YouVersion Logo
Search Icon

1ይ ነገስት 9

9
እግዚኣብሄር ንሰሎሞን ካልኣይ ጊዜ ኸም ዝተርኣዮ
(2 ዜና. 7፡11-22)
1ሰሎሞን ቤት እግዚኣብሄርን ቤተ መንግስትን፥ ነቲ ኹሉ ሰሎሞን ክሰርሖ ብልቡ ዝተመነዮን ሰሪሑ ምስ ፈፀመ፥ 2#1 ነገ. 3፡5፥ 2 ዜና. 1፡7። እግዚኣብሄር፥ ከምቲ ኣብ ገባዖን ንሰሎሞን ዝተገለፀሉ፥ ንኻልኣይ ጊዜ ተገለፀሉ። 3እግዚኣብሄር ድማ ኸምዙይ በሎ፦ “እቲ ኣብ ቅድመይ ዝተማህለልካዮ ፀሎትካን ምህለላኻን ሰሚዐዮ ኣለኹ፤ ነዛ ዝሰራሕኻያ ቤተ መቕደስ ስመይ ክሳዕ ዘለኣለም ኣብኣ ብምንባር ቀዲሰያ ኣለኹ። ኣዒንተይን ልበይን ከዓ ንሓዋሩ ኣብኣ ኽነብራ እየን።
4“ንስኻ ድማ፥ ነቲ ዅሉ ዝኣዘዝኩኻ ኽትገብር፥ ሕግጋተይን ትእዛዛተይን ከዓ ኽትሕሉ፥ ከምቲ ኣቦኻ ዳዊት ብንፅህና ልብን ብቕንዕናን ዝነበረ፥ ኣብ ቅድመይ እንተ ነበርካ፥ 5#1 ነገ. 2፡4። ሽዑ ኸምቲ ነቦኻ ዳዊት ‘ኣብ ዙፋን እስራኤል ዝቕመጥ ሰብ ኣየቋርፀልካን እየ’ ዝበልክዎ፥ ንዙፋን መንግስትኻ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንዘለኣለም ከፅንዖ እየ። 6ንስኻትኩምን ደቅኹምን ካባይ ከዲዕኹም ንድሕሪት እንተ ተመለስኩም፥ ነቲ ዝሃብኩኹም ትእዛዛተይን ሕግጋተይን ከዓ እንተ ዘይሓሊኹም፥ ኬድኩም ንኻልኦት ኣማልኽቲ እንተ ኣገልገልኩምን እንተ ሰገድኩምሎምን ግና፥ 7ሽዑ ኣነ ንህዝቢ እስራኤል ካብዛ ዝሃብክዎም ምድሪ ኸጥፍኦም እየ፤ ነዛ ንስመይ ዝቐደስክዋ ቤተ መቕደስ ከዓ ኻብ ቅድሚ ገፀይ ክድርብያ እየ፤ እስራኤልውን ኣብ ኵሎም ህዝብታት መመሰልን መተረትን ክትከውን እያ። 8እዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ ድማ፥ የመና እኳ ልዕል ልዕል እንተበለት፥ ብኣኣ ዝሓልፉ፥ ብኣኣ ኽግረሙን ‘ነዛ ሃገር እዚኣን ነዛ ቤተ መቕደስ እዚኣንስ ስለ ምንታይ እግዚኣብሄር ከምዙይ ገበረን?’ ክብሉ እዮም፤ #2 ነገ. 25፡9፥ 2 ዜና. 36፡19። 9እቶም ህዝቢ ኸዓ ‘ነቲ ነቦታቶም ካብ ምድሪ ግብፂ ዘውፅኦም እግዚኣብሄር ኣምላኾም ስለ ዝሓደግዎን፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ስለ ዝተቐበሉን ስለ ዝሰገዱሎምን ዘገልገልዎምን፥ እግዚኣብሄር እዝ ዅሉ ኽፉእ ኣምፅአሎም’ ኢሎም ክምልሱ እዮም።”
ውዕሊ ሰሎሞንን ኪራምን
(2 ዜና. 8፡1-2)
10ሰሎሞን ነተን ክልተ ቤት፥ ቤት እግዚኣብሄርን ቤተ መንግስትን፥ ብዕስራ ዓመት ሰሪሑ ፈፀመን። 11ኪራም ንጉስ ጢሮስ ንሰሎሞን ክንዲ ዝደለዮ ኦም ዝግባን ኦም ፅሕድን ክንዲ ዝደለዮ ወርቅን ዝደለዮ ዅሉን ሂቡዎ ነበረ፤ ሽዑ ንጉስ ሰሎሞን ንኪራም ኣብ ገሊላ ዕስራ ኸተማ ሃቦ። 12ኪራም ከዓ ነተን ሰሎሞን ዝሃቦ ኸተማታት ክሪአን፥ ካብ ጢሮስ ወፀ፤ ግና ደስ ኣይበላኦን፤
13“ሓወይ፥ እዘን ዝሃብካንስ እንታይ ዝኸተማአን እየን” ድማ በለ። ከምቲ ኽሳዕ ሎሚ ዝስመያኦ ዘለዋ ኸዓ፥ ምድሪ ከቡል ኢሉ ሰመየን። 14ኪራም ድማ ንንጉስ ሰሎሞን ኣርባዕተ ሽሕ ኪሎ ግራም ወርቂ ሰደደሉ።
ሰሎሞን ዝሰርሖ ኻልእ ስራሕ
(2 ዜና. 8፡3-18)
15ንጉስ ሰሎሞን ንቤት እግዚኣብሄርን ንቤተ መንግስቱን ሚሎንን መካበብያ ኢየሩሳሌምን ሓፆርን መጊዶን ጌዝርን ዝሰርሑ ወገናት መልሚሉ ነበረ።
16ጌዝር፥ ፈርዖን ንጉስ ግብፂ ደዪቡ ዝሓዛ፥ ብሓዊ ኣቃፂሉ፥ ነቶም ኣብታ ኸተማ ዝነበሩ ከነዓናውያን ከዓ ቐቲሉ፥ ንጓሉ ንሰበይቲ ሰሎሞን ኣግዚምዋ ዝነበረት ከተማ እያ። 17ሰሎሞን ከዓ መሊሱ ሰርሓ። ከምኡውን በቶም ተገዲዶም ዝሰርሑ ንታሕተዋይ ቤት ሓሮንን፥ 18ንባዕላትን ነታ ኣብ ምድረ በዳ ይሁዳ ዘላ ተድሞርን፥ 19ንዅለን እተን ሰሎሞን ስንቂ ኣኪቡለን ዝነበረ ኸተማታት መዛግብትን፥ ከተማታት ሰረገላታትን ከተማታት ፈረሰኛታትን፥ ነቲ ኸም ድሌቱ ገይሩ ኣብ ኢየሩሳሌምን ኣብ ሊባኖስን ኣብ ኵሉ ሃገር ግዝኣቱን ክሰርሖ ዝደለየ ሰርሐ።
20ሰሎሞን ነቶም ካብ ኣሞራውያንን ኬጢያውያንን ፌርዛውያንን ሃዋውያንን ኢያቡሳውያንን ዝተረፉ፥ ኵሎም ካብ ደቂ እስራኤል ዘይኮኑ ህዝቢ፥ 21ነቶም ብድሕሪኦም ኣብታ ሃገር ተሪፎም ዝነበሩ ደቆም፥ ደቂ እስራኤል ከጥፍእዎም ዘይከኣሉ፥ ንኣኣቶም ክሳዕ ሎሚ ተገዲዶም ዝሰርሑ ባሮት ገበሮም። 22ካብ ደቂ እስራኤል ግና ሰሎሞን፥ ተዋጋእትን መመሓደርትን ሹመኛታትን ኣሕሉቕን ኣዘዝቲ ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ክኾኑ እምበር፥ ባሮት ኣይገበረን። 23እዚኣቶም ነቶም ኣብ ስራሕ ሰሎሞን ዝሰርሑ ህዝቢ ዝእዝዙ ሓሙሽተ ሚእትን ሓምሳን እዮም።
24ጓል ፈርዖን ካብ ከተማ ዳዊት ናብታ ሰሎሞን ዝሰርሐላ ቤታ መፀት፤ ሽዑ ሰሎሞን ንሚሎን ሰርሐ።
25 # ዘፀ. 23፡17፥ 34፡23፥ ዘዳ. 16፡16። ሰሎሞን ኣብቲ ንእግዚኣብሄር ዝሰርሐሉ መሰውኢ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣብ ዓመት ሰለስተ ሻዕ የቕርብ ነበረ፤ ምስኡ ኸዓ ኣብቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘሎ መሰውኢ ዕጣን ይዓጥን ነበረ። ነቲ ቤት ድማ ፈፀሞ።
26ንጉስ ሰሎሞን ኣብታ ኣብ ምድሪ ኤዶምያስ ኣብ ገምገም ባሕሪ ኤርትራ፥ ኣብ ጥቓ ኤሎት ዘላ ዔፅዮንጋብር መራኽብ ሰርሐ። 27ኪራም ድማ ኣብተን መራኽብ ምስ ኣገልገልቲ ሰሎሞን ዝሰርሑ ናይ ባሕሪ ነገር ዝፈልጡ መርከበኛታት ኣገልገልቱ ሰደደ። 28ናብ ኦፊር ከይዶም ከዓ ኻብኣ ዓሰርተ ኣርባዕተ ሽሕ ኪሎ ግራም ወርቂ ወሰዱ፤ ናብ ንጉስ ሰሎሞን ድማ ኣምፅእዎ።

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in