1ይ ነገስት 8
8
ታቦት ኪዳን ናብ ቤተ መቕደስ ከም ዝኣተወ
(2 ዜና. 5፡2-6፥ 2)
1ሰሎሞን ንዅሎም ዓበይቲ እስራኤልን ንዅሎም ኣሕሉቕ ነገዳትን ሹመኛታት ማይ ቤት ኣቦታትን ደቂ እስራኤል፥ ንታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ካብ ከተማ ዳዊት፥ ካብ ፅዮን፥ ንጉስ ሰሎሞን ናብ ዘለዎ ናብ ኢየሩሳሌም ከደይብዎ ኣከቦም። #2 ሳሙ. 6፡12-16፥ 1 ዜና. 15፡25-29። 2ኵሎም ሰብ እስራኤል ድማ በቲ ኣብ ሻውዐይቲ ወርሒ፥ ወርሒ ኤታኒም ዝነበረ በዓል ናብ ንጉስ ሰሎሞን ተኣከቡ። #ዘሌ. 23፡34።
3ኵሎም ዓበይቲ እስራኤል ምስ መፁ ኸዓ፥ እቶም ካህናት ነቲ ታቦት ኣልዓልዎ። 4እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ድማ ነቲ ታቦት እግዚኣብሄርን ነቲ መራኸቢ ድንኳንን፥ ነቲ ኣብ ድንኳን ዝነበረ ዅሉ ንዋየ ቅድሳትን፥ ናብቲ ቤተ መቕደስ ኣደየብዎ። 5ንጉስ ሰሎሞንን ኵሎም እቶም ናብኡ ተኣኪቦም ዝነበሩ ደቂ እስራኤልን ኣብ ቅድሚ እቲ ታቦት ኮይኖም፥ ካብ ምብዛሐን ዝተልዓለ ኽቝፀራ ዘይኽእላ ኣባጊዕን ከፍትን ሰውኡ።
6እቶም ካህናት ድማ፥ ነቲ ታቦት ቃል ኪዳን እግዚኣብሄር ናብቲ ስፍራኡ፥ ናብቲ ቅድስተ ቅዱሳን፥ ናብ ትሕቲ ኣኽናፍ ኪሩቤል ኣእተውዎ። 7እቶም ኪሩቤል ከዓ ኣብ ልዕሊ እቲ ታቦት ዝነበሮ ኣኽናፎም ዘርጊሖም ስለ ዝነበሩ፥ ነቲ ታቦትን ነቲ መፃውሩን ከደንዎ። 8እቲ መፃውሩ ነዊሕ ስለ ዝነበረ፥ ጫፉ ኣብ ቅድሚ ቅድስተ ቅዱሳን ኣብ መቕደስ ኴንካ ይረአ ነበረ፤ ብወፃኢ ግና ኣይረአን ነበረ፤ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ድማ ኣብኡ ኣለዉ። 9ኣብቲ ውሽጢ ታቦት ደቂ እስራኤል ካብ ግብፂ ምስ ወፁ እግዚኣብሄር ምስኣቶም ኪዳን ዝኣተወሉ ጊዜ፥ ብዘይ እተን ሙሴ ኣብ ኮሬብ ናብኡ ዘእተወን ክልተ ፅላት እምኒ ሓደኳ ኣይነበረን። #ዘዳ. 10፡5።
10እቶም ካህናት ካብ መቕደስ ምስ ወፁ፥ ነቲ ቤት እግዚኣብሄር ደመና መልኦ። 11ነቲ ቤተ መቕደስ ክብሪ እግዚኣብሄር መሊእዎ ስለ ዝነበረ ግና፥ እቶም ካህናት ብምኽንያት እቲ ደመና ደው ኢሎም ከገልግሉ ኣይከኣሉን። #ዘፀ. 40፡34-35።
12ሽዑ ሰሎሞን “ኦ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ፀሊም ደመና ኸም እትነብር ተዛሪብካ ኢኻ። #መዝ. 18፡11፥ 97፡2። 13ኣነ ኸዓ ንስኻ እትነብረሉ ቤት፥ ንዘለኣለም እትነብረሉ ስፍራ ብርግፅ ሃኒፀልካ ኣለኹ” በለ።
ሰሎሞን ነቲ ህዝቢ ኸም ዝተዛረቦ
(2 ዜና. 6፡3-11)
14እቲ ኵሉ ጉባኤ እስራኤል ደው ኢሉ እንተሎ፥ እቲ ንጉስ ገፁ መሊሱ ነቲ ጉባኤ እስራኤል ባረኾ። 15-16ከምዙይ ድማ በለ፦ “ካብታ ንህዝበይ እስራኤል ካብ ግብፂ ዘውፃእኹላ መዓልቲ ጀሚረ ኻብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል ስመይ ዝነብረሉ ቤተ መቕደስ እትስርሐላ ኸተማ ኣይሓረኹን። ሕዚ ግና ስመይ ኣብኡ ክኸውን ንኢየሩሳሌም መሪፀ ኣለኹ፤ ንዳዊትውን ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል ክኸውን መሪፀዮ ኣለኹ ኢሉ ብኣፉ ነቦይ ዳዊት ዝተዛረቦ፥ ብኢዱ ኸዓ ዝፈፀሞ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይመስገን። #2 ሳሙ. 7፡4-11፥ 1 ዜና. 17፡3-10።
17“ኣቦይ ዳዊት ድማ ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ቤተ መቕደስ ክሰርሐሉ ብልቡ ሓሲቡ ነበረ። #2 ሳሙ. 7፡1-3፥ 17፡1-2። 18እግዚኣብሄርውን ነቦይ ዳዊት ‘ንስመይ ቤተ መቕደስ ክትሰርሕ ብልብኻ ብምሕሳብካ ፅቡቕ ገበርካ። 19#2 ሳሙ. 7፡12-13፥ 1 ዜና. 17፡11-12። ግና እቲ ኻብ ሕቘኻ ዝውፅእ ወድኻ እዩ ንስመይ ቤተ መቕደስ ዝሰርሐለይ እምበር ንስኻ ኣይኮንካን ቤተ መቕደስ እትሰርሐለይ’ በሎ።
20“እግዚኣብሄር ከዓ ነቲ ዝተዛረቦ ቓል ኣፅንዖ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝሃቦ ተስፋ፥ ክንዲ ኣቦይ ዳዊት ተልዓልኩ፤ ኣብ ዙፋን እስራኤልውን ተቐመጥኩ፤ ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከዓ ቤተ መቕደስ ሰሪሐ ኣለኹ። 21ኣብኡ ድማ፥ ነቲ ኻብ ግብፂ ምስ ኣውፅኦም ምስ ኣቦታትና ዝኣተዎ ኺዳን እግዚኣብሄር ዘለዎ ታቦት ዝኸውን ስፍራ ኣዳለኹ።”
ፀሎት ሰሎሞን
(2 ዜና. 6፡12-42)
22ሰሎሞን ከዓ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ እግዚኣብሄር ቆይሙ፥ ኵሎም ጉባኤ እስራኤል እናረአዩ፥ ኣእዳዉ ናብ ሰማይ ዘርግሐ። 23ከምዙይውን በለ፦ “ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ነቶም ብምሉእ ልቦም ብትእዛዝካ ንዝኸዱ ባሮትካ ኺዳንን ምሕረትን እትሕሉ፥ ኣብ ሰማይ ኣብ ላዕሊ፥ ኣብ ምድሪ እውን ኣብ ታሕቲ ንኣኻ ዝመስል ኣምላኽ የለን። 24እቲ ንባርያኻ ነቦይ ዳዊት፥ ዝተዛረብካዮ ሓለኻዮ፤ ነቲ ብኣፍካ ዝተዛረብካዮ፥ ከምዝ ሎሚ መዓልቲ ኾይንዎ ዘሎ ኸዓ፥ ብኢድካ ፈፀምካዮ።
25“ሕዚ ድማ፥ ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ንባርያኻ፥ ነቦይ ዳዊት ‘ከምቲ ንስኻ ብትእዛዛተይ ዝነበርካ፥ ደቅኻ ኸዓ ብትእዛዛተይ እንተ ነበሩ፥ ኣብ ቅድመይ ኣብ ዙፋን እስራኤል ዝቕመጥ ሰብ ኣየቋርፀልካን እየ’ ኢልካ ዝተዛረብካዮ ሓሉ። #1 ነገ. 2፡4። 26ሕዚ ድማ፥ ኦ ኣምላኽ እስራኤል፥ በይዛኻ፥ እቲ ንባርያኻ፥ ነቦይ ዳዊት፥ ዝተናገርካዮ ቓል ይፅናዕ።
27“ብሓቂዶ እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ምስ ሰብ ይነብር እዩ? እንሆ ሰማይን ኣብ ልዕሊ ሰማይ ዘለዉ ሰማያትን ክፆሩኻ ኣይኽእሉን እዮም። እዛ ኣነ ዝሰራሕክዋ ቤተ መቕደስ ደኣ ኽንደይ ዘይትንእስ? #2 ዜና. 2፡6። 28ግና ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፥ ናብ ፀሎት ባርያኻን ምህለላኡን ተመልከት፤ እወ፥ ነዝ ኣነ ባርያኻ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ቅድሜኻ ዘቕርቦ ዘለኹ ፀሎትን ምህለላን ስማዕ። 29ኣብዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ፥ ናብዛ ‘ስመይ ኣብኣ ክኸውን እዩ’ ዝበልካያ ቦታ፥ ኣዒንትኻ ለይትን መዓልትን ይጠምታ። ነቲ ኣነ ባርያኻ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ዝፅልዮ ፀሎትውን ስማዕ። #ዘዳ. 12፡11። 30ነቲ ኣነ ባርያኻን ህዝብኻ እስራኤልን ኣብዛ ቦታ እዚኣ ዝፅልይዎ ፀሎት ስማዕ። እወ፥ ንስኻ ኣብታ እትነብረላ ዘለኻ ቦታ፥ ኣብ ሰማይ ኴንካ ስማዕ፤ ሰሚዕኻውን ይቕረ በል።
31“ሰብ ንብፃዩ እንተ በደሎ እሞ፥ ‘መሓል’ እንተ በልዎ፥ ንሱ ኸዓ ናብ ቅድሚ መሰውኢኻ ኽምሕል እንተ መፀ፥ 32ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ ኴንካ ስማዕ፤ ፍረድውን፤ ኣብ ልዕሊ ባሮትካ ዳኛ ኹን፤ ኣብ ልዕሊ እቲ በዳሊ ፍረድ፤ መንገዱውን ኣብ ልዕሊኡ መልሰሉ፤ ነቲ ንፁህ ድማ ኸም ፅድቁ ኽፈሎ።
33“ህዝብኻ እስራኤል ስለ ዝበደሉኻ ኣብ ቅድሚ ፀላኢ ምስ ተስዓሩ እሞ፥ ናባኻ ተመሊሶም ኣብዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ ንስምካ እንተ ኣኽበሩን እንተ ፀለዩን እንተ ተማህለሉን፥ 34ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ ኴንካ ስማዕ፤ ሓጢኣት ህዝብኻ እስራኤል ከዓ ይቕረ በል፤ ናብታ ነቦታቶም ዝሃብካያ ምድሪ ድማ ምለሶም።
35“ንኣኻ ብምብዳሎም ሰማይ እንተ ተዓፅወ፥ ዝናምውን እንተ ዘይዘነመ መከራ ስለ ዘፅናዕኻሎም፥ ኣብዛ ቦታ እዚኣ እንተ ፀለዩ ንስምካውን እንተኽበሩ፥ ካብ ሓጢኣቶም እንተ ተመለሱ፥ 36ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ ኴንካ ስማዕ፤ እታ ዝኸዱላ ቕንዕቲ መንገዲ ኣርእዮም፥ ሓጢኣት ባሮትካን ሓጢኣት ህዝብኻ እስራኤልን ይቕረ በል፤ ነታ ንህዝብኻ ንርስቲ ዝሃብካዮም ምድሪ ድማ ዝናም ሃብ።
37“ኣብ ምድሪ ጥሜት እንተ ኾነ፥ ወይ ፌራ እንተ ኾነ፥ ዋግ ወይ ሃጒ ወይ ኣንበጣ ወይ ባርኖስ እንተ ኾነ፥ ወይ ፀላኢኦም ኣብ ሃገሮም ኣብ ከተማታቶም እንተ ኸበቦም፥ ወይ ዝኾነ መዓት ወይ ዝኾነ ሕማም እንተ መፀሞ፥ 38ዝኾነ ሰብ ወይ ኵሉ ህዝብኻ እስራኤል ነፍሲ ወከፍ ሕማም ልቡ ተፈሊጥዎ ብፀሎትን ብምህለላን ኣእዳዉ ናብዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ ኣቢሉ እንተ ዘርግሐ፥ 39-40ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ፥ ኣብታ እትነብረላ ስፍራ ዄንካ ስማዕ፤ ይቕረ ኸዓ በል፤ ርድኣዮውን፤ ንልቢ ዅሎም ደቂ ሰብ እትፈልጦ ንስኻ በይንኻ ኢኻ እሞ፥ ኣብታ ነቦታትና ዝሃብካዮም ምድሪ ዝነብሩለን ኵለን መዓልቲታት ምእንቲ ኽፈርሑኻስ፥ ንነፍሲ ወከፍ ልቡ እትፈልጥ፥ ከከም መንገዱ ኽፈሎን ሃቦን።
41-42“ብዛዕባ እዝ ዓብዪ ስምካን ብዛዕባ ሓይልኻን ዝገበርካዮ ዓበይቲ ተኣምራትን ክሰምዑ እዮም እሞ፥ ካብ ህዝብኻ እስራኤል ዘይኮነ ጓና ምእንቲ ስምካ ኢሉ ኻብ ርሑቕ ሃገር መፂኡ፥ ኣብዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ እንተ ፀለየ፥ 43ኵሎም ህዝብታት ምድሪ ንስምካ ምእንቲ ኽፈልጡ እሞ ኸም ህዝብኻ እስራኤል ገይሮም ክፈርሑኻ፥ እዛ ዝሰራሕኽዋ ቤተ መቕደስ ከዓ ብስምካ ኸም ዝተሰምየት ክፈልጡስ፥ ንስኻ ኣብ ሰማይ፥ ኣብታ እትነብረላ ስፍራ ዄንካ ስምዓዮ፤ ነቲ ጓና ኸዓ ኸምቲ ዅሉ ዝለመነካ ግበረሉ።
44“ንህዝብኻ ኣብ ዝኾነ ቦታ ምስ ፀላእቶም ወፂኦም ክዋግኡ እንተ ኣዘዝካዮም እሞ፥ ናብዛ ዝሓረኻያ ኸተማን ናብዛ ንስምካ ዝሃነፅክዋ ቤተ መቕደስን ገፆም መሊሶም ናባኻ ናብ እግዚኣብሄር እንተ ፀለዩ፥ 45ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ ኴንካ ፀሎቶምን ምህለላኦምን ሰሚዕኻ ፍትሒ ግበረሎም።
46“ሰብ ኮይኑ ዘይብድል የለን እሞ፥ ህዝብኻ እንተ በደሉኻ፥ ንስኻ ድማ ተቘጢዕኻ ንፀላኢ ኣሕሊፍካ እንተ ሃብካዮም እሞ፥ ናብ ርሑቕ ኮነ ወይ ናብ ቀረባ ናብ ሃገር ፀላኢ ተማሪኾም እንተ ኸዱ፥ 47ኣብታ ተማሪኾም ዝኸድዋ ሃገር ኮይኖም ብልቦም እንተ ተናስሑ፥ ኣብታ ተማሪኾም ዝኸድዋ ዘለዉ ሃገር ኮይኖም ከዓ መሊሶም ‘ሓጢኣት ጌርና ኢና፥ በዲልና ኢና፥ ክፉእ ጌርና ኢና’ ኢሎም ናባኻ እንተ ተማህለሉ፥ 48ኣብ ሃገር እቶም ዝማረኽዎም ፀላእቶም እንተለዉ ብዅሉ ልቦምን ብዅሉ ነፍሶምን ናባኻ እንተ ተመለሱ፥ ናብዛ ነቦታቶም ዝሃብካዮም ምድሪ፥ ናብዛ ዝሓረኻያ ኸተማን ናብዛ ንስምካ ዝሃነፅክዋ ቤተ መቕደስን ገፆም መሊሶም እንተ ፀለዩ፥ 49ሽዑ ኣብ ሰማይ፥ ኣብታ እትነብረላ ቦታ ዄንካ ፀሎቶምን ምህለላኦምን ሰሚዕኻ ፍርዲ ግበረሎም። 50ነቶም ዝበደሉኻ፥ ኣብ ቅድሜኻ በደል ዝገበሩ ህዝብኻ ዅሉ በደሎም ይቕረ በለሎም፤ እቶም ዝማረኽዎም ምሕረት ኽገብሩሎም ድማ ኣብ ቅድሚ እቶም ማረኽቶም ምሕረት ሃቦም። 51ንሳቶም ካብ ግብፂ ኻብቲ እቶን ሓፂን ዘውፃእኻዮም ህዝብኻን ርስትኻን እዮም እሞ።
52-53“ኦ ጐይታ እግዚኣብሄር፥ ከምቲ ነቦታትና ኻብ ግብፂ ክተውፅኦም እንተለኻ ብባርያኻ ሙሴ ዝተዛረብካዮ፥ ካብ ኵሎም ህዝብታት ምድሪ ርስትኻ ክኾኑ፥ ንስኻ ፈሊኻዮም ኢኻ እሞ፥ ናባኻ ብዝፅውዕዎ ዅሉ ኽትሰምዖም፥ ኣዒንትኻ ናብ ምህለላ ባርያኻን ናብ ምህለላ ህዝብኻ እስራኤልን ይከፈታ።”
መደምደምታ ፀሎት
54ሰሎሞን ነዝ ናብ እግዚኣብሄር ዘቕረቦ ፀሎትን ምህለላን ምስ ወድአ፥ ካብ ቅድሚ እቲ ተንበርኪኹ ኣእዳዉ ንሰማይ ዘርጊሑሉ ዝነበረ፥ ካብ ቅድሚ እቲ መሰውኢ እግዚኣብሄር ተስአ፤ 55ደው ኢሉ ኸዓ ንዅሉ ጉባኤ እስራኤል ዓው ኢሉ ኸምዙይ ኢሉ ባረኾም፦
56“ከምቲ ዅሉ ዝተዛረቦ ተስፋ፥ ንህዝቢ እስራኤል ዕረፍቲ ዝሃበ እግዚኣብሄር ይመስገን፤ ካብቲ ዅሉ ብሙሴ ባርያኡ ዝተዛረቦ ፅቡቕ ነገር ዘይተፈፀመ ነገር የለን። #ዘዳ. 12፡10፥ ኢያሱ 21፡44-45። 57እግዚኣብሄር ኣምላኽና፥ ከምቲ ምስ ኣቦታትና ዝነበሮ፥ ምሳና ይኹን፤ ኣይሕደገናን ኣይደርብየናንውን። 58እቲ ነቦታትና ዝኣዘዞም ትእዛዛቱን ሕግጋቱን ስርዓታቱን ክንሕሉ፥ ብዅሉ መንገድታቱ ኽንከይድ፥ ንእኡውን ክንእዘዝ ንልብና ናብኡ የዘንብሎ። 59-60እቲ ንኣይ ንባርያኡን ንህዝቡ እስራኤልን ነንዕለቱ ዘድሊ ምሕረት ምእንቲ ኽገብረልና፥ ኵሎም ህዝብታት ምድሪ ኸዓ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከም ዝኾነ፥ ካልእ ኣምላኽ ከም ዘየለ ድማ ምእንቲ ኽፈልጡ፥ እዝ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝተማህለልክዎ ፀሎት፥ ለይትን መዓልትን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ይብፃሕ። 61ንስኻትኩም ግና ኸምዝ ሎሚ እትገብርዎ ዘለኹም፥ ሕግጋቱን ትእዛዛቱን ክትሕልዉ፥ ልብኹም ምስ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ፍፁም ይኹን።”
ቤተ መቕደስ ከም ዝተባረኸ
(2 ዜና. 7፡4-10)
62እቲ ንጉስን ኵሎም ህዝቢ እስራኤልን ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር መስዋእቲ ሰውኡ። 63ሰሎሞን ንእግዚኣብሄር ንመስዋእቲ ምስጋና ዝስዋእ ዕስራን ክልተን ሽሕ ብዕራይን፥ ሚእትን ዕስራን ሽሕ በጊዕን ኣቕረበ። ከምዙይ ገይሮም ከዓ ንጉስን ኵሎም እስራኤልን ነታ ቤት እግዚኣብሄር ቀደስዋ።
64በታ መዓልቲ እቲኣ እቲ ንጉስ ነቲ ኣብ ቅድሚ ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር ዘሎ ማእኸላይ ኣፀድ ባረኾ፤ እቲ ኣብ ቅድሚ ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር ዝነበረ መሰውኢ ነሃስ ስለ ዝነኣሰ ድማ ነቲ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ እኽልን ስብሕታት መስዋእቲ ምስጋናን ኣብኡ ሰውኦ።
65በታ ጊዜ እቲኣ ሰሎሞንን ህዝቢ እስራኤልን፥ ካብ መእተዊ ሓማት ጀሚሩ ኽሳዕ ሩባ ግብፂ ዘሎ ዓብዪ ጉባኤ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ሸውዓተ #8፡65 ሸውዓተ፦ ዕብራይስጢ “ዓሰርተ ኣርባዕተ” ይብል። መዓልቲ በዓል ኣብዓሉ። 66በታ ሻምነይቲ መዓልቲ፥ ነቶም ህዝቢ ኣሰናበቶም፤ ንሳቶም ከዓ ንንጉስ መረቕዎ፤ በቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ንባርያኡ ዳዊትን ንህዝቡ እስራኤልን ዝገበረሎም ፅቡቕ ነገር ደስ ኢልዎም ብሕጉስ ልቢ ነናብ ገዛኦም ተመለሱ።
Currently Selected:
1ይ ነገስት 8: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in