YouVersion Logo
Search Icon

2ይ ዜና 21

21
ኢዮራም ንጉስ ይሁዳ
(2 ነገ. 8፡17-24)
1ኢዮሳፍጥ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ኣብ ከተማ ዳዊት ከዓ ምስ ኣቦታቱ ተቐበረ። ክንድኡ ድማ ወዱ ኢዮራም ነገሰ። 2ኢዮራም ከዓ ኣዛርያስ፥ ይሒኤል፥ ዘካርያስ፥ ዔዛርያስ፥ ሚካኤል፥ ሰፋጥያስ ዝበሃሉ ኣሕዋት ነበርዎ። እዚኣቶም ኵሎም ደቂ ኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳ ነበሩ። 3ኣቦኣቶም ድማ ብዙሕ ውህብቶ ብሩርን ወርቅን ክቡር ዝኾነ ነገርን፥ ካብተን ኣብ ይሁዳ ዝነበራ ዕሩዳት ከተማታት ንነፍሲ ወከፎም ሓንቲ ሓንቲ ሃቦም። ንኢዮራም ግና በዅሪ ወዱ ስለ ዝነበረ ነቲ መንግስቲ ሃቦ።
4ኢዮራም ከዓ ኣብታ መንግስቲ ኣቦኡ ደዪቡ ምስ ተደላደለ፥ ንዅሎም ኣሕዋቱን ንገሊኣቶም ካብ ኣሕሉቕ እስራኤልን ብሰይፊ ቐተሎም። 5ኢዮራም ክነግስ እንተሎ፥ ወዲ ሰላሳን ክልተን ዓመት ነበረ። ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ሸሞንተ ዓመት ገዝአ። 6ግና፥ ሰበይቱ ጓል ኣክኣብ ነበረት፤ ስለዙይ ከምቲ ቤት ኣክኣብ ዝገበርዎ፥ ብመንገዲ ነገስታት እስራኤል ብምኻድ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ። 7#1 ነገ. 11፡36። እግዚኣብሄር ግና፥ ምእንቲ እቲ ምስ ዳዊት ዝኣተዎ ኺዳንን፥ ከምቲ ንእኡን ንደቁን ንሓዋሩ መንግስቲ ኸም ዝህቦም ዘተስፈዎ፥ ነታ ቤት ዳዊት ከጥፍኣ ኣይደለየን።
8ብዘመን ኢዮራም ህዝቢ ኤዶምያስ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ይሁዳ ዓመፁ፤ ንጉሶም ድማ ኣንገሱ። 9ሽዑ ኢዮራም ምስ ኣሕሉቑን ሰረገላታቱን ንኤዶማውያን ክዋግኦም ከደ፤ ንሳቶም ድማ ኸበብዎ። ንሱን ሰራዊቱን ግና ብለይቲ ነቶም ዝኸበብዎም ኣሕሉቕ ሰረገላታት ወቕዖም። #ዘፍ. 27፡40። 10ስለዙይ ኤዶምያስ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ክሳዕ ሕዚ ዓመፀት፤ በቲ ጊዜቱይ ኢዮራም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቱ ስለ ዝሓደገ፥ ልብናውን ኣብ ልዕሊኡ ዓመፀት። 11ንሱ መሊሱ ኣብ እምባታት ይሁዳ መስገዲታት ሰርሐ። ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝተቐመጡውን ከም ዘመንዝሩ ገበሮም፤ ንይሁዳውን ኣስሓቶ።
12ካብ ነቢይ ኤልያስ ከዓ ኸምዙይ ዝብል ፅሑፍ መፆ፦ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦኻ ዳዊት ከምዙይ ይብለካ ኣሎ፦ ኣሰር ኣቦኻ ንጉስ ኢዮሳፍጥ ኮነ ኣሰር ኣቦሓጐኻ ኣሳ ንጉስ ይሁዳ ስለ ዘይሰዓብካ፥
13ግና ኣሰር ነገስታት እስራኤል ስለ ዝሰዓብካ፥ ከምቲ ንጉስ ኣክኣብን ብድሕሪኡ ዝነገሱን ንህዝቢ እስራኤል ከም ዘመንዝሩ ዝገበርዎም፥ ንህዝቢ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም ንዝነብሩን ብኣመንዝራነት ኣምልኾ ጣዖት ስለ ዘስሓትካዮም፥ ነቶም ካባኻ ዝሐሹ ኣሕዋትካውን ስለ ዝቐተልካዮም፥
14እንሆ፥ እግዚኣብሄር ንህዝብኻን ንደቅኻን ነንስትኻን ንዅሉ ጥሪትካን ብዓብዪ መቕሰፍቲ ኽቐስፎም እዩ።
15ንስኻ ድማ ካብ ፅንዓት እቲ ሕማም ዝተልዓለ ኣምዑትካ በብጊዜኡ ኽሳዕ ዝወፅእ፥ ብብርቱዕ ሕማም ኣምዑት ክትውቃዕ ኢኻ።”
16እግዚኣብሄር ድማ መንፈስ ፍልስጥኤማውያንን መንፈስ እቶም ኣብ ጥቓ ኢትዮጵያውያን ዝነብሩ ዓረባውያንን ኣብ ልዕሊ ኢዮራም ኣለዓዓለ። 17ንሳቶም ድማ ደዪቦም ንይሁዳ ኣፍረስዋ፤ ንዅሉ ኣብ ቤተ መንግስቲ ንዝተረኽበ ገንዘብውን ዘመቱ፤ ነንስቱ ድማ ወሰድወን። እንትርፊ እቲ ኻብ ኵሎም ደቁ ዝነኣሰ ኣካዝያስ፥ ዝኾነ ወዲ ኣይተረፎን።
18ድሕሪ ዅሉ እዙይ ድማ፥ እግዚኣብሄር ብዘይፍወስ ሕማም ኣምዑት ወቕዖ። 19ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ኸምዙይ ኮነ፤ ድሕሪ ኽልተ ዓመት ካብቲ ደዌ ፅንዓት ዝተልዓለ፥ ኣምዑቱ ወፀ፤ ብኽፉእ ደዌውን ሞተ። እቲ ህዝቢ ኸዓ ኸምቲ ነቦታቱ ዝገብሮ ዝነበረ ናይ ቀብሪ ወግዒ ኣይገበረሉን።
20ንሱ ኽነግስ እንተሎ፥ ወዲ ሰላሳን ክልተን ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ሸሞንተ ዓመት ገዝአ። ብሞቱ ዝጐሃየ ሰብ ኣይነበረን። ኣብ ከተማ ዳዊት ተቐበረ፤ ግና ኣብቲ ነገስታት ዝቕበሩሉ ኣይተቐበረን።

Currently Selected:

2ይ ዜና 21: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

Video for 2ይ ዜና 21