንምሕዳስ ቤት እግዚኣብሄር ወቐርትን ፀረብትን፥ ንምፅጋን እታ ቤት እግዚኣብሄር ብሓፂንን ብነሃስን ዝሰርሑ ሰባት ይገዝኡሉ ነበሩ።
13እቶም ሰራሕቲ ኸዓ ኣበርቲዖም ይሰርሑ ነበሩ። እቲ ዝፈረሰውን ብኢዶም ተሓደሰ። ነታ ቤት እግዚኣብሄር ከምታ ናይ ቀደማ ገይሮም ኣዐርዮም ኣፅንዕዋ። 14ምስ ወድኡ ድማ ነቲ ዝተረፈ ገንዘብ ናብ ንጉስ ኢዮኣስን ካህን ዮዳሄን ኣምፅእዎ፤ ካብኡ ድማ ንቤት እግዚኣብሄር ዝኸውን፥ ኣቑሑ ንኣገልግሎትን ንዝቃፀል መስዋእትን፥ ውንጭሕትታትን ጭልፋታትን ካልእ ኣቑሑ ወርቅን ብሩርን ገበሩ። ዮዳሄ ኽሳዕ ዘሎ ኸዓ ኣብታ ቤት እግዚኣብሄር ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእቲ የቕርቡ ነበሩ።
ኣመራርሓ ዮዳሄ ኸም ዝተለወጠ
15ዮዳሄ ግና ሸምገለ፤ ዕድመ ፀጊቡ ድማ ሞተ። ንሱ ኽመውት እንተሎ፥ ወዲ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ነበረ። 16ኣብ እስራኤል ንእግዚኣብሄርን ነታ ቤቱን ፅቡቕ ስለ ዝገበረ ድማ፥ ኣብ መቓብር ነገስታት ኣብ ከተማ ዳዊት ቀበርዎ።
17ድሕሪ ሞት ዮዳሄ ግና እቶም ኣሕሉቕ ይሁዳ መፂኦም ንንጉስ ኢዮኣስ ፍግም ኢሎም ሰገዱሉ፥ ሽዑ እቲ ንጉስ ሰምዖም። 18ነታ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ሓዲጎም ድማ ንሓወልቲ ኣስታሮትን ንጣዖታትን ኣምለኹ። በዝ በደሎም እዙይ ከዓ ኣብ ልዕሊ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ቍጥዓ ወረደ። 19እግዚኣብሄር፥ ናብኡ ምእንቲ ኽመልስዎም ኢሉ ነቢያት ሰደደሎም፤ ንሳቶምውን ይግስፅዎ ነበሩ፤ እንተ ኾነ ኣይሰምዕዎምን።
20መንፈስ እግዚኣብሄር ድማ ናብ ዘካርያስ ወዲ ዮዳሄ መፀ፥ ንሱውን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ደው ኢሉ፦ “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ስለ ምንታይ ንትእዛዛት እግዚኣብሄር እትጥሕሱ? ሰናይ ኣይኾነልኩምን እዩ። ንእግዚኣብሄር ስለ ዝሓደግኩም ንሱ ኸዓ ሓዲጉኩም እዩ” በሎም።
21 # ማቴ. 23፡35፥ ሉቃ. 11፡51። ሽዑ ንእኡ ንጉስ ኢዮኣስን እቶም ህዝብን ክቐትልዎ ተመሓሓሉ፤ ኣብቲ ዓፀድ ቤት እግዚኣብሄር ከዓ ብእምኒ ቐጥቂጦም ቀተልዎ። 22ንጉስ ኢዮኣስ ነቲ ዮዳሄ ኣቦ ዘካርያስ ዝገበረሉ ሰናይ ረስዖ፤ ንወዱ ዘካርያስ ድማ ኣቕተሎ። ዘካርያስ ግና ኽመውት እንተሎ “ነዝ እትገብሮ ዘለኻስ እግዚኣብሄር ይርአዮ፤ ንሱውን ይፍረድ” በሎ።
መወዳእታ መንግስቲ ኢዮኣስ
23ዓመቱ ምስ ሓለፈ ድማ፥ ሰራዊት ሶርያ ንይሁዳን ንኢየሩሳሌምን ወረርወን። ንዅሎም ኣሕሉቕ ህዝቢ እውን ቐተልዎም። ንዅሉ እቲ ዝማረኽዎ ድማ ናብ ንጉሶም ናብ ደማስቆ ሰደድዎ። 24ሰራዊት ሶርያ ውሑዳት ጭፍራ ነበሩ፤ እቶም ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ሓዲጎም ስለ ዝነበሩ ግና እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እቲ ብዙሕ ሰራዊት ይሁዳ ዓወት ሃቦም። ብኸምዙይ ከዓ ኢዮኣስ ተቐፅዐ። 25ሰራዊት ሶርያ ንዓዶም ክምለሱ እንተለዉ፥ ንጉስ ኢዮኣስ ብርቱዕ ሕማም ሓሚሙ ነበረ። ንጉስ ኢዮኣስ ንዘካርያስ ወዲ ኻህን ዮዳሄ ስለ ዝቐተሎ ድማ፥ ክልተ ኻብ ሓሻኽሩ ሕነ ኽፈድዩ ተመሓሓሉሉ እሞ ኣብ ዓራቱ እንተሎ ቐተልዎ፤ ኣብ ከተማ ዳዊት ድማ ቐበርዎ። ግና ኣብቲ ነገስታት ዝቕበሩሉ ኣይቀበርዎን።
26እቶም ዝተመሓሓሉሉ ድማ ዛባድ ወዲ ሰምዓት ኣሞናዊትን ዮዛባት ወዲ ሰማሪት ሞኣባዊትን ነበሩ። 27ብዛዕባ ደቁን ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተዘርበ ብዙሕ ትንቢታትን፥ ብዛዕባ ነቲ ቤተ መቕደስ ከመይ ገይሩ ኸም ዘሐደሶ ዝትርኽ ፅሑፍን፥ ኣብቲ ብዛዕባ ትርጓሜ ታሪኽ ነገስታት እስራኤል ዝትርኽ መፅሓፍ ተፅሒፉ ኣሎ። ክንድኡ ድማ ወዱ ኣሜስያስ ነገሰ።

Currently Selected:

2ይ ዜና 24: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

Video for 2ይ ዜና 24