YouVersion Logo
Search Icon

1ይ ነገስት 10

10
ንግስቲ ሳባ ኢየሩሳሌም ከም ዝበፅሐት
(2 ዜና. 9፡1-12)
1ንግስቲ ሳባ ድማ፥ እቲ ብስም እግዚኣብሄር ዝወፀሉ ዝና ሰሎሞን ምስ ሰምዐት፥ ብሕንቅሕንቅሊተይ ክትፍትኖ መፀት። 2ክትመፅእ እንተላ ኸዓ ምስ ብዙሕ ጕዕዞ፥ ቀመማት ዝተፅዓና ኣግማልን ሰረገላታትን የመና ብዙሕ ወርቅን ክቡር ኣእማንን ኣፅዒና ናብ ኢየሩሳሌም ኣተወት። ናብ ሰሎሞን ምስ ኣተወት ድማ ኣብ ልባ ዝነበረ ዅሉ ኣፃወተቶ። 3ሰሎሞን ከዓ ንዅሉ ጥያቐኣ መለሰላ፤ ክምልሰላ ዘይከኣለ ኻብኡ ዝተሰወረ ነገር ድማ ኣይነበረን። 4ንግስቲ ሳባ ጥበብ ሰሎሞንን እቲ ዝሰርሖ ቤተ መንግስትን ምስ ረአየት፥ 5መብልዕ ማእዱን ኣቀማምጣ ሹመኛታቱን ኣቃውማ ኣገልገልቱን ኣከዳድናኣቶምን ንኣሰለፍቲ ወይንን፥ ነቲ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ዘቕርቦ ዝነበረ ዝቃፀል መስዋእትን ምስ ረአየት፥ ውኖኣ ተመሰጠ።
6ንንጉስ ከዓ “እቲ ኣብ ሃገረይ እንተለኹ ብዛዕባ ግብርኻን ብዛዕባ ጥበብካን ዝሰማዕኽዎ ነገር ሓቂ እዩ። 7መፂአ ብዓይነይ ክሳዕ ዝሪኦ ግና ነቲ ዘረባ ኣይኣምኖን ነበርኩ፤ እንተ ኾነ ፍርቂ እኳ ኣይነገሩንን። ካብቲ ብወረ ዝሰማዕኽዎ ዝበዝሕ ጥበብን ሃብትን ኣለካ። 8እዞም ሰብካ ኽንደይ ተዓዲሎም! እዞም ኵልሻዕ ኣብ ቅድሜኻ ደው ኢሎም ጥበብካ ዝሰምዑ ኣገልገልትኻ ብፁኣን እዮም! 9እቲ ኣብ ዙፋን እስራኤል ከቐምጠካ ዝፈቐደ ኣምላኽካ እግዚኣብሄር ይመስገን። እግዚኣብሄር ንእስራኤል ንሓዋሩ ስለ ዘፍቀሮ፥ ፍትሕን ሓቅን ምእንቲ ኽትህብ፥ ንጉስ ክትከውን ሸመካ” በለቶ።
10 # ማቴ. 12፡42፥ ሉቃ. 11፡31። ንሳ ድማ ንንጉስ ኣርባዕተ ሽሕ ኪሎ ግራም ወርቅን የመና ብዙሕ ቀመማትን ክቡር ዕንቊን ሃበቶ፤ ብድሕሪኡ ኸምቲ ንግስቲ ሳባ ንንጉስ ሰሎሞን ዝሃበቶ ብዝሒ ቐመማት ከቶ ኣይመፀን።
11[እተን ካብ ኦፊር ወርቂ ዘምፅኣ መራኽብ ኪራም ከዓ የመና ብዙሕ ዕንፀይቲ ሰንደልን ክቡራት ኣእማንን የምፅኣ ነበራ። 12ንጉስ ሰሎሞን ድማ ኻብቲ ዕንፀይቲ ሰንደል ንቤት እግዚኣብሄርን ንቤተ መንግስትን ዝኸውን መጋረዲታት፥ ንመዘምራን ዝኸውን መሰንቆታትን በገናታትን ገበረ። ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኸምኡ ዝበለ ዕንፀቲ ሰንደል ኣይመፀን፤ ከምኡውን ኣይተርኣየን።]
13ብዘይ እቲ ንጉስ ሰሎሞን ከም ልማድ ንጉስ ብልግሲ ዝሃባ፥ ንጉስ ሰሎሞን ንንግስቲ ሳባ ዅሉ ዝደለየቶ ሃባ። ንሳ ድማ ተመሊሳ ምስ ኣገልገልታ ናብ ሃገራ ተመለሰት።
ሃብቲ ሰሎሞን
(2 ዜና. 9፡13-28)
14-15ብዘይ እቲ ግብሪ ዘገብሩ ሰባትን ነጋዶን ነገስታት ዓረብን ኵሎም ሹመኛታት ምድርን ካብ ዘምፅእዎ፥ ካልእ በብዓመቱ ንሰሎሞን ዝመፀሉ ወርቂ፥ ዕስራን ሰለስተን ሽሕ ኪሎ ግራም ዝምዘን ነበረ።
16ንጉስ ሰሎሞን ድማ ብዝተቐጥቀጠ ወርቂ ገይሩ ኽልተ ሚእቲ ዋልታታት ሰርሐ፤ ነንሓደ ዋልታ ዳርጋ ሸውዓተ ኺሎ ግራም ወርቂ ወድአ። 17ብዝተቐጥቀጠ ወርቂ ገይሩ ኸዓ ሰለስተ ሚእቲ ኣናእሽቱ ዋልታታት ሰርሐ፤ ነንሓደ ዋልታ ድማ ዳርጋ ኽልተ ኺሎ ግራም ወርቂ ወድአ። እቲ ንጉስ ድማ ኣብታ ዱር ሊባኖስ እትብሃል ኣዳራሽ ኣንበሮ።
18ንጉስ ድማ ብስኒ ሓርማዝ ገይሩ ዓብዪ ዙፋን ኣስርሐ፤ ብፅሩይ ወርቂውን ለበጦ። 19እቲ ዙፋን ሽዱሽተ መደያይቦ ነበሮ፤ ርእሲ እቲ ዙፋን ከዓ ብወገን ድሕሪት ከቢብ ነበረ። እቲ ኾፍ መበሊ ድማ ብኽልቲኡ ወገን መደገፊ ኣእዳው ነበሮ፤ ኣብ ጐኒ እቲ መደገፊ ኣእዳው ከዓ ኽልተ ምስልታት ኣናብስ ደው ኢሎም ነበሩ። 20ብኽልተ ወገኑ ነቲ ሽዱሽተ መደያይቦ ድማ፥ ዓሰርተ ኽልተ ምስሊ ኣናብስ ደው ኢሎም ነበሩ። ከምዙይ ዝበለ ኣብ ኵለን መንግስታት ኣይተገብረን። 21ኣቑሑ መሳተያ ንጉስ ሰሎሞን ብወርቂ ዝተገብረ ነበረ፤ ኵሉ ኣብቲ ዱር ሊባኖስ ዝበሃል ኣዳራሽ ዝነበረ ኣቑሑ ኸዓ፥ ብፅሩይ ወርቂ ዝተገብረ ነበረ፤ ብዘመን ሰሎሞን ብሩር ፈፂሙ ኣይቝፀርን ነበረሞ፥ ብብሩር ዝተገብረ ኣቕሓ ኣይነበረን። 22ንጉስ ሰሎሞን ምስ ንጉስ ኪራም ኣብ ባሕሪ፥ መራኽብ ንግዲ ነበራኦ እሞ፥ እተን መራኽብ ንግዲ ወርቅን ብሩርን ስኒ ሓርማዝን ኣህባይን ኣዕዋፍን ተፅዒነን ኣብ ሰሰለስተ ዓመት ሓንሳዕ ይመፃ ነበራ።
23በዝ ኸምዙይ ንጉስ ሰሎሞን ብሃብትን ብጥበብን ካብ ኵሎም ነገስታት ምድሪ ዝዓበየ ነበረ። 24ነቲ ኣምላኽ ኣብ ልቡ ዘሕደረሉ ጥበብ ክሰምዕ፥ ገፅ ሰሎሞን ክርኢ ብዓለሙ ይምነ ነበረ። 25በብዓመቱ ኣቑሑ ብሩርን ኣቑሑ ወርቅን ክዳውንትን ኣፅዋርን ቀመማትን ኣፍራስን ኣባቕልን ገፀ በረኸት ሒዙ ድማ ይመፅእ ነበረ።
26 # 1 ነገ. 4፡26። ሰሎሞን ሰረገላታትን ኣፍራስን ኣከበ፤ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእቲ ሰረገላን፥ ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ ፈረሰኛታትንውን ነበርዎ። ንገሊኣቶም ኣብ ከተማታት ሰረገላ፥ ንገሊኣቶም ድማ ምስኡ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣቐመጦም። 27እቲ ንጉስ ከዓ ንብሩር ኣብ ኢየሩሳሌም ከም እምኒ ዝበዝሕ ገበሮ፤ ንዝግባውን ምብዛሑ ኣብ ቈላ ኸም ዘሎ ሳግላ ገበሮ። #ዘዳ. 17፡17። 28እቶም ኣፍራስ ሰሎሞን ድማ ኻብ ግብፅን ካብ ቂልቅያን በቶም ናይ ንጉስ ነጋዶ ተዓዲጎም ዝመፁ ነበሩ። #ዘዳ. 17፡16። 29ሓደ ሰረገላ ኻብ ግብፂ ብሽዱሽተ ሚእቲ ቅርሺ ብሩር ይዕደግ ነበረ። ሓደ ፈረስ ከዓ ብሚእትን ሓምሳን ቅርሺ ብሩር ይዕደግ ነበረ። ንዅሎም ነገስታት ኬጢያውያንን ንነገስታት ሶርያን ድማ ኸምኡ እናገበሩ በእዳዎም የምፅኡሎም ነበሩ።

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in