1ይ ሳሙኤል 14
14
ዮናታን ንፍልስጥኤማውያን ከም ዝሰዓሮም
1ሓደ መዓልቲ ድማ፥ ከምዙይ ኮነ፦ ዮናታን ወዲ ሳኦል፥ ነቦኡ እንተይነገረ፥ ነቲ ኣፅዋሩ ዝስከም መንእሰይ፥ “ንዓናይ፥ ናብቲ ኣብ ማዕዶ ዘሎ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ንሳገር” በሎ።
2ሳኦል ከዓ ኣብ ወሰን ጊብዓ፥ ኣብ ትሕቲ እታ ኣብ መጌዶል ዘላ ኦም ሮማን ተቐሚጡ ነበረ፤ እቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝቢ ኸዓ ኣስታት ሽዱሽተ ሚእቲ ሰብ ነበረ። 3ኤፉድ ዝፀውር ከዓ ኣሒያ ወዲ ኣኪጡብ፥ ወዲ ሓዉ ንኢካቦድ ምስኣቶም ነበረ። ኢካቦድ ወዲ ፊንሓስ፥ ወዲ እቲ ኣብ ሴሎ ኻህን እግዚኣብሄር ዝነበረ ኤሊ እዩ። እቲ ህዝቢ ኸዓ ዮናታን ከም ዝኸደ ኣይፈልጥን ነበረ።
4በታ ዮናታን ናብ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ክሳገረላ ዝደለየ መሳገሪ፥ ብኽልቲኡ ወገና ጨላቝ ኣኻውሕ ነበረ። እቲ ሓደ ቦፄፅ፥ እቲ ኻልኣይ ድማ ሴኔ ይበሃል ነበረ። 5እቲ ሓደ ጨላቝ ኰዅሒ ብወገን ሰሜን ኣብ መንፅር ማክማስ፥ እቲ ኻልኣይ ከዓ ብወገን ደቡብ ኣብ መንፅር ጊብዓ ደው ኢሎም ነበሩ።
6ዮናታን ድማ ነቲ ኣፅዋሩ ዝስከም መንእሰይ “እግዚኣብሄር ብብዙሓት ኮነ ብውሑዳት ገይሩ ኸድሕን ይኽእል እዩ እሞ፥ ምናልባሽ እግዚኣብሄር ይሕግዘና ይኸውን፥ ንዓናይ፥ ናብ ጭፍራ እዞም ዘይግሩዛት ሰባት ንሳገር” በሎ።
7እቲ ኣፅዋሩ ዝስከም መንእሰይ ድማ፥ “ኵሉ ኣብ ልብኻ ዘሎ ግበር፤ ንስኻ ምራሕ፤ ኣነውን እኒሀኹ ብምሉእ ልበይን ቀልበይን ምሳኻ እየ” በሎ።
8ሽዑ ዮናታን “ንዓናይ እምበኣር ናብቶም ሰባት ንሳገር፤ ከም ዝሪኡና ኸዓ ንግበር። 9ንሳቶም ‘ክሳዕ እንመፀኩም ፅንሑ’ እንተ በሉና፥ ንሕና ኣብ ዘለናዮ ንፀንሕ፤ ናብኣቶም ኣይንደይብ። 10‘ናባና ደይቡ’ እንተ በሉና ግና፥ እግዚኣብሄር ንኣኣቶም ኣብ ኢድና ኣሕሊፉ ኸም ዝሃበና እዙይ ምልክት እዩ እሞ፥ ናብኣቶም ንድይብ” በሎ።
11ክልቲኦም ድማ ነቶም ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ተርኣይዎም። ፍልስጥኤማውያን ከዓ “እንሆ፥ ዕብራውያን ካብቲ ተሓቢኦምዎ ዝነበሩ ጐዳጕዲ ይወፁ ኣለዉ” በሉ። 12እቶም ናይቲ ጭፍራ ሰባት ድማ ንዮናታንን ነቲ ኣፅዋር ዝስከመሉ መንእሰይን “ሓደ ነገር ክነርእየኩምስ ናባና ደይቡ” ኢሎም ፀውዕዎም። ዮናታን ከዓ ነቲ ኣፅዋር ዝስከመሉ መንእሰይ፥ “እግዚኣብሄር ኣብ ኢድ እስራኤል ኣሕሊፉ ሂብዎም እዩ እሞ፥ ደድሕረይ ደይብ” በሎ።
13ዮናታን ድማ በእዳዉን በእጋሩን እናተቛናጠጠ ደየበ። እቲ ኣፅዋር ዝስከመሉ መንእሰይ እውን ደድሕሪኡ ሰዓበ። ፍልስጥኤማውያን ከዓ ኣብ ቅድሚ ዮናታን ወደቑ፤ እቲ መንእሰይውን ደድሕሪኡ ስዒቡ ቐተሎም። 14በቲ ዮናታንን እቲ ኣፅዋር ዝስከም መንእሰይን ኮይኖም ዝተዋግኡሉ ቐዳማይ ውግእ፥ መውዓሊ ፅምዲ ኣብ እትኣክል ሕሩስ ኣስታት ዕስራ ሰባት ቀተሉ።
እስራኤል ንፍልስጥኤማውያን ከም ዝወድእዎም
15ሽዑ ኣብ ሰፈርን ኣብ በረኻን ኣብ ኵሉ ህዝቢ ፍልስጥኤምን ሽብር ኮነ፤ እቶም ጭፍራን እቶም ወረርትን ከዓ ኣንቀጥቀጡ። እግዚኣብሄር ፍርሓት ሰደደሎም፤ እታ ምድሪ ድማ ተናወፀት።
16እቶም ኣብ ገባዖን ናይ ብንያም ዝነበሩ ዘብዐኛታት ሳኦል ከዓ፥ እንሆ እቲ ሰራዊት ብዅሉ ወገን እናተጓየየ ኽብተን እንተሎ ረአዩ። 17ሽዑ ሳኦል ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ህዝቢ “ቈፂርኩም ካባና መን ከም ዝኸደ ረአዩ” በሎም። ንሳቶም ምስ ቈፀሩ ኸዓ እንሆ ዮናታንን እቲ ኣፅዋሩ ዝስከም መንእሰይን ኣብኡ ኣይነበሩን።
18በታ መዓልቲ እቲኣ ኣኪያ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ኤፉድ ተኸዲኑ ነበረሞ፥ ሳኦል ንኣኪያ “ነቲ ኤፉድ ታቦት እግዚኣብሄር ናብዙይ ኣምፅኣዮ” በሎ። 19ሳኦል ምስቲ ኻህን ክዛረብ እንተሎ ኸዓ፥ እቲ ኣብ ሰፈር ፍልስጥኤማውያን ዝነበረ ዕግርግር የመና እናበርትዐ ኸደ። ሳኦል ከዓ ነቲ ኻህን “ኢድካ ኣክብ” በሎ።
20ሳኦልን እቲ ዅሉ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ከዓ ተኣኪቦም ናብቲ ውግእ ኣተዉ። እንሆ ድማ ናይ ሕድሕድ ሰይፊ ኣብ ልዕሊ ብፃዩ ነበረ። የመና ብርቱዕ ድንጋፀ ኸዓ ኾነ። 21እቶም ቅድም ምስ ፍልስጥኤማውያን ዝነበሩ እሞ ኻብቲ ኸባቢ ምስኣቶም ናብቲ ሰፈር ዝደየቡ ዕብራውያን እውን ምስቶም ምስ ሳኦልን ዮናታንን ዝነበሩ እስራኤላውያን ክኾኑ መፁ። 22እቶም ኣብ ደጕዓ ኤፍሬም ተሓቢኦም ዝነበሩ ዅሎም ሰብ እስራኤል ድማ፥ ፍልስጥኤማውያን ከም ዝሃደሙ ምስ ሰምዑ፥ እግሪ እግሮም ስዒቦም ተዋግኡዎም። 23እግዚኣብሄር ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ንደቂ እስራኤል ኣድሓኖም። እቲ ውግእ ኸዓ ብወገን ቤት ኣዌን ሓለፈ።
ዮናታን መዓር ከም ዝበልዐ
24በታ መዓልቲ እቲኣ ሳኦል “ንፀላእተይ ሕነ ኽሳዕ ዝፈድዮም፥ ክሳዕ ምሸት እንጀራ ዝበልዕ ሰብ ርጉም ይኹን” ኢሉ ነቶም ህዝቢ ኣምሒልዎም ስለ ዝነበረ፥ ሰብ እስራኤል ደኺሞም ነበሩ። ካብቶም ህዝቢ ኸዓ እንጀራ ዝጠዓመ ሓደ እኳ ኣይነበረን።
25ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ ናብ ዱር መፁ፤ ኣብቲ ልዕሊ ምድሪ ኸዓ መዓር ነበረ። 26እቶም ህዝቢ ናብቲ ዱር ምስ መፁ ድማ፥ እንሆ፥ እቲ ቦታ መዓር ይውሕዝ ነበረ፤ እቶም ህዝቢ ግና፥ ነቲ ማሕላ ስለ ዝፈርሑ፥ ማንም ኢዱ ናብ ኣፉ ኣይገበረን። 27ዮናታን ግና ኣቦኡ ነቶም ህዝቢ ኸምሕሎም እንተሎ ኣይሰምዐን ነበረ እሞ፥ ጫፍ እታ ኣብ ኢዱ ዝነበረት በትሪ፥ ናብቲ ወለላ መዓር ጠምዐ፤ ካብኡ ኸዓ በልዐ፤ ኣዒንቱ ድማ በርሃ። 28ሽዑ ኻብቶም ህዝቢ ሓደ ሰብኣይ “ኣቦኻ ‘ሎሚ እንጀራ ዝበልዐ ርጉም ይኹን’ ኢሉ ንህዝቢ ኣፅኒዑ ኣምሒልዎም ስለ ዘሎ እቲ ህዝቢ ደኺሙ ኣሎ” ኢሉ ነገሮ።
29ሽዑ ዮናታን “ኣቦይ ነዛ ምድሪ ጐዲኡዋ። ካብዝ መዓር እዙይ ስለ ዝጠዓምኩ ኣዒንተይ ከም ዝበርሃ ረአዩ። 30እቶም ህዝቢ ሎሚ ኻብዝ ዝረኸብዎ ምርኮ ፀላእቶም ኣፀቢቖም በሊዖም እንተ ዝኾኑ ምውቃዕ ፍልስጥኤማውያን ክንደይ ምዓበየ ነይሩ!” በለ።
31በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ ደቂ እስራኤል ንፍልስጥኤማውያን ካብ ማክማስ ክሳዕ ኤሎን ወቕዕዎም። ደቂ እስራኤል ከዓ እምብዛ ደኸሙ። 32ናብ ምርኮ ሰሲዖም ኣባጊዕን ከፍትን ምራኹትን ወሲዶም ሓረዱ፤ ነቲ ስጋ ኸዓ ምስ ደሙ በልዕዎ። 33ሽዑ “እቲ ህዝቢ ምስ ደሙ ብምብላዑ ንእግዚኣብሄር ይብድል ኣሎ” ኢሎም ንሳኦል ነገርዎ። ንሱ ኸዓ “ንስኻትኩም ከዳዕኹም፤ ሕዚ ዓብዪ እምኒ ኣንከራሪኹም ኣምፅኡለይ” በሎም። #ዘፍ. 9፡4፥ ዘሌ. 7፡26-27፥ 17፡10-14፥ 19፡26፥ ዘዳ. 12፡16፥23። 34ሳኦል ድማ “ናብቲ ህዝቢ ኼድኩም ‘ነፍሲ ወከፍ ብዕራዩን በጊዑን ናባይ የምፅእ፤ ኣብዙይ ከዓ ሓሪድኩም ብልዑ። ምስ ደሙ ብምብላዕ ንእግዚኣብሄር ኣይትበድሉ’ በልዎም” በለ። በታ ለይቲ እቲኣ ነፍሲ ወከፍ ብዕራዩ ኣምፂኡ ሓረደ። 35ሳኦል ድማ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሐ። እዙይ እቲ ሳኦል ንእግዚኣብሄር ዝሰርሐሉ ቐዳማይ መሰውኢ እዩ።
36ሳኦል መሊሱ “ብለይቲ ደድሕሪ ፍልስጥኤማውያን ንውረድ፤ ክሳዕ ዝወግሕ ከዓ ንዝመቶም፤ ሓደ ሰብውን ኣይነትርፈሎም” በለ። ንሳቶም ድማ “ኵሉ ፅቡቕ ኮይኑ ዝተርኣየካ ግበር” በልዎ። እቲ ኻህን ግና “ናብ እግዚኣብሄር ንቕረብ” በሎም።
37ሽዑ ሳኦል “ደድሕሪ ፍልስጥኤማውያንዶ ኽወርድ? ኣብ ኢድ እስራኤልዶ ኣሕሊፍካ ኽትህቦም ኢኻ?” ኢሉ ንእግዚኣብሄር ጠየቐ። በታ መዓልቲ እቲኣ ግና እግዚኣብሄር ንሳኦል ኣይመለሰሉን።
38ሳኦል ከዓ “ኣቱም ኣሕሉቕ ህዝቢ ዅልኹም ናብዙይ ቅረቡ፤ ሎሚ እዝ ሓጢኣት እዙይ ብምንታይ ከም ዝኾነ ድማ ፍለጡን ረኣዩን። 39እቲ በደል ዝተገብረ ብወደይ ዮናታን እኳ እንተ ኾነ፥ በቲ ንእስራኤል ዘድሕን እግዚኣብሄር እምሕል ኣለኹ፤ ብርግፅ ክመውት እዩ” በለ። ግና ኻብ ኵሉ እቲ ህዝቢ ሓደ እኳ ዝመለሰሉ ኣይነበረን።
40ሽዑ ንዅሎም እስራኤል “ንስኻትኩም ብሓደ ወገን ኩኑ፤ ኣነን ወደይ ዮናታንን ድማ ብሓደ ወገን ክንኸውን ኢና” በሎም።
እቶም ህዝቢ ኸዓ ንሳኦል “እቲ ፅቡቕ ኮይኑ ዝተርኣየካ ግበር” በልዎ።
41ሳኦል ከዓ “ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል! ስለ ምንታይ ኢኻ ሎሚ ንኣይ ንባርያኻ ዘይመለስካለይ? እዝ በደል እዙይ ናተይ ወይ ናይ ዮናታን ወደይ እንተ ኾይኑ፥ ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ብኡሪም መልሰለይ፤ እዝ በደል እዙይ ናይ ህዝብኻ ህዝቢ እስራኤል እንተ ኾይኑ ግና ብቱሚም ጌርካ መልሰለይ” ኢሉ ፀለየ። ሽዑ እቲ ዕፃ ናብ ዮናታንን ሳኦልን በፅሐ፤ እቶም ህዝቢ ኸዓ ሓራ ወፁ። #ዘሑ. 27፡21፥ 1 ሳሙ. 28፡6። 42ሳኦል ድማ “ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ዮናታን ወደይን ዕፃ ኣውድቑ” በሎም። እቲ ዕፃ ድማ ናብ ዮናታን በፅሐ።
43ሳኦል ድማ ንዮናታን “እቲ ዝገበርካዮ ንገረኒ” በሎ። ሽዑ ዮናታን “ብጫፍ እታ ኣብ ኢደይ ዝነበረት በትሪ ንእሽተይ መዓር ጥዒመ ነይረ፤ ሕዚ ኸዓ ኽመውት ይግብአኒ እዩ” በሎ።
44ሳኦል ድማ “ኦ ዮናታን፥ ሎሚ እንተ ዘይሞይትካስ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይግበረኒ፤ ከምዙይውን ይወስኸኒ” በሎ።
45እቶም ህዝቢ ግና ንሳኦል “ዮናታን ሎሚ መዓልቲ ምስ ኣምላኽ ኮይኑ ዓብዪ ዓወት ሂቡና እዩ እሞ፥ እዝ ዓብዪ ምድሓን እዙይ ኣብ እስራኤል ዝገበረዶ ኽመውት እዩ? የለን ኣይኸውንን። ካብ ፀጕሪ ርእሱ ሓንቲ እኳ ኣብ ምድሪ ኸም ዘይትወድቕ ብህያው እግዚኣብሄር ንምሕል ኣለና” በሉ። እቶም ህዝቢ ኸዓ ንዮናታን ካብ ሞት ኣድሓንዎ።
46ሳኦል ንፍልስጥኤማውያን ካብ ምስዓብ ተመለሰ። ፍልስጥኤማውያን ድማ ናብ ቦታኦም ከዱ።
47ሳኦል ኣብ ልዕሊ ደቂ እስራኤል መንግስቲ ምስ ሓዘ ድማ ምስቶም ኣብ ዙርያኡ ዝነበሩ ዅሎም ፀላእቱ፥ ምስ ሞኣብን ምስ ደቂ ኣሞንን ምስ ኤዶምያስን ምስ ነገስታት ሱባን ምስ ፍልስጥኤማውያንን ተዋግአ፤ ኣብ ዝተዋግአሉ ዅሉ ኸዓ ይዕወት ነበረ። 48ንሱ ጀግና ነበረ፤ ተዋጊኡ ድማ ንኣማሌቃውያን ሰዓሮም፤ ንእስራኤልውን ካብ ኢድ እቶም ወረርቶም ኣድሓኖም።
ስድራ ሳኦል
49ኣወዳት ደቂ ሳኦል፥ ዮናታን፥ የሱዊ፥ ሜልኪሳ ይብሃሉ ነበሩ። እተን ክልተ ኣዋልዱ ኸዓ፥ እታ በዅሪ ሜሮብ፥ እታ ንእሽተይ ድማ ሜልኮል ይበሃላ ነበራ። 50ሰበይቲ ሳኦል ኣኪናዓም ትብሃል ነበረት፤ ንሳ ጓል ኣሒማዓፅ እያ። ሓለቓ ሰራዊቱ ኸዓ ኣበኔር ይበሃል ነበረ። ኣበኔር ወዲ ኔር ሓወቦ ሳኦል ነበረ። 51ቂስ ኣቦ ሳኦልን ኔር ኣቦ ኣበኔርን ድማ ደቂ ኣቢኤል እዮም።
52ብዅሉ ዘመን ሳኦል ከዓ ምስ ፍልስጥኤማውያን ብርቱዕ ውግእ ነበረ። ሳኦል ድማ ጅግና ሰብ ወይ ተዋጋኢ ሰብ እንተ ረአየ፥ ምስኡ ይወስዶ ነበረ።
Currently Selected:
1ይ ሳሙኤል 14: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in