1ይ ሳሙኤል 4
4
ታቦት ኪዳን ከም ዝተማረኸት
1ቃል ሳሙኤል ከዓ ኣብ ኵሉ እስራኤል ተሰምዐ።
ደቂ እስራኤል ድማ ምስ ፍልስጥኤማውያን ክዋግኡ ወፁ፤ ኣብ ጥቓ ኣቤንዔዘርውን ሰፈሩ። ፍልስጥኤማውያን ከዓ ኣብ ኣፌቅ ሰፈሩ። #4፡1 ኣፌቅ፦ “ረድኤት እምኒ” ማለት እዩ። 2ፍልስጥኤማውያን ድማ ምስ እስራኤል ክዋግኡ ተሰለፉ። እቲ ውግእ ምስ በርትዐ ድማ፥ እስራኤል ብፍልስጥኤማውያን ተስዓሩ፤ ኣብቲ ዝተሰለፉሉ በረኻ ኣስታት ኣርባዕተ ሽሕ እስራኤላውያን ሞቱ። 3እቶም ተዋጋእቲ ናብ ሰፈሮም ምስ ተመለሱ፥ እቶም ዓበይቲ እስራኤል፥ “ስለ ምንታይ ኮን እዩ እግዚኣብሄር ሎሚ ኣብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያን ከም እንሰዓር ዝገበረና? እምበኣር ኣብ ማእኸልና ኾይኑ ኻብ ኢድ ፀላእትና ምእንቲ ኸድሕነና፥ ንታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ካብ ሴሎ ናባና ነምፅኣዮ” በሉ።
4 #
ዘፀ. 25፡22። እቶም ህዝቢ ናብ ሴሎ ልኢኾም፥ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ዝነብር ናይቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ታቦት ኪዳን ኣምፅእዎ። ክልቲኦም ደቂ ኤሊ፥ ኦፍኒን ፊንሓስን ድማ ምስቲ ታቦት ኪዳን ኣምላኽ መፁ።
5እቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ናብ ሰፈር ምስ ኣተወ፥ ኵሎም እስራኤል ምድሪ ኽሳዕ እትናወፅ ብዙሕ ዓለሉ። 6ፍልስጥኤማውያን ከዓ እቲ ድምፂ ዕልልታ ምስ ሰምዑ “እዝ ኣብ ሰፈር ዕብራውያን ዝስማዕ ዘሎ ድምፂ ብዙሕ ዕልልታስ እንታይ ኮን እዩ?” በሉ። ታቦት እግዚኣብሄር ናብ ሰፈሮም ከም ዝኣተወ ኸዓ ፈለጡ። 7ፍልስጥኤማውያን የመና ፈርሑ፤ “ኣምላኽ ናብ ሰፈሮም መፂኡ እዩ” እውን በሉ። ንሳቶም ከዓ “ቅድሚ ሕዚ ኸምዙይ ዝበለ ነገር ኮይኑ ኣይፈልጥን እሞ፥ ወይለና! 8ንግብፃውያን ብዅሉ ዓይነት መዓት ኣብ ምድረ በዳ ዝወቕዕዎም እዞም ኣማልኽቲ እዚኣቶም እዮም እሞ፥ ወይለና! ኻብ ኢድ እዞም ሓያላት ኣማልኽቲ እዚኣቶም መን ከድሕነና እዩ? 9ኣቱም ፍልስጥኤማውያን፥ ከምቲ ንሳቶም ባሮትኩም ዝነበሩ፥ ንስኻትኩም ከዓ ባሮት ዕብራውያን ከይትኾኑስ፥ ፅንዑ፤ ሰብኡት ኩኑ፤ እወ፥ ሰብኡት ኩኑ፤ ተዋግኡ” በሉ።
10ሽዑ ፍልስጥኤማውያን ተዋግኡ፤ ደቂ እስራኤል ከዓ ተስዓሩ፤ ነፍሲ ወከፍ ድማ ነናብ ድንኳኑ ሃደመ። እቲ ውግእ ከዓ የመና በርትዐ እሞ፥ ካብ እስራኤል ሰላሳ ሽሕ ኣጋር ወደቑ። 11ታቦት እግዚኣብሄር ተማረኸ፤ ክልቲኦም ደቂ ኤሊ፥ ኦፍኒን ፊንሓስን እውን ሞቱ።
ሞት ኤሊ
12በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ሓደ ብንያማዊ ሰብኣይ ብሓዘን ክዳውንቱ ቐዲዱ፥ ኣብ ርእሱ ሓመድ ነስኒሱ፥ ካብቲ ውግእ ናብ ሴሎ ጐይዩ መፀ። 13ንሱ ኽመፅእ እንተሎ፥ እንሆ ኤሊ ብዛዕባ ታቦት ኣምላኽ ተጨኒቑ ነበረ እሞ፥ ኣብ ወሰን መንገዲ ኣብ መንበር ተቐሚጡ የማዕዱ ነበረ። እቲ ሰብኣይ ናብ ከተማ ኣትዩ ምስ ኣውረየ፥ ብዘላ እታ ኸተማ ዋይ ዋይ በለት። 14ኤሊ ድማ ድምፂ እቲ ዋይ ዋይታ ምስ ሰምዐ፥ “እዝ ድምፂ ዋይ ዋይታ እዙይ እንታይ ኮን እዩ?” በለ። እቲ ሰብኣይ ከዓ ቐልጢፉ ናብ ኤሊ መፂኡ ነገሮ። 15ኤሊ ግና ወዲ ተስዓን ሸሞንተን ዓመት ኮይኑ ነበረ እሞ፥ ኣዒንቱ ፈዚዘን ክርኢ ኣይከኣለን። 16እቲ ሰብኣይ ንኤሊ “ካብቲ ውግእ ሃዲመ መፂአ እኒሀኹ” በሎ። ንሱ ኸዓ “ወደይ! ኩነታት ከመይ ኮነ?” ኢሉ ጠየቖ።
17እቲ ወረ ዘምፅአ ሰብኣይ ድማ “ህዝቢ እስራኤል ኣብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያን ሃዲሞም፤ ብዙሕ ሰብውን ተወዲኡ፤ ክልቲኦም ደቅኻ ኦፍኒን ፊንሓስን ከዓ ሞይቶም፤ ታቦት እግዚኣብሄርውን ተማሪኹ” ኢሉ መለሰሉ።
18እቲ ሰብኣይ ምምራኽ ታቦት እግዚኣብሄር ምስ ነገሮ፥ ኤሊ ኣሪጉ፥ ሰብነቱውን ግዙፍ ስለ ዝነበረ፥ ካብቲ ተቐሚጥዎ ዝነበረ መንበር ኣብ ጥቓ እቲ በሪ ንድሕሪት ወደቐ። ክሳዱ ተሰይሩ ድማ ሞተ። ንሱ ንእስራኤል ኣርብዓ ዓመት ዝመርሖም እዩ።
19ሰበይቲ ፊንሓስ ወዱ ድማ ሕርሳ ዝቐረበ ጥንስቲ ነበረት እሞ፥ ታቦት እግዚኣብሄር ከም ዝተማረኸ፥ ሓሙኣን ሰብኣያን ከዓ ኸም ዝሞቱ ወረ ምስ ሰምዐት፥ ሕርሲ ተትሓዘት እሞ፥ ብብርቱዕ ፃዕሪ ወለደት። 20ንሞት ምስ ቀረበት ከዓ፥ እተን ኣብ ዙርያኣ ደው ኢለን ዝነበራ ኣንስቲ “ወዲ ወሊድኪ ኢኺ እሞ፥ ኣይትፍርሒ” በላኣ። ንሳ ግና ሓደኳ ኣይመለሰትን፥ ኣየቕለበትሉንውን። 21ታቦት እግዚኣብሄር ስለ ዝተማረኸ፥ ሓሙኣን ሰብኣያንውን ስለ ዝሞቱ፥ ክብሪ ኻብ እስራኤል ረሓቐ ብምባል፥ ነቲ ህፃን “ኢካቦድ” ኢላ ሰመየቶ። #4፡21 ኢካቦድ፦ “ክብሪ ዘይብሉ” ማለት እዩ። 22ንሳ ድማ “ታቦት እግዚኣብሄር ተማሪኹ እዩ እሞ፥ ክብሪ ኻብ እስራኤል ረሓቐ” በለት።
Currently Selected:
1ይ ሳሙኤል 4: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in