2ይ ዜና 20
20
ኢዮሳፍጥ ንሞኣብን ንኣሞንን ከም ዝሰዓሮም
1ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ድሕሪዙይ ደቂ ሞኣብን ደቂ ኣሞንን፥ ምስኣቶም ድማ ገሊኣቶም ካብቶም መዑናውያን ንኢዮሳፍጥ ክዋግእዎ መፁ።
2ንኢዮሳፍጥ ከዓ “ካብ ማዕዶ ባሕሪ ጨው፥ ካብ ኤዶምያስ ብዙሕ ሰራዊት ይመፀካ ኣሎ፤ እኒሀዉ ድማ ኣብ ባሕሪ ጨው #20፡2 ባሕሪ ጨው፦ ሕዚ “ምዉት ባሕሪ” ይበሃል። በፂሖም ኣለዉ” ኢሎም ነገርዎ። ካልኣይ ስም ናይ ዔንገዲ ሓፀፆን ታማር እዩ። 3ሽዑ ኢዮሳፍጥ ፈርሐ እሞ ንእግዚኣብሄር ክደሊ ገፁ መለሰ፤ ኣብ ኵሉ ይሁዳውን ፆም ኣወጀ። 4ይሁዳ ድማ ካብ እግዚኣብሄር ረድኤት ክደሊ ተኣከበ፤ ካብ ኵለን ከተማታት ይሁዳውን ንእግዚኣብሄር ክደልዩ መፁ።
5ንጉስ ኢዮሳፍጥ ድማ ኣብ መንጎ እቶም ካብ ይሁዳን ካብ ኢየሩሳሌምን ዝተኣከቡ ህዝቢ፥ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ሓድሽ ዓፀድ ደው በለ። 6ከምዙይ ኢሉ ኸዓ ፀለየ፦
“ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትና! ንስኻዶ ኣይኮንካን ኣብ ሰማይ ዘለኻ?
ንዅለን መንግስታት ኣህዛብ እትገዝእስ ንስኻዶ ኣይኮንካን?
ሓይልን ስልጣንን ከዓ ኣብ ኢድካ እዩ እሞ፥ ክቃወመካ ዝኽእል
የለን።
7 #
ኢሳ. 41፡8፥ ያቆ. 2፡23። ኦ ኣምላኽና! ነቶም ኣብዛ ሃገር እዚኣ ተቐሚጦም
ዝነበሩ፥ ካብ ቅድሚ ህዝብኻ እስራኤል ዝሰጐጕካዮም ንኣኣ ኸዓ
ንዘርኢ ኣብርሃም ፈታዊኻ ንዘለኣለም ዝሃብካዮም ንስኻዶ
ኣይኮንካን?
8ኣብኣ ድማ ተቐመጡ፤ ኣብኣውን ንኣኻ ዘምልኹላ ቤተ
መቕደስ ሰርሑ። ከምዙይ ከዓ በሉ፦
9‘ኣብ ልዕሌና መቕፃዕቲ፥ ውግእ ወይ ፌራ ወይ ጥሜት እንተ መፀ፥
ሽዑ ኣብ ቅድሜኻ፥ ኣብዛ ንኣኻ እነምልኸላ ቤተ መቕደስ ኴንና፥
ብመከራና ናባኻ ኽንምህለል ኢና፤ ንስኻ ኸዓ ሰሚዕኻ ኽተድሕነና ኢኻ።’
10 #
ዘዳ. 2፡4-19። ሕዚ ኸዓ፥ ደቂ ኣሞንን ሞኣብን ኤዶምያስን እነሆ፤ ኣቦታትና ኻብ ግብፂ ኽወፁ እንተለዉ፥ ብኣኣቶም ክሓልፉ ስለ ዘይፈቐድካሎም፥ ዘይሮም ሓለፉ እምበር ኣየጥፍእዎምን።
11ንሳቶም ዝመልሱልና ሞሳ ግና እንሆ ኻብዛ ዘውረስካና ርስቲ ኸውፅኡና ይመፁ ኣለዉ።
12ኦ ኣምላኽና! ኣይትቐፅዖምን ዲኻ? ንሕናስ ኣብ ቅድሚ እዝ
ዝመፀና ዘሎ ዓብዪ ሰራዊት ሓይሊ የብልናን፤ እንታይ ከም እንገብር
ከዓ ኣይንፈልጥን ኢና፤ ግና ኣዒንትና ናባኻ እየን።”
13ኵሎም ህዝቢ ይሁዳ ኸዓ ምስ ህፃናቶምን ኣንስቶምን ደቆምን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው ኢሎም ነበሩ።
14ሽዑ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ማእኸል እቲ ጉባኤ ህዝቢ ዝነበረ የሕዚኤል ወዲ ዘካርያስ፥ ወዲ በናያስ፥ ወዲ የዒኤል፥ ወዲ ማታንያ፥ እቲ ሌዋዊ ካብ ደቂ ኣሳፍ፥ መንፈስ እግዚኣብሄር መፀ።
15ንሱ ድማ፦ “ኣቱም ሰብ ኵላ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም እትነብሩን፥ ንስኻ ኢዮሳፍጥውን ስምዑ። እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብለኩም ኣሎ፦ ‘እቲ ውግእ ናተይ እዩ እምበር፥ ናታትኩም ኣይኮነን እሞ፥ ኣብ ቅድሚ እዝ ዓብዪ ሰራዊት እዙይ ኣይትፍርሑን ኣይትሸበሩን። 16ፅባሕ ተዋግእዎም፤ እንሆ በቲ ዓቐበት ፂፅ ይድይቡ ኣለዉ፤ ኣብ ወሰን እቲ ናብ ምድረ በዳ ይሩኤል ዘእቱ ለሰ ኽትረኽብዎም ኢኹም። 17#ዘፀ. 14፡13-14፥ ዘዳ. 20፡1። ኣብዝ ውግእ እዙይ ንስኻትኩም ኣይኮንኩምን እትዋግኡ፤ ጥራሕ ቦታኹም ሒዝኩም ቁሙ፤ እግዚኣብሄር ዝህበኩም ምድሓን ከዓ ኽትሪኡ ኢኹም። ኣቱም ህዝቢ ይሁዳን እስራኤልን፥ ኣይትፍርሑን ኣይትሸበሩን፤ ፅባሕ ናብ ቅድሚኣቶም ውፁ፤ ኣነ ድማ ምሳኻትኩም ክኸውን እየ’ ” በሎም።
18ሽዑ ኢዮሳፍጥ ብገፁ ናብ ምድሪ ፍግም ኢሉ ሰገደ፤ ኵሎም ህዝቢ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም ዝቕመጡ ዝነበሩንውን ብገፆም ናብ ምድሪ ተደፊኦም ንእግዚኣብሄር ሰገዱ። 19እቶም ሌዋውያን፥ ቀሃታውያንን ቆራሓውያንን ድማ ተሲኦም፥ የመና ዓው ብዝበለ ድምፂ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣመስገንዎ።
20እቶም ህዝቢ ንፅባሒቱ ኣንጊሆም ተሲኦም ናብ ምድረ በዳ ቴቁሔ ወፁ። ክወፁ እንተለዉ ድማ ኢዮሳፍጥ ደው ኢሉ ኸምዙይ በሎም፦ “ኣቱም ህዝቢ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም እትነብሩን ስምዑኒ፤ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እመኑ እሞ ፅኑዓት ክትኮኑ ኢኹም፤ ብነቢያቱውን እመኑ እሞ ኽቐንዐኩም እዩ።” 21ኢዮሳፍጥ ምስቶም ህዝቢ ምስ ተማኸረ ኸዓ፥ ንእግዚኣብሄር ዝዝምሩን ቅዱሳት ኣልባስ ለቢሶም ድማ ቐቅድሚ ሰራዊት ክወፁ እንተለዉ፥
“ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ፥
ንእግዚኣብሄር ኣመስግንዎ”
እናበሉ ዝውድስዎ ሰባት ኣቖመ።
22ክዝምሩን ክውድሱን ምስ ጀመሩ ኸዓ፥ ነቶም ምስ ይሁዳ ኽዋግኡ ኢሎም ዝመፁ ደቂ ኣሞንን ሞኣብን፥ ነቶም ሰብ እምባ ሴይርን፥ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኣቶም ሕቡእ ተዋጋእቲ ኣምፅአሎም፤ ንሳቶምውን ተስዓሩ። 23እቶም ደቂ ኣሞንን ሞኣብን ነቶም ኣብ እምባ ሴይር ዝነብሩ ፈፂሞም ንኽቐትልዎምን ንኸጥፍእዎምን ተልዒሎምዎም ነበሩ፤ ነቶም ኣብ ሴይር ዝነበሩ ምስ ኣጥፍኡዎም ድማ ንስንሳቶም ሓደ ንብፃዩ ንምጥፋእ ተሓጋገዙ።
24ሰራዊት ይሁዳ ድማ ናብቲ ኣብ ምድረ በዳ ዝነበረ ግንቢ ሓለውቲ ምስ መፁ፥ ናብቲ ህዝቢ ኣቢሎም ጠመቱ፤ እንሆ ኸዓ ንዅሉ ምድሪ ሬሳ መሊእዎ ነበረ፤ ዘምለጠ ሰብውን ኣይነበረን። 25ኢዮሳፍጥን ህዝቡን ነቲ ምርኮኦም ክገፉ ምስ መፁ ኸዓ፥ ኣብ መንጎ እቶም ሬሳታት ብዙሕ ሃብቲ፥ ገንዘብን ክቡር ኣቕሓን ረኸቡ፤ ምፅዋሩ ኽሳዕ ዝስእኑ፥ እቲ ምርኮ ብዙሕ ነበረ እሞ፥ ሰለስተ መዓልቲ ኽገፍዎ ፀንሑ። 26በታ ራብዐይቲ መዓልቲ ድማ ኣብ ለሰ በረኸት ተኣከቡ። ኣብኣ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ባረኽዎ። ስለዙይ እታ ቦታ እቲኣ ኽሳዕ ሎሚ ለሰ በረኸት ትበሃል ኣላ።
27ሽዑ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ፀላእቶም ኣሐጕሱዎም ስለ ዘነበረ፥ ኵሎም ሰራዊት ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ንጉስ ኢዮሳፍጥ መሪሕዎም፥ ብሓጐስ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሱ። 28ኣብ ኢየሩሳሌም ምስ በፅሑ ኸዓ ብመሰንቆን ብበገናን ብመለኸትን ናብ ኢየሩሳሌም ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣተዉ።
29ኵሎም መንግስታት ሃገራት ከዓ እግዚኣብሄር ንፀላእቲ እስራኤል ከመይ ገይሩ ኸም ዝሰዓሮም ሰምዑ፤ ፍርሓት እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ልዕሊኣቶም ወደቐ። 30መንግስቲ ኢዮሳፍጥ ከዓ ህድኣት ረኸበት፤ እግዚኣብሄር ድማ ብዅሉ ወገን ዕረፍቲ ሃቦ።
መወዳእታ መንግስቲ ኢዮሳፍጥ
(1 ነገ. 22፡41-50)
31ኢዮሳፍጥ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ኽነግስ እንተሎ ወዲ ሰላሳን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ። ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ገዝአ። እኖኡ ዓዙባ እትበሃል ጓል ሺልሒ ነበረት። 32ብመንገዲ ኣቦኡ ኣሳ ድማ ኸደ፤ ካብኡውን ኣይረሓቐን፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ዝኾነ ነገር ገበረ። 33ግና ነቲ ጣዖት ዘምልኹሉ በረኽቲ ኣየወገዶን ነበረ። እቶም ህዝቢ እውን ገና ብምሉእ ልቦም ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ኣይተመለሱን ነበሩ።
34እቲ ዝተረፈ ኢዮሳፍጥ ዝገበሮ፥ ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ፥ ኣብቲ ኣብ መፅሓፍ ነገስታት እስራኤል ዘሎ ታሪኽ ኢዩ ወዲ ሓናኒ ተፅሒፉ ኣሎ።
35ድሕሪዙይ ግና ኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳ ምስቲ ኽፉእ ዝግብሩ ኣካዝያስ ንጉስ እስራኤል ተሓባበረ። 36ክልቲኦም ድማ ናብ ተርሴስ ዝኸዳ መራኽብ ከስርሑ ተሓባበሩ፤ መራኽብ ድማ ኣብ ዔፅዩንጋብር ኣስርሑ። 37ሽዑ ኣልኣዛር ወዲ ዶዳያ፥ በዓል መሪሳም፥ ኣብ ልዕሊ ኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳ “ምስ ኣካዝያስ ንጉስ እስራኤል ስለ ዝሓበርካ፥ እግዚኣብሄር ነቲ ስራሕኻ ኸፍርሶ እዩ” ኢሉ ተነበየሉ። እተን መራኽብ ከዓ ተሰብራ፤ ናብ ተርሴስ ክኸዳውን ኣይከኣላን።
Currently Selected:
2ይ ዜና 20: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in