2ይ ዜና 22
22
ኣካዝያስ ንጉስ ይሁዳ
(2 ነገ. 8፡25-29፥ 9፡21-28)
1ናብቲ ሰፈር ዝመፁ ጭፍራ ዓረባውያንን ኣሊማዞን ንዅሎም እቶም ዓበይቲ ደቂ ንጉስ ኢዮራም ቀተልዎም። እቲ ንእሽተይ ወዱ ኣካዝያስ ግና ደሓነ። ስለዙይ ህዝቢ ኢየሩሳሌም ንኣካዝያስ ክንዲ ኣቦኡ ኣንገስዎ።
2ኣካዝያስ ኽነግስ እንተሎ ወዲ ኣርብዓን ክልተን ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ሓንቲ ዓመት ገዝአ። እኖኡ ጎቶልያ እትበሃል ጓል ዘንበሪ ነበረት።
3እኖኡ ኽፉእ ንኽገብር ትመኽሮ ስለ ዝነበረት፥ ንሱ ብመንገዲ ቤት ኣክኣብ ከደ። 4ድሕሪ ሞት ኣቦኡ፥ ከምቲ ቤት ኣክኣብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ዝገበረ፥ መኸርቱ ኸዓ ኣብ ውድቀት ኣብፅሕዎ። 5ምኽሮም ሰሚዑ ኸዓ ምስ ኢዮራም ወዲ ኣክኣብ፥ ንጉስ እስራኤል ኮይኑ፥ ንኣዛሄል ንጉስ ሶርያ ኣብ ሬማት ዘገለዓድ ክዋግኦ ኸደ። እቶም ሶርያውያን ግና ንኢዮራም ኣቝሰልዎ። 6ሽዑ ኢዮራም ነቲ ኣብ ኣርማቴም ዝወግእዎ ቝስሊ፥ ኣብ ኢይዝራኤል ክሕከም ተመለሰ። ኣካዝያስ ወዲ ኢዮራም ንጉስ ይሁዳ ድማ፥ ንኢዮራም ወዲ ኣክኣብ ክሪኦ ናብ ኢይዝራኤል ወረደ።
7ኣካዝያስ ናብ ኢዮራም ብምምፃኡ ምእንቲ ኽጠፍእ ናይ እግዚኣብሄር ፍቓድ ነበረ፤ ናብኡ ምስ ከደ፥ ምስ ኢዮራም ኮይኑ ነቲ ንቤት ኣክኣብ ከጥፍኣ ኢሉ እግዚኣብሄር ዝቐብኦ ኢዩ ወዲ ናሜሲ ክራኸቦ ወፀ። 8ኢዩ ንቤት ኣክኣብ ፍርዲ ኽፍፅም እንተሎ፥ ነቶም ኣሕሉቕ ይሁዳን፥ ነቶም ንኣካዝያስ ዘገልግሉ ዝነበሩ ደቂ ኣሕዋቱን፥ ረኸቦም እሞ ቐተሎም። 9ንኣካዝያስ ከዓ ደለይዎ፤ ኣብ ሰማርያ ተሓቢኡ ምስ ረኸብዎ ድማ ሒዞም ናብ ኢዩ ኣምፅእዎ እሞ ቐተልዎ። ንሳቶም “እዙይስ ወዲ እቲ ንእግዚኣብሄር ብምሉእ ልቡ ዘገልገሎ ኢዮሳፍጥ እዩ” ኢሎም ቀበርዎ። ድሕሪዙይ ካብ ቤት ኣካዝያስ ነታ መንግስቲ ኽሕዛ ዝኸኣለ ኣይነበረን።
ጎቶልያ ንግስቲ ይሁዳ
(2 ነገ. 11፡1-3)
10እኖ ኣካዝያስ ጎቶልያ ድማ ወዳ ኸም ዝሞተ ምስ ፈለጠት፥ ንዅሎም ዘርኢ ቤተ መንግስቲ ይሁዳ ኣጥፍአቶም። 11ኣካዝያስ ዮሳቤት እትበሃል ሓፍቲ ነበረቶ፤ ንሳ ጓል ንጉስ ኢዮራም ሰበይቲ ኻህን ዮዳሄ ነበረት። ካብ ማእኸል እቶም ክቕተሉ ዘለዎም ደቂ ንጉስ ኣካዝያስ ንኢዮኣስ ምስ መጕዚቱ ናብቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዝነበረ ኽፍሊ መደቀሲ ኣእትያ ሓብአቶ። ከምዙይ ገይራ ሓቢኣ ድማ ኻብ ኢድ ጎቶልያ ኣድሓነቶ። 12ኣብኣቶም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ተሓቢኡ ድማ ሽዱሽተ ዓመት ተቐመጠ። ጎቶልያ ኸዓ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ነጊሳ ነበረት።
Currently Selected:
2ይ ዜና 22: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in