1ይ ነገስት 5
5
ሰሎሞን ቤተ መቕደስ ክሃንፅ ከም ዝተዳለወ
(2 ዜና. 2፡1-18)
1ኪራም ንጉስ ጢሮስ፥ ብዅሉ ዘመኑ ፈታዊ ዳዊት ስለ ዝነበረ፥ ሰሎሞን ክንዲ ኣቦኡ ኽነግስ ከም ዝተቐብአ ምስ ሰምዐ ኸዓ፥ ናብ ሰሎሞን ልኡኻቱ ሰደደሉ። 2ሰሎሞን ድማ ናብ ኪራም ከምዙይ ኢሉ ለኣኸ፦
3“ኣቦይ ዳዊት ብሰንኪ እቲ ኣብ ዙርያኡ ዝነበረ ውግእ፥ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ፀላእቱ ዓወት ክሳዕ ዝህቦ ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኹ ቤት ክሰርሕ ከም ዘይተኽኣሎ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ። 4ሕዚ ግና እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ብዅሉ ወሰናት ሃገረይ ኣዕሪፉኒ ኣሎ፤ ዝፃረረኒ የለን፤ ዝኾነ ናይ ድንገት ነገር ድማ የለን። 5እንሆ ኸዓ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ነቦይ ዳዊት ‘እቲ ኽንዳኻ ኣብ ዙፋንካ ዘቐምጦ ወድኻ፥ ንሱ ንስመይ ቤት ክሰርሕ እዩ’ ኢሉ ዝተዛረቦ፥ ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ቤት ክሰርሕ እሓስብ ኣለኹ። #2 ሳሙ. 7፡12-13፥ 1 ዜና. 17፡11-12።
6“ሕዚ ኸዓ ኻባና ኸም ሲዶናውያን ገይሮም ምቝራፅ ኦም ዝፈልጡ ኸም ዘየለዉ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ እሞ፥ ካብ ሊባኖስ ኣእዋም ዝግባ ኽቘርፁለይ ንኣገልገልትኻ ኣዝዝ። ኣገልገልተይውን ምስቶም ኣገልገልትኻ ይኹኑ፤ ውዕለት ኣገልገልትኻ ድማ ኸምቲ ዅሉ እትብለኒ ገይረ ኽህበካ እየ” በሎ።
7ኪራም ዘረባ ሰሎሞን ምስ ሰምዐ፥ የመና ተሓጕሱ “ንዳዊት ኣብ ልዕሊ እዝ ዓብዪ ህዝቢ እዙይ ጥበበኛ ወዲ ዝሃቦ እግዚኣብሄር ሎሚ ይመስገን” በለ።
8ናብ ሰሎሞን ልኢኹ ድማ “እቲ ዝለኣኽካለይ ሰሚዐዮ ኣለኹ፤ ብዛዕባ ኣእዋም ዝግባን ብዛዕባ ኣእዋም ፅሕድን ድማ ኸምቲ ዅሉ ዝደለኻዮ ኽገብረልካ እየ። 9ኣገልገልተይ ካብ ሊባኖስ ናብ ባሕሪ ኸውርድዎ እዮም፤ ኣነውን ብታንኳ ገይረ ብባሕሪ እናንሳፈፍኩ ናብታ ንስኻ ዝመደብካያ ቦታ ኸብፅሖ እየ፤ ኣብኡውን ክፈትሖ እየ፤ ንስኻ ኸዓ ኻብኡ ትወስዶ። ንስኻ ድማ ድልየተይ ክትገብር ኢኻ፤ ንቤተይ ቀለብ ዝኸውን ክትህበኒ ኢኻ” ኢሉ ናብ ሰሎሞን ለኣኸ።
10ከምኡውን ኪራም ከምቲ ድልየቱ ገይሩ ንሰሎሞን ኣእዋም ፅሕድን ኣእዋም ዝግባን ይህቦ ነበረ። 11ሰሎሞን ከዓ ንኪራም ዕስራ ሽሕ ኲንታል ስርናይን ኣርባዕተ ሚእቲ ሽሕ ሊትሮ ፅሩይ ዘይትን ንቤተ መንግስቱ ቐለብ ክኸውን ዓመት ዓመት ይህቦ ነበረ። 12እግዚኣብሄር ድማ ንሰሎሞን፥ ከምቲ ዘተስፈዎ፥ ጥበብ ሃቦ። ኣብ መንጎ ኪራምን ሰሎሞንን ከዓ ሰላም ነበረ፤ ክልቲኦም ድማ ኺዳን ተኣታተዉ።
13ንጉስ ሰሎሞን ድማ ኻብ ኵሉ እስራኤል ሓርዩ ሰላሳ ሽሕ ሰራሕተኛታት ኣከበ፤ 14ንኣዶኒራም ከዓ ኣብ ልዕሊኣቶም ሸሞ። እናከታተለ ድማ በብወርሒ ዓሰርተ ሽሕ ሰባት ናብ ሊባኖስ ይሰድድ ነበረ። ሓደ ወርሒ ኣብ ሊባኖስ፥ ክልተ ወርሒ ኣብ ገዛኦም ይነብሩ ነበሩ። #1 ነገ. 12፡18። 15ንጉስ ሰሎሞን ኣብ እምባ ኣእማን ዝወቕሩ ሰማንያ ሽሕ፥ ነቲ ዝተወቕረ እምኒ ዝስከሙ ኸዓ ሰብዓ ሺሕ ነበርዎ። 16ነዝ ስራሕ እዙይ ኣሕሉቕ ኮይኖም ዘስርሑ ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ሰባት ድማ መደበ። 17ንጉስ ድማ እታ ቤተ መቕደስ ብውቑር እምኒ ምእንቲ ኽትስረትስ፥ ገዘፍቲ ኽቡራት ኣእማን ክዅዕቱ ኣዘዘ። 18ነዳቖ ሰሎሞንን ነዳቖ ኪራምን ደቂ ጌባልን ኮይኖም ከዓ፥ ንመስርሒ እታ ቤተ መቕደስ ዝኸውን ኣእዋም ቈረፁ። ኣእማንውን ወቐሩ።
Currently Selected:
1ይ ነገስት 5: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in