YouVersion Logo
Search Icon

2ይ ዜና 18

18
ነቢይ ሚክያስ ንንጉስ ኣክኣብ ከም ዘጠንቀቖ
(1 ነገ. 22፡1-28)
1ኢዮሳፍጥ ድማ ብዙሕ ሃብትን ክብርን ነበሮ። ምስ ኣክኣብ ከዓ መውስቦ ገበረ። 2ድሕሪ ቑሩብ ዓመታት ከዓ ንኣክኣብ ክሪኦ ናብ ሰማርያ ወረደ። ኣክኣብ ድማ ንኢዮሳፍጥን ነቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ብዙሓት ኣባጊዕን ከፍትን ሓረደሎም። ምስኡውን ናብ ሬማት ዘገለዓድ ክኸይድ ሓባበሎ። 3ሽዑ ኣክኣብ ንጉስ እስራኤል፥ ንኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳ “ናብ ሬማት ዘገለዓድ ምሳይ ክትከይድዶ ትደሊ ኢኻ?” ኢሉ ጠየቖ።
ኢዮሳፍጥ ድማ ንንጉስ እስራኤል “ኣነ ኸማኻ እየ፤ ህዝበይ ከዓ ኸም ህዝብኻ እዩ፤ ናብቲ ውግእውን ምሳኻ ኽንከይድ ኢና” ኢሉ መለሰሉ። 4ኢዮሳፍጥ መሊሱ “ኣቐዲምካ ግና ንእግዚኣብሄር ክትጥይቕ እልምነካ ኣለኹ” በሎ።
5ሽዑ ንጉስ እስራኤል ኣክኣብ ነቶም ኣርባዕተ ሚእቲ ዝኾኑ ነቢያት ኣኪቡ “ናብ ሬማት ዘገለዓድ ንውግእ ክንከይድዶ ወይ ክንተርፍ?” በሎም። ንሳቶም ከዓ “እግዚኣብሄር ናብ ኢድ ንጉስ ኣሕሊፉ ኽህቦም እዩሞ ደይብ” በልዎ።
6ንጉስ ይሁዳ ኢዮሳፍጥ ከዓ “ክንጥይቖ እንኽእል ካልእ ነቢይ እግዚኣብሄርዶ ኣብዙይ የለን እዩ?” በለ።
7ኣክኣብ ንጉስ እስራኤል ከዓ ንኢዮሳፍጥ “ብእኡ ጌርና ንእግዚኣብሄር ክንጥይቐሉ እንኽእል ካልእ ሰብ እባ ኣሎ፤ ንሱ ኸዓ ሚክያስ ወዲ ዪምላ እዩ። ግና ንሱ ንኣይ ኵልሻዕ ክፉእ እምበር፥ ፅቡቕ ኣይንበየለይን እዩሞ፥ ኣነ እፀልኦ እየ” በሎ። ኢዮሳፍጥ ግና “ኣይፋልካን ንጉስ፥ ከምኡ ኣይትበል” በሎ።
8ሽዑ ኣክኣብ ንጉስ እስራኤል ንሓደ ኻብቶም ሹመኛታቱ ፀዊዑ “ንሚክያስ ወዲ ይምላ ቐልጢፍካ ኣምፅኣዮ” ኢሉ ኣዘዞ።
9ኣክኣብ ንጉስ እስራኤልን ኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳን ልብሰ መንግስቶም ለቢሶም ኣብ ዘዙፋኖም ኣብ ኣፍ ደገ ሰማርያ ኣብ ዘሎ ኣደባባይ ተቐሚጦም ነበሩ። ኵሎም እቶም ነቢያት ድማ ኣብ ቅድሚኣቶም ኮይኖም ይንበዩ ነበሩ። 10ሓደ ኻብኣቶም ሴዴቅያስ ወዲ ክንዓና ኸዓ ኣቕርንቲ ሓፂን ሰሪሑ “እግዚኣብሄር ‘ንሶርያውያን ክሳዕ ዝውድኡ በዚኣተን ክትወግኦም ኢኻ’ ይብል ኣሎ” ኢሉ ተነበየ።
11ኵሎም እቶም ነቢያት ድማ ኸምኡ “ንሬማት ዘገለዓድ ውረራ፤ እግዚኣብሄር ኣብ ኢድካ ኣሕሊፉ ኽህበካ እዩ” ኢሎም ይንበዩ ነበሩ።
12እቲ ንሚክያስ ኽፅውዖ ዝኸደ ልኡኽ ከዓ “እንሆ፥ እቶም ነቢያት ከም ሓደ ኣፍ ኮይኖም ነቲ ንጉስ ፅቡቕ ይንበዩሉ ኣለዉ፤ ንስኻ ድማ ኸምቲ ናታቶም ፅቡቕ ተነበ” በሎ።
13ሚክያስ ግና “እቲ ኣምላኸይ ዝበለኒ ኸም ዝዛረብ ብህያው እግዚኣብሄር እምሕል ኣለኹ” በለ።
14ናብ ንጉስ ኣክኣብ ምስ መፀ ድማ እቲ ንጉስ “ሚክያስ! ንሬማት ዘገለዓድ ከይድናዶ ኽንወግኣ ወይ ክንተርፍ?” በሎ። ሚክያስ “ኪዱ ደኣ፥ ክቐንዐኩም እዩ፤ ኣብ ኢድኩም ኣሕሊፉ ኽህበኩም እዩ” በሎ።
15እቲ ንጉስ ድማ “ብስም እግዚኣብሄር ክትዛረበኒ እንተለኻ፥ ሓቂ ጥራሕ እምበር ካልእ ከይትዛረበኒ፥ ኣነ ኽንደይ ሻዕ ከምሕለካ እየ?” በሎ።
16ነቢይ ሚክያስ ከዓ “ንዅሉ ሰራዊት እስራኤል ጓሳ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ ኣብ እምባታት ፋሕ ኢሎም ረአኽዎም። እግዚኣብሄር ድማ ‘እዚኣቶም ጐይታ የብሎምን፤ ነፍሲ ወከፍ ብሰላም ነናብ ቤቱ ይመለስ’ ” በለ። #ዘሑ. 27፡17፥ ሕዝ. 34፡5፥ ማቴ. 9፡36፥ ማር. 6፡34።
17እቲ ንጉስ እስራኤል ከዓ ንኢዮሳፍጥ፥ “እዙይ ንኣይ ክፉእ እምበር ፅቡቕ ኣይንበየለይን እዩንዶ ኣይበልኩኻን?” በሎ።
18ሚክያስ ድማ ኸምዙይ በለ “እግዚኣብሄር ዝብሎ ስምዑ፤ እግዚኣብሄር ኣብ ዙፋኑ ተቐሚጡ፥ ኵሎም መላእኽቲ ሰማይ ከዓ ብየማኑን ብፀጋሙን ቆይሞም ረአኹ። 19እግዚኣብሄር ድማ ‘ንኣክኣብ ንጉስ እስራኤል ናብ ሬማት ዘገለዓድ ደዪቡ ኽዋጋእ እሞ ኣብኣ ኽመውትስ፥ መን የጋግዮ?’ በለ፤ ሽዑ ሓደ ኸምዙይ በለ፤ ሓደ ድማ ኸምቱይ በለ። 20ሽዑ ሓደ መንፈስ ወፀ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው ኢሉ ድማ ‘ኣነ ኸጋግዮ እየ’ በለ። እግዚኣብሄር ከዓ ‘ከመይ ጌርካ?’ በሎ።
21“ንሱ ድማ ‘ወፂአ ኣብ ኣፍ ኵሎም ነቢያቱ ሓሳዊ መንፈስ ክኸውን እየ’ በለ። እግዚኣብሄር ከዓ ‘ንስኻስ ክተጋግዮ ትኽእል ኢኻ እሞ ኼድካ ኸምኡ ግበር’ በሎ።
22“ሕዚ ድማ፥ እንሆ፥ ኣብ ኣፍ እዞም ኵሎም ነቢያትካ እዚኣቶም እግዚኣብሄር ሓሳዊ መንፈስ ኣንቢሩ ኣሎ። ኣብ ልዕሌኻ ኸዓ እግዚኣብሄር ጥፍኣት ኣዚዙ ኣሎ።”
23ሽዑ ሴዴቅያስ ወዲ ክንዓና ቐሪቡ ንሚክያስ ጕንዲ እዝኑ ፀፍዖ፤ “እቲ መንፈስ እግዚኣብሄር ንኣይ ከመይ ሓሊፉ እዩ ብኣኻ ዝዛረብ?” በሎ።
24ሚክያስ ከዓ “እንሆ፥ በቲ ጊዜ ውግእ ናብ ውሻጠ እትሕብአላ መዓልቲ ሽዑ ኽትፈልጦ ኢኻ” በሎ።
25ንጉስ እስራኤል ኣክኣብ ድማ ኸምዙይ በለ፦ “ንሚክያስ ሒዝኩም ናብ ኣሞን ሹም እታ ኸተማን ናብቲ ወዲ ንጉስ ኢዮኣስን ውሰድዎ። 26‘ኣነ ኽሳዕ ዝምለስ፥ ነዝ ሰብኣይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእትውዎ፤ እንጀራ መከራን ማይ መከራን ከዓ ሃብዎ፤ ይብል ኣሎ ንጉስ’ ኢልኩም ንገርዎም” በለ።
27ነቢይ ሚክያስ ድማ “ርግፅ ብሰላም እንድሕር ተመሊስካ፥ እምበኣር እግዚኣብሄር ብኣይ ኣይተዛረበን” ኢሉ መለሰሉ። ወሲኹ ኸዓ “ኣቱም ህዝቢ፥ ኵልኻትኩም ስምዑኒ” በለ።
ሞት ኣክኣብ ኣብ ሬማት ዘገለዓድ
(1 ነገ. 22፡29-35)
28ሽዑ ኣክኣብ ንጉስ እስራኤልን ኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳን ናብ ሬማት ዘገለዓድ ክዋግኡ ደየቡ። 29ንጉስ እስራኤል ኣክኣብ ድማ ንኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳ “ኣነ ኻልእ ሰብ መሲለ ናብ ውግእ ክኣቱ እየ፤ ንስኻ ግና ልብሰ መንግስትኻ ልበስ” በሎ። ንጉስ እስራኤል ከዓ ኻልእ ሰብ መሲሉ ናብ ውግእ ኣተወ።
30ንጉስ ሶርያ ኸዓ ነቶም ኣሕሉቕ ሰረገላታቱ “ንንጉስ እስራኤል ጥራሕ ደኣ እምበር፥ ምስ ንእሽተይ ኮነ ምስ ዓብዪ ኣይትዋግኡ” ኢሉ ኣዚዙዎም ነበረ። 31እቶም ኣሕሉቕ ሰረገላታት ድማ፥ ንኢዮሳፍጥ ምስ ረአይዎ “እዙይ ርግፅ እቲ ንጉስ እስራኤል እዩ” በሉ፤ ክዋግእዎ ኸዓ ኸበብዎ ኢዮሳፍጥ ግና ኣእወየ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ኸድሕኖ ኢሉ ንፀላእቱ ኻብኡ መለሶም። 32እቶም ኣሕሉቕ ሰረገላታት ከዓ ንሱ ንጉስ እስራኤል ከም ዘይኮነ ምስ ረአዩ፥ ንእኡ ኻብ ምስጓጕ ተመለሱ።
33ግና ሓደ ሰብኣይ ቀስቱ ገቲሩ ናብ ዝወረደት ትረድ ኢሉ ፍላፃ ሰደደ እሞ፥ ንኣክኣብ ንጉስ እስራኤል በቲ መጋጠሚ ድርዒ ወግኦ። እቲ ንጉስ ሽዑ ነቲ መራሒ ሰረገላኡ “ተወጊአ እየ እሞ ተመለስ፤ ካብዝ ውግእ እዙይ ኣውፅአኒ” በሎ። 34በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ እቲ ውግእ በርትዐ፤ ንጉስ ኣክኣብ ከዓ ኣብ ሰረገላኡ ተደጊፉ ንሶርያውያን ኣማዕድዩ ይሪኦም ነበረ። ፀሓይ ክትዓርብ እንተላ ኸዓ ሞተ።

Currently Selected:

2ይ ዜና 18: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

Video for 2ይ ዜና 18