YouVersion Logo
Search Icon

1ይ ሳሙኤል 13

13
ሳሙኤል ንሳኦል ከም ዝገሰፆ
1ሳኦል ኣብ እስራኤል ክልተ ዓመት ምስ ነገሰ፥
2ሳኦል ካብ እስራኤል ሰለስተ ሽሕ ሰባት ሓረየ። ክልተ ሽሕ ምስኡ ኣብ ማክማስን ኣብ ኰረብታታት ቤቴልን ነበሩ። ሓደ ሽሕ ከዓ ምስ ዮናታን ኣብ ገባዖን ናይ ብንያም ነበሩ። ነቲ ዝተረፈ ህዝቢ ግና ንነፍሲ ወከፍ ነናብ ድንኳኑ ሰደዶ።
3ዮናታን ድማ ነቲ ኣብ ናሲብ ሰፊሩ ዝነበረ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ወቕዖ። ፍልስጥኤማውያን ከዓ እዙይ ሰምዑ። ሳኦል ድማ “ዕብራውያን ይስምዑ” ኢሉ ኣብ ኵላ እታ ሃገር መለኸት ነፍሐ። 4ኵሎም እስራኤል ከዓ፥ ሳኦል ንዅሎም ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ከም ዝወቕዖምን፥ እስራኤል ድማ ብፍልስጥኤማውያን ከም እተፀልኡን ሰምዑ። እቶም ህዝቢ ኸዓ ንሳኦል ንምኽታል ናብ ጌልገላ ተኣከቡ።
5ፍልስጥኤማውያን ድማ ሰላሳ ሽሕ ሰረገላ፥ ሽዱሽተ ሽሕ ፈረሰኛ፥ ብዝሒ ህዝቢ ድማ ኸምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑፃ ኾይኖም ምስ እስራኤል ክዋግኡ ተኣከቡ። ደዪቦም ኣብታ ኣብ ምብራቕ ቤት ኣዌን ዘላ ማክማስ ሰፈሩ። 6እቶም ሰብ እስራኤል፥ ፍልስጥኤማውያን ንሰራዊቶም ከም ዘፅበቡሎም ምስ ረአዩ፥ ኣብ በዓትታትን ኣብ ዱርን ኣብ ኣኻውሕን ኣብ ጐዳጕድን ኣብ ዒላታትን ተሓብኡ። 7ገሊኣቶም ዕብራውያን ከዓ ንዮርዳኖስ ተሳጊሮም ናብ ምድሪ ጋድን ገለዓድን ከዱ።
ሳኦል ግና ገና ኣብ ጌልገላ ነበረ፤ ኵሎም እቶም ምስኡ ዝነበሩ ህዝቢ ኸዓ ብፍርሒ እናንቀጥቀጡ ተኸተልዎ። 8ሳኦል ከዓ ኸምቲ ሳሙኤል ዝመደበሉ ሸውዓተ መዓልቲ ተፀበየ፤ ሳሙኤል ግና ናብ ገለዓድ ኣይመፀን። እቲ ህዝቢ ድማ ንሳኦል ሓዲግዎ ፋሕ ክብል ጀመረ። #1 ሳሙ. 10፡8። 9ሽዑ ሳኦል “ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ናብዙይ ኣምፅኡለይ” በለ። ባዕሉ ኸዓ ዝቃፀል መስዋእቲ ሰውአ። 10ነቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ኣዕሪጉ ምስ ፈፀመ ኸዓ ሳሙኤል መፀ። ሳኦል ከዓ ኽቕበሎ ወፀ።
11ሳሙኤል ድማ “እንታይ ግብሩ ኢኻ ዝገበርካ” በሎ። ሳኦል ከዓ “እቲ ህዝቢ ኻባይ ፋሕ ከም ዝበለ፥ ንስኻ ድማ በተን ዝተመደባ መዓልቲታት ከም ዘይመፃእኻ፥ ፍልስጥኤማውያንውን ኣብ ማክማስ ከም ዝተኣከቡ ረአኹ። 12ስለዙይ ‘ገና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከይፀለኹ እንተለኹ፥ ፍልስጥኤማውያን ናባይ ናብ ጌልገላ ሕዚ ኽወርዱ እዮም’ ኢለ ስለ ዝሓሰብኩ ደፊረ ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕረብኩ” በሎ።
13ሳሙኤል ድማ ንሳኦል ከምዙይ በሎ፦ “እቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝኣዘዘካ ትእዛዝ ብዘይምሕላውካ ዓሺኻ። ትእዛዙ ሓሊኻ እንተ እትኸውን፥ ሕዚ እግዚኣብሄር ንመንግስትኻ ኣብ እስራኤል ንሓዋሩ መፅንዐልካ ነይሩ። 14ሕዚ ግና እቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዘካ ስለ ዘይሓለኻ፥ መንግስትኻ ኣይትቐውምን እያ። እግዚኣብሄር ከም ልቡ ዝኾነ ሰብ ረኺቡ፥ ንእኡ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ሸይምዎ ኣሎ” በሎ። #ግ.ሓ. 13፡22።
15ሳሙኤል ድማ ኻብ ጌልገላ ተልዒሉ፥ ናብ ገባዖን ናይ ብንያም ደየበ። ሳኦል ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ህዝቢ ቘፀሮም፤ ኣስታት ሽዱሽተ ሚእቲ ኸዓ ኾኑ።
እስራኤል ኣፅዋር ከም ዘይነበሮም
16ሳኦልን ዮናታን ወዱን እቶም ምስኣቶም ዝነበሩ ህዝብን ኣብ ገባዖን ናይ ብንያም ሰፊሮም ነበሩ፤ ፍልስጥኤማውያን ድማ ኣብ ማክማስ ሰፊሮም ነበሩ። 17ካብቲ ሰፈር ፍልስጥኤማውያን ከዓ ወረርቲ ብሰለስተ ኽፍሊ ኾይኖም ወፁ፤ እቲ ሓደ ኽፍሊ ናብ ኤፍራታ ናይ ምድሪ ሶጋል ኣቢሉ ኸደ። 18እቲ ኻልኣይ ክፍሊ ኸዓ ናብ ቤትሖሮን ኣቢሉ ኸደ፤ እቲ ሳልሳይውን ናብቲ ኣብ ለሰ ሰቦይም ማዕዶ ወሰን፥ ብወገን ምድረ በዳ ኣቢሉ ኸደ።
19ፍልስጥኤማውያን ድማ “ዕብራውያን ሰይፊ ወይ ኲናት ኣይስርሑ” ኢሎም ስለ ዝነበሩ፥ ኣብ ኵሉ ሃገር እስራኤል ቀጥቃጢ ሓፂን ኣይነበረን። 20ስለዙይ ብልሒ ማሕረሻን መባሮታትን ማሕፀታትን ማዕፂዳትን ምስ ጐተመ፥ ኵላቶም እስራኤል ናብ ፍልስጥኤማውያን ይወርዱ ነበሩ። 21ንማሕረሻን መባሮን በርባዕተ ግራም ብሩር፥ ንመስአን ማህፀን ሓንካሾን ከዓ ብሸሞንተ ግራም ብሩር የብልሑ ነበሩ።
22ብመዓልቲ ውግእ ብዘይ ሳኦልን ዮናታን ወዱን፥ እቶም ምስኣቶም ዝነበሩ ህዝቢ ሰይፊ ኾነ ዂናት ኣይነበሮምን።
23ሓደ ኽፍሊ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ከዓ ናብቲ መሳገሪ ማክማስ ወፀ።

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in