2ይ ዜና 25
25
ኣሜስያስ ንጉስ ይሁዳ
(2 ነገ. 14፡2-6)
1ኣሜስያስ ኽነግስ እንተሎ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ። ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ድማ ዕስራን ትሽዓተን ዓመት ገዝአ። እኖኡ ዮዓዳን እትበሃል በዓልቲ ኢየሩሳሌም ነበረት። 2ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ፤ ግና ብምሉእ ልቡ ኣይኮነን። 3እታ መንግስቱ ምስ ፀንዐትሉ፥ ነቶም ነቦኡ ነቲ ንጉስ ዝቐተሉ ሓሻኽር ቀተሎም። 4#ዘዳ. 24፡16። ግና ኸምቲ ኣብ መፅሓፍ ሕጊ ሙሴ፥ ተፅሒፉ ዘሎ፥ “ነፍሲ ወከፍ በብሓጢኣቱ ደኣ ይቀተል እምበር፥ ኣቦታት ብሰንኪ ደቆም ኣይቀተሉ፤ ደቂውን ብሰንኪ ኣቦታቶም ኣይቀተሉ” ኢሉ እግዚኣብሄር ከም ዝኣዘዘ፥ ነቶም ደቆም ኣይቀተሎምን።
ውግእ ምስ ኤዶምያስ
(2 ነገ. 14፡7)
5ኣሜስያስ ንህዝቢ ይሁዳን ብንያምን በብማይ ቤት ኣቦታቶም ኣኪቡ ኣብ ትሕቲ ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን ሰርዖም። ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ንዘለዉ ቘፀሮም፤ ኲናትን ዋልታን ሒዞም ናብ ውግእ ክወፁ ዝኽእሉ ኸዓ ሰለስተ ሚእቲ ሽሕ ሕሩያት ሰብኡት ረኸበ። 6ብሰለስተ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኪሎ ግራም ብሩር ገይሩ፥ ካብ እስራኤል ሚእቲ ሽሕ ሓያላት ጀጋኑ ብገንዘብ ቈፀረ።
7ሓደ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ግና ናብ ኣሜስያስ መፂኡ፥ “ኦ ንጉስ! እግዚኣብሄር ምስ እስራኤል ኣይኮነን፤ ምስ ኵሎም ደቂ ኤፍሬምውን ኣይኮነን እሞ፥ ሰራዊት እስራኤል ምሳኻ ኣይኺድ። 8ውግእ ገጢምካ ብጅግንነት እንተ ተዋጋእኻ እኳ፥ እግዚኣብሄር ንምርዳእ ኾነ ንምጥፋእ ስልጣን ስለ ዘለዎ፥ ፀላእትኻ ኸም ዝስዕሩኻ ኽገብረካ እዩ” በሎ።
9ኣሜስያስ ከዓ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ “እቲ ንጭፍራ እስራኤል ክቘፅር ኢለ ዘውፃእኽዎ ሰለስተ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኪሎ ግራም ብሩርከ እንታይ ይኹን?” ኢሉ ጠየቖ።
እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ድማ “ካብኡ ዝበዝሕ እግዚኣብሄር ክህበካ ይኽእል እዩ” ኢሉ መለሰሉ።
10ሽዑ ኣሜስያስ ነቶም ካብ ኤፍሬም ዝመፁ ጭፍራ ንዓዶም ክምለሱ ፈልዩ ሰደዶም። ንሳቶም ከዓ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ይሁዳ እምብዛ ተቘጥዑ፤ ተቘጢዖም ድማ ንዓዶም ተመለሱ።
11ኣሜስያስ ድማ ብትብዓት ንህዝቡ ኣኽቲቱ ኣብ ለሰ ጨው ኣሰለፎም፤ ኣብኡ ኸዓ ተዋጊኦም ካብ ደቂ ሴይር ዓሰርተ ሽሕ ሰብ ቀተሉ። 12ደቂ ይሁዳ ድማ ዓሰርተ ሽሕ ሰባት ብህይወት ማረኹ። ናብ ርእሲ ሓንቲ ቐልቀል ኣደዪቦም ድማ ንቝልቁል ኣፅደፍዎም፤ ኵሎም ከዓ ተፈጥፊጦም ሞቱ።
13እቶም ኣሜስያስ ናብ ውግእ ምስኡ ኸይኸዱ ዘሰናበቶም ጭፍራ ግና ንኸተማታት ይሁዳ፥ ካብ ሰማርያ ኽሳዕ ቤትሖሮን፥ ሓደጋ ኣውደቑለን እሞ ኣብኣተን ሰለስተ ሽሕ ሰባት ቀተሉ፤ ብዙሕ ምርኮውን ማረኹ።
14ኣሜስያስ ንኤዶማውያን ስዒርዎም ክምለስ እንተሎ፥ ነቶም ኣማልኽቶም ተማሊእዎም መፀ። ኣማልኽቱ ክኾኑ ድማ ኣቖሞም፤ ኣብ ቅድሚኣቶም ከዓ ሰገደ፤ ዕጣንውን ዓጠነሎም። 15ሽዑ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ኣሜስያስ ነደደ እሞ፥ ሓደ ነቢይ ናብኡ ሰደደ። ንሱ ኸዓ “ስለ ምንታይ ኢኻ ነዞም ንህዝቦም ካብ ኢድካ ኸድሕኑ ዘይከኣሉ ኣማልኽቲ ህዝቢ ኤዶምያስ ዝሰገድካሎም?” በሎ።
16እቲ ነቢይ እናተዛረበ እንተሎ ድማ እቲ ንጉስ “ናይ ንጉስ መማኸሪ ኽትከውንዶ ሼምናካ ኢና? ሕደግ፤ ንምንታይ ቅፅዓት እትደሊ” በሎ። እቲ ነቢይ ድማ “እዙይ ብምግባርካ፥ ምኽረይ ከዓ ብዘይ ምስማዕኻ፥ እግዚኣብሄር ከጥፍአካ ኸም ዝመደበ ፈለጥኩ” ኢሉ ሓደጎ።
ውግእ ምስ እስራኤል
(2 ነገ. 14፡8-20)
17ሽዑ ኣሜስያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ምኽሪ ምስ መኸረ፥ ናብ ኢዮኣስ ንጉስ እስራኤል፥ ወዲ ኢዮኣካዝ፥ ወዲ ኢዩ፦ “ነዓ ገፅ ንገፅ ንርአአ” ኢሉ ለኣኸሉ።
18ኢዮኣስ ግና ንኣሜስያስ ልኢኹ፦ “እቲ ኣብ ሊባኖስ ዝነበረ እሾዅ ነቲ ኣብ ሊባኖስ ዝነበረ ዝግባ፥ ‘ንወደይ ሰበይቲ ኽትኮኖ ጓልካ ሃበኒ’ ኢሉ ለኣኸሉ። ኣብ ሊባኖስ ዝነበሩ ኣራዊት በረኻ ድማ ሓለፉ፤ ነቲ እሾዅ ከዓ ረገፅዎ። 19‘እንሆ ንኤዶምያስ ስዒረዮ’ እናበልካ ብልብኻ ትዕበ ኣለኻ፤ ኣነ ግና ኸቢርካ ኣብ ገዛኻ ኽትቅመጥ እምዕደካ ኣለኹ። ስለ ምንታይ ኢኻ ንርእስኻን ንህዝቢ ይሁዳን መከራ እትደሊ?” በሎ።
20ኣሜስያስ ንኣማልኽቲ ኤዶምያስ ስለ ዘምለኸ፥ ብፀላእቱ ኸም ዝሰዓር እግዚኣብሄር ወሲኑ ነበረ እሞ፥ ኣሜስያስ ምኽሪ ኣይሰምዐን። 21ኢዮኣስ ንጉስ እስራኤል ክዋጋእ ከተተ። ንሱን ኣሜስያስ ንጉስ ይሁዳን ድማ ኣብታ ኣብ ይሁዳ ዘላ ቤትሳሚስ ገፅ ንገፅ ተረኣኣዩ። 22ግና ሰራዊት ይሁዳ ተስዓሩ፤ ነፍሲ ወከፎም ድማ ናብ ዓዶም ሃደሙ። 23ንኣሜስያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ወዲ ኢዮኣስ ወዲ ኢዮኣካዝ ድማ ኢዮኣስ ንጉስ እስራኤል ኣብ ቤትሳሚስ ሓዞ፤ ናብ ኢየሩሳሌም ከዓ ወሰዶ። ንመካበብያ ኢየሩሳሌም ካብ ደገ ኤፍሬም ጀሚሩ ኽሳዕ ደገ መኣዝን ክልተ ሚእቲ ሜትር ኣፍረሰ። 24እቲ ምስ ዖቤድኤዶም ዝነበረ፥ ኣብ ቤት ኣምላኽ ዝተረኽበ ዅሉ ወርቅን ብሩርን፥ ኵሉ ኣቑሑን መዛግብቲ ቤተ መንግስትን ዕጉታት ዝነበሩ ሰባትን ሒዙ ናብ ሰማርያ ተመለሰ።
25ድሕሪ ሞት ኢዮኣስ ንጉስ እስራኤል፥ ወዲ ኢዮኣካዝ፥ ኣሜስያስ ንጉስ ይሁዳ ወዲ ኢዮኣስ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት ፀንሐ። 26እቲ ዝተረፈ ናይ ኣሜስያስ ነገር፥ ካብ መጀመርታኡ ኽሳዕ መወዳእታኡ፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት ይሁዳን እስራኤልን ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? 27ካብታ ኣሜስያስ ኻብ እግዚኣብሄር ዝረሓቐላ እዋን፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ሻራ ይኣልሙሉ ነበሩ። ኣብ መወዳእታ ኸዓ ናብ ላኪሶ ሃደመ። ደድሕሪኡ ናብ ላኪሶ ልኢኾም ድማ ኣብኣ ቐተልዎ። 28ኣብ ፈረስ ፅዒኖም ወሰድዎ እሞ፥ ኣብ ከተማ ይሁዳ ምስ ኣቦታቱ ቐበርዎ።
Currently Selected:
2ይ ዜና 25: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in