2ይ ዜና 23
23
ንጎቶልያ ኻብ መንግስታ ኸም ዘውረድዋ
(2 ነገ. 11፡4-16)
1በታ ሻውዐይቲ ዓመት ግና ዮዳሄ ተብዐ እሞ፥ ነቶም ኣሕሉቕ ሚእቲ፥ ንኣዛርያስ ወዲ ይሮሓምን ንይስማኤል ወዲ ይሆሓናን ንኣዛርያስ ወዲ ዖቤድን ንመዕሴያ ወዲ ዓዳያን ንኤሊሳፋጥ ወዲ ዝክሪን ወሲዱ ምስኣቶም ኪዳን ኣተወ። 2ኣብ ይሁዳ እናዞሩ ድማ ኻብ ኵለን ከተማታት ይሁዳ ንሌዋውያንን ነቶም ኣሕሉቕ ማይ ቤት ኣቦታት እስራኤልን ኣከብዎም፤ ናብ ኢየሩሳሌም ድማ መፁ። 3#2 ሳሙ. 7፡12። ኵሉ እቲ ህዝቢ ድማ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ተኣከበ፤ ምስ ኢዮኣስ ወዲ ንጉስ ከዓ ኺዳን ኣተወ።
ዮዳሄ ድማ “እንሆ ኸምቲ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ደቂ ዳዊት ዝተዛረቦ ኽነግስ ዝግብኦ እዝ ወዲ ንጉስ እዙይ እዩ” ኢሉ ተዛረቦም። 4“እቲ እትገብርዎ ነገር እዙይ እዩ፤ ኣቱም ብሰንበት ኣብ ስራሕኹም እትኣትዉ፥ ካብ ካህናትን ካብ ሌዋውያንን ሲሶ ኣፍ ደገታት ሓልዉ። 5ሲሶ ድማ ኣብ ቤተ መንግስቲ ሓልዉ፤ ሲሶኹምውን ኣብ ማእኸላይ በሪ ኹኑ። ኵሉ ህዝቢ ኸዓ ኣብቲ ዓፀድ ቤት እግዚኣብሄር ይኹን። 6ግና ናብቲ ቤት እግዚኣብሄር ካህናትን እቶም ዘገልግሉ ሌዋውያንን እምበር፥ ካልእ ኣይእቶ። ንሳቶም ቅዱሳን እዮም እሞ ይእተዉ፤ ኵሉ እቲ ህዝቢ ግና ትእዛዝ እግዚኣብሄር ይሓሉ። 7እቶም ሌዋውያን ድማ ኣፅዋሮም ኣብ ኢዶም ሒዞም፥ ነቲ ንጉስ ከቢቦም ይሓልውዎ። ኵሉ ናብታ ቤት ዝኣቱ ኸዓ ይቀተል። እቲ ንጉስ ክኣቱን ክወፅእን እንተሎ ድማ ምስኡ ኹኑ።”
8ዮዳሄ፥ ነቶም ክሰርሑ ዝሓደሩ ኣየሰናበቶምን ነበረ እሞ፥ እቶም ሌዋውያንን ኵሎም ይሁዳን፥ ከምቲ ዅሉ ኻህን ዮዳሄ ዝኣዘዞም ገበሩ፤ ነፍሲ ወከፍ ነቶም ብሰንበት ናብ ስራሕ ዝኣትዉ ምስቶም ብሰንበት ካብ ስራሕ ዝወፁ ገይሮም፥ ሰሰቦም ይወስዱ ነበሩ። 9ዮዳሄ ድማ እቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝፀንሐ፥ ናይ ንጉስ ዳዊት ዝነበረ ዂናታትን ዋላቱን ነቶም ኣሕሉቕ ሚእቲ ሃቦም። 10ንነፍሲ ወከፍ ኣፅዋሩ ብኢዱ ኣትሒዙ፥ ካብ የማናይ ወገን እታ ቤተ መቕደስ ጀሚሩ ኽሳዕ ፀጋማይ ወገና ኣብ ጥቓ እቲ መሰውእን እታ ቤትን፥ ኣብ ዙርያ እቲ ንጉስ ኣቖሞም።
11ሽዑ ነቲ ወዲ ንጉስ ኣውፂኦም ዘውዲ ደፍኡሉ፤ መፅሓፍ ኪዳንውን ሃብዎ እሞ ኣንገስዎ። ዮዳሄን ደቁን ከዓ ቐብእዎ፤ ዓው ኢሎም ድማ “ንጉስ ሺሕ ዓመት ይንገስ” በሉ።
12ጎቶልያ ድማ ድምፂ እቶም እናጐየዩ ነቲ ንጉስ ዝውድስዎ ዝነበሩ ህዝቢ ምስ ሰምዐት፥ ናብቶም ህዝቢ ናብ ቤት እግዚኣብሄር መፀት። 13እንተ ጠመተት ከዓ፥ እንሆ፥ እቲ ንጉስ ኣብ ጥቓ እቲ መእተዊ ኣብቲ ስፍራ ነገስታት፥ ጥቓ እቲ ዓምዲ ደው ኢሉ ነበረ። እቶም ኣሕሉቕን እቶም ነፋሕቲ መለኸትን ከዓ ምስኡ ደው ኢሎም ነበሩ። ኵሉ ህዝቢ እታ ሃገር ከዓ ተሓጒሱ መለኸት ይነፍሕ ነበረ። እቶም መዘምራንውን ብመሳርሒ ሙዚቃ መዝሙር ምስጋና ይዝምሩ ነበሩ። ሽዑ ጎቶልያ ብጓሂ ኽዳውንታ ቐዲዳ “ዓመፅ እዩ፤ ዓመፅ እዩ” ኢላ ኣእወየት።
14ዮዳሄ “ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኣይትቕተልዋ” ኢሉ ስለ ዝነበረ፥ ነቶም ነቲ ሰራዊት ዝመርሑ ኣሕሉቕ ሚእቲ፥ “ብመንጎ እቶም ተሰሪዖም ዘለዉ ሓሻኽር ኣውፅእዋ፤ ነቲ ኸድሕና ኢሉ ዝስዕባ ኸዓ ብሰይፊ ቕተልዎ” ኢሉ ኣዘዞም። 15ሽዑ ሒዞም ናብ ቤተ መንግስቲ ወሰድዋ፤ ኣብቲ ደገ ኣፍራስ ክትበፅሕ እንተላ ኸዓ ቐተልዋ።
ዮዳሄ ዝገበሮ ምምሕያሽ
(2 ነገ. 11፡17-20)
16ዮዳሄ ድማ ንሱን እቶም ህዝብን እቲ ንጉስን እግዚኣብሄር ዝኣምላኾም ህዝቢ ምእንቲ ክኾኑ ኺዳን ኣቖመ። 17ብምሉኦም እቶም ህዝቢ ኸዓ ናብ ቤት በዓል ኣትዮም ኣፍረስዎ፤ ነቲ መሰውኢታቱን ምስልታቱን ድማ ሰባበርዎ። ንናይ በዓል ካህን ንማታን ድማ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ ሓረድዎ።
18ዮዳሄ ድማ ነቶም ካህናትን ሌዋውያንን ኣብ ስራሕ እቲ ቤተ መቕደስ መደቦም። ንሳቶም ከምቲ ዳዊት ዝሰርዐሎም ክፍፅሙን፥ ከምቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ተፅሒፉ ዘሎ ኸዓ መስዋእቲ ኸቕርቡን፥ ከምቲ ዳዊት ዝሰርዐሎም ድማ ብሓጐስን ብመዝሙርን ከገልግሉን፥ ተመዲቦም ነበሩ። 19ብዝኾነ ነገር ዝረኸሰ ምእንቲ ኸይኣቱ፥ ኣብተን ደገታት ቤት እግዚኣብሄር ሓለውቲ ኣቖመ።
20ዮዳሄ ነቶም ኣዘዝቲ ሰራዊትን፥ ነቶም ክቡራት ሰባትን፥ ነቶም ኣሕሉቕ ህዝብን፥ ኵሉ ህዝቢ እታ ሃገርን ወሰደ፤ ነቲ ንጉስ ድማ ኻብ ቤት እግዚኣብሄር ኣውረዶ፤ በታ ላዕለወይቲ በሪ ድማ ናብ ቤተ መንግስቲ ኣእተውዎ፤ ነቲ ንጉስውን ኣብ ዙፋን ኣቐመጥዎ። 21ኵሎም ህዝቢ እታ ሃገር ተሓጐሱ፤ ጎቶልያ ብሰይፊ ስለ ዝተቐትለት ድማ እታ ኸተማ ሃድአት።
Currently Selected:
2ይ ዜና 23: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in