1ይ ሳሙኤል 5
5
ታቦት እግዚኣብሄር ኣብ ኣሽዶድን ኣቃሮንን
1ፍልስጥኤማውያን ድማ ንታቦት እግዚኣብሄር ካብ ኤብንዔዘር ወሲዶም ናብ ኣዛጦን ኣምፅእዎ። 2ናብ ቤት ዳጎን ኣእትዮም ከዓ ኣብ ጥቓ ዳጎን ኣቐመጥዎ። 3ሰብ ኣዛጦን ድማ ንፅባሒቱ ኣንጊሆም ምስ ተስኡ፥ ዳጎን ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ብግምባሩ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ረኸብዎ። ኣልዒሎም ከዓ ናብ ስፍራኡ መለስዎ። 4ንፅባሒቱ ኣንጊሆም ምስ ተስኡ ድማ፥ ዳጎን ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ብግምባሩ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ረኸብዎ፤ ርእሲ ዳጎንን ክልቲአን ግናዕ ኣእዳዉን ከዓ ተቘሪፀን ኣብ ድርኵዂት ወዲቐን ነበራ፤ እቲ ማእኸላይ ኣካሉ ጥራሕ ተሪፉ ነበረ። 5ስለዙይ ነታ ኣብ ኣዛጦን ዘላ ድርኵዂት ዳጎን፥ ካህናት ዳጎን ኮኑ ወይ ኵሎም ናብ ቤት ዳጎን ዝኣትዉ፥ ኣብ ኣዛጦን ንዘሎ መድረኽ ዳጎን ክሳዕ ሎሚ ኣይረግፁን እዮም።
6መቕፃዕቲ እግዚኣብሄር ድማ ንሰብ ኣዛጦን ከበደቶም፤ ንኣኣቶምን ነቶም ኣብ ዙርያኦም ዘለዉ ህዝብን ብሕበጥ ወቒዑ ኣጥፍኦም። 7ሰብ ኣዛጦን ከዓ እቲ ዝኾነ ምስ ረአዩ፥ “እግዚኣብሄር ንኣናን ንዳጎን ኣምላኽናን ይቐፅዐና ኣሎ እሞ፥ ታቦት ኣምላኽ እስራኤል ምሳና ኣይንበር” በሉ። 8ልኡኻት ሰዲዶም ከዓ ንዅሎም ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን ኣኪቦም፥ “ንታቦት ኣምላኽ እስራኤል እንታይ ንግበሮ” በሉ። ንሳቶም ከዓ “ታቦት ኣምላኽ እስራኤል ናብ ጌት ይኺድ” በሉ። ስለዙይ ንታቦት ኣምላኽ እስራኤል ናብኡ ኣግለስዎ።
9ናብ ጌት ምስ ወሰድዎ ኸዓ እግዚኣብሄር ነታ ኸተማ ብዓብዪ ድንጋፀ ቐፅዓ፤ እቶም ህዝቢ እታ ኸተማ ኸዓ ብየመና ዓብዪ ፍርሒ ኣዕገርገሩ። ንሰብ እታ ኸተማውን፥ ካብ ንእሽተይ ክሳዕ ዓብዪ ብሕማም ሕበጥ ቀፅዖም። 10ሽዑ ንታቦት እግዚኣብሄር ናብ ኣስቀሎና ሰደድዎ። እቲ ታቦት ኣምላኽ ናብ ኣስቀሎና ምስ መፀ፥ እቶም ኣስቀሎናውያን “ንኣናን ንህዝብናን ምእንቲ ኽቐትሉናስ፥ ታቦት ኣምላኽ እስራኤል ኣምፂኦምልና” ኢሎም ኣእወዩ። 11ቅፅዓት እግዚኣብሄር ከዓ ኣብኣ የመና ስለ ዝኸበደ፥ ንዅላ እታ ኸተማውን ፍርሓት ሞት ስለ ዝሓዛ፥ ንዅሎም ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን ኣኪቦም “እዝ ታቦት ኣምላኽ እስራኤል ንኣናን ንህዝብናን ምእንቲ ኸይቐትለናስ፥ ስደድዎ፤ ናብ ስፍራኡ ኸዓ ይመለስ” በሉ። 12እቶም ዘይሞቱ ሰባት ድማ ሕበጥ ወቕዖም፤ ኣውያት እታ ኸተማ ኸዓ ኽሳዕ ሰማይ ደየበ።
Currently Selected:
1ይ ሳሙኤል 5: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in