2ይ ዜና 19
19
1ኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳ ድማ ብሰላም ናብ ቤቱ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሰ። 2ኢዩ ወዲ ኣናኒ እቲ ረኣዪ ኸዓ ኽራኸቦ ወፀ፦ “ንንጉስ ኢዮሳፍጥ ከዓ፥ ነቲ ከሓዲዶ ትሕግዝ ኣለኻ ወይ ነቶም ንእግዚኣብሄር ዝፀልእዎ ኽትፈትዎም ግቡእዶ ይመስለካ? በዝ ነገር እዙይ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኻ ኣሎ። 3ግና ንጣዖት ኣስታሮት ኻብዛ ምድሪ ስለ ዘወገድካን፥ ንእግዚኣብሄር ክትስዕብ ልብኻ ስለ ዘዳለኻን፥ ፅቡቕ ነገር ተረኺቡካ ኣሎ” ድማ በሎ።
ኢዮሳፍጥ ዝገበሮ ምምሕያሽ
4ኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳ ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ይቕመጥ ነበረ። ግና በብእዋኑ ኻብ ደቡብ፥ ማለት ካብ ቤርሳቤህ ጀሚሩ ኽሳዕ ሰሜን፥ ክሳዕ ዝባውንቲ ኤፍሬም ናብ ማእኸል ህዝቢ እናወፀ፥ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ከም ዝምለሱ ይገብር ነበረ። 5ኣብ ኵለን ዝተዓረዳ ኸተማታት ሃገር ይሁዳ ድማ ፈረድቲ ሸመ። 6ነቶም ፈረድቲ “ብዅሉ እትፈርድዎ ተጠንቀቑ፤ ክትፈርዱ እንተለኹም ምሳኻትኩም ንዘሎ ንእግዚኣብሄር ኢልኩም እምበር ንሰብ ኢልኩም ኣይኮነን። 7እምበኣርከስ ፍርሓት እግዚኣብሄር ይሃሉኹም። ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዓመፅን፥ ገፅ ርኢኻ ምድላውን፥ ጉቦ ምቕባልን የለንሞ ተጠንቂቕኩም ፍረዱ” በሎም።
8ኢዮሳፍጥ ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ሕጊ እግዚኣብሄር ክጠሓስ እንተሎን፥ ኣብ መንጎ ህዝቢ ባእሲ ኽልዓል እንተሎን፥ ምእንቲ ኽፈርዱ፥ ካብ ሌዋውያንን ካህናትን፥ ካብቶም ኣሕሉቕ ማይ ቤት ኣቦታት እስራኤልን ፈረድቲ ሸመ። ኣብ ኢየሩሳሌም ከዓ ይቕመጡ ነበሩ። 9ከምዙይ ኢሉ ኸዓ ኣዘዞም፦ “ከምኡ ንእግዚኣብሄር ብምፍራሕ ብቕንዕናን ብፍፁም ልብን ግበሩ። 10ካብቶም ኣብ ዝኾነ ኸተማታቶም ዝነብሩ ኣሕዋትኩም ኣብ መንጎ ደምን ደምን፥ ኣብ መንጎ ሕግን ትእዛዝን፥ ስርዓትን ፍርድን፥ ነገር ናባኻትኩም እንተ መፀ፥ ንእግዚኣብሄር ከይብድሉ እሞ፥ ኣብ ልዕሌኹምን ኣብ ልዕሊ ኣሕዋትኩምን ቍጥዓ ኸይመፅእ ኣጠንቅቕዎም። ከምኡ እንተ ጌርኩም፥ በደልቲ ኣይትኾኑን ኢኹም።
11“እንሆ ድማ፥ ንእግዚኣብሄር ብዝምልከት ኵሉ ነገር እቲ ሊቀ ካህናት ኣማርያ፥ ንንጉስ ብዝምልከት ኵሉ ነገር ከዓ እቲ ሓለቓ ነገድ ይሁዳ ዘባድያ ወዲ እስማኤል ኣብ ልዕሌኹም ተሸይሞም ኣለዉ። እቶም ሌዋውያን ድማ መራሕቲ ኾይኖም የገልግሉኹም ኣለዉ። ፅኑዓት ኩኑ፤ ብዘይ ፍርሓት ስርሑ፤ እግዚኣብሄር ድማ ምስቲ ገባሪ ፅቡቕ ይኹን።”
Currently Selected:
2ይ ዜና 19: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in