YouVersion Logo
Search Icon

1ይ ነገስት 6

6
ሰሎሞን ቤተ መቕደስ ከም ዝሃነፀ
1ደቂ እስራኤል ካብ ምድሪ ግብፂ ኻብ ዝወፁ፥ ኣብ መበል ኣርባዕተ ሚእትን ሰማንያን ዓመት፥ ሰሎሞን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ካብ ዝነግስ ኣብ ራብዐይቲ ዓመት በታ ኻልአይቲ ወርሒ፥ ብወርሒ ዚፍ፥ ሰሎሞን ቤት እግዚኣብሄር ክሃንፅ ጀመረ።
2ንጉስ ሰሎሞን ዘስርሖ ቤት እግዚኣብሄር ምንዋሑ ዕስራን ሸውዓተን ሜትር፥ ምግፋሑ ኸዓ ትሽዓተ ሜትር፥ ቁመቱውን ዓሰርተ ሰለስተ ሜትርን ፈረቓን ነበረ። 3እቲ ኣብ ቅድሚ ቤተ መቕደስ ዝነበረ ገበላ ድማ ኸምቲ ቤተ መቕደስ ትሽዓተ ሜትር ዝምግፋሑ ነበረ። ምንዋሑ ኸዓ ኣርባዕተ ሜትርን ፈረቓን ነበረ። 4ነቲ ቤተ መቕደስ ድማ ብዓይኒ ርግቢ ዘይነቓነቕ መሳዅቲ ገበረሉ። 5ምስ መንደቕ እቲ ቤተ መቕደስ ኣፀጊዑ፥ ኣብ ዙርያ መቕደስን ቅድስተ ቅዱሳንን ደብርታት ሰርሐ። 6እቲ ሰረገላታት ኣብ ውሽጢ እቲ መንደቕን እቲ ቤተ መቕደስን ከይተሓሓዝስ፥ ኣብቲ መንደቕ እቲ ቤተ መቕደስ ብደገ ዙርያኣ ሕድጋት ገበረሉ እሞ፥ እቲ ታሕተዋይ ክፍሊ ምግፋሑ ሓሙሽተ እመት፥ እቲ ማእኸላይ ድማ ምግፋሑ ሽዱሽተ እመት፥ እቲ ሳልሳይ ከዓ ምግፋሑ ሸውዓተ እመት ነበረ።
7እቲ ቤተ መቕደስ ክስራሕ እንተሎ ኸዓ፥ ኣብቲ ዝተዅዓተሉ ቦታ ብዝተወቕረ ኣእማን ስለ ዝተሰርሐ፥ ድምፂ መዶሻ ኾነ ምሳር ወይ ድምፂ ዝኾነ ኣቕሓ ሓፂን ኣብቲ ቤተ መቕደስ ኣይተሰምዐን።
8ደገ እቲ ታሕተዋይ ክፍሊ ቤት፥ ብወገን የማን እቲ ቤተ መቕደስ ነበረ፤ ናብቲ ማእኸላይን ሳልሳይን ደብሪ ድማ ብዝተጠዋወየ መሳልል ይድይቡ ነበሩ። 9ስለዙይ ሰሎሞን ነቲ ቤተ መቕደስ ሰሪሑ ፈፀሞ። ብገመላት ብሉሕ ዝግባን ገይሩ ኸዓ ኸደኖ። 10ኣብ ኵሉ ፀግዒ እቲ ቤተ መቕደስ ድማ ሓሙሽተ እመት ዝቑመቱ ኽፍልታት ቤት ሰርሐ፤ ምስቲ ቤተ መቕደስ ከዓ ብሉሕ ዝግባ ኣጋጠምዎ።
11ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናብ ሰሎሞን መፀ፦ 12“ብዛዕባ እዛ ንስኻ እትሰርሓ ዘለኻ ቤተ መቕደስ፥ ብሕግታተይ እንተ ኼድካ፥ ስርዓታተይ ከዓ እንተ ጌርካ፥ ንዅሉ ትእዛዛተይውን እንተ ሓለኻዮ፥ እቲ ነቦኻ ዳዊት ዘተስፈኽዎ ቓለይ ምሳኻ ኸፅንዖ እየ። 13ኣብ ማእኸል ደቂ እስራኤል ድማ ኽነብር እየ፤ ንህዝበይ እስራኤል ከዓ ኣይሓድጎን እየ።” 14ሰሎሞን ድማ ነቲ ቤተ መቕደስ ሰሪሑ ፈፀሞ።
15ንመንደቕ እቲ ቅድስተ ቅዱሳን ብወገን ውሽጡ ብሉሕ ዝግባ ሰርሖ። ካብ ምድሪ ቤት ክሳዕ እቲ ሰርወ ተነቢርዎ ዘሎ መንደቕ ከዓ ነቲ ውሽጢ ብዕንፀይቲ ኸደኖ። ነቲ ምድሪ ቤትውን ብሉሕ ፅሕዲ ኸደኖ። 16ንውሻጠ እቲ ቤተ መቕደስ ድማ ኻብ ምድሪ ቤት ክሳዕ እቲ ላዕለዋይ መንደቕ ዕስራን ትሽዓተን ሜትር ብሉሕ ዝግባ ሰርሖ፤ እዝ ቅድስተ ቅዱሳን፥ ውሽጣዊ ኽፍሊ ናይቲ ቤተ መቕደስ እዩ። #ዘፀ. 26፡33-34። 17እቲ ኣብ ቅድሚ ቅድስተ ቅዱሳን ዘሎ መቕደስ ዝበሃል ክፍሊ ዓሰርተ ሸሞንተ ሜትር ነበረ። 18ኣብ ውሽጢ ቤተ መቕደስ ከዓ ዝመዓጐ ተኽልን ዝፈኸኸ ዕምበባታትን ዝተቐርፆ ዝግባ ለበጦ። ኵሉ ዝግባ ስለ ዝነበረ ዝረአ እምኒ ኣይነበረን።
19ኣብ ውሽጢ እቲ ቤተ መቕደስ ከዓ ታቦት ቃል ኪዳን እግዚኣብሄር ዘንብሩሉ፥ ቅድስተ ቅዱሳን ኣዳለወ። 20እቲ ቅድስተ ቅዱሳን ከዓ ብውሽጡ ምንዋሑ ትሽዓተ ሜትር፥ ምግፋሑ ትሽዓተ ሜትር፥ ቁመቱውን ትሽዓተ ሜትር ነበረ፤ ብፅሩይ ወርቂ ኸዓ ለበጦ፥ ነቲ መሰውኢ ድማ ብዝግባ ኸደኖ። 21ሰሎሞን ከዓ ነቲ ቤተ መቕደስ ብውሽጡ ብፅሩይ ወርቂ ለበጦ፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ቅድስተ ቅዱሳን ድማ ዝጋረድ ሰንሰለት ወርቂ ገበረ፥ እቲ ቅድስተ ቅዱሳን ከዓ ብወርቂ ዝተለበጠ ነበረ። 22እቲ ቤተ መቕደስ ብምሉኡ ኽሳዕ ዝፍፀም ድማ፥ ንዅሉ እቲ ቤተ መቕደስ ውሽጡ ብወርቂ ለበጦ፤ ነቲ ኣብቲ ቅድስተ ቅዱሳን ዘሎ መሰውኢውን ብምሉኡ ብወርቂ ለበጦ። #ዘፀ. 30፡1-3።
23ኣብቲ ቅድስተ ቅዱሳን ከዓ ኣርባዕተ ሜትርን ፈረቓን ዝቑመቶም ካብ ኣውሊዕ ዝተፀረቡ ኽልተ ኪሩቤል ገበረ። 24እቲ ኪሩቤል ሓሓሙሽተ እመት ዝምንዋሑ ኽልተ ኽንፊ ነበሮ። ካብ ጫፍ ሓንቲ ኽንፊ ኽሳዕ ጫፍ እታ ኻልአይቲ ኽንፊ ኣርባዕተ ሜትርን ፈረቓን ነበረ። 25እቲ ኻልኣይ ኪሩቤልውን ኣርባዕተ ሜትርን ፈረቓን ነበረ። እቶም ኪሩቤል ክልቲኦም መጠኖም ሓደ፥ ምስሎም ከዓ ሓደ ነበረ። 26ክልቲኦም እቶም ኪሩቤል ኣርባዕተ ሜትርን ፈረቓን ዝቑመቶም ነበሩ። 27ነቶም ኪሩቤል ከዓ ኣብ ማእኸል እቲ ቅድስተ ቅዱሳን ገበሮም። ኣኽናፍ እቶም ኪሩቤል ድማ ተዘርጊሐን ነበራ፤ ክንፊ እቲ ሓደ ኪሩብ ነቲ ሓደ መንደቕ ነኽኦ፤ ክንፊ እቲ ኻልኣይ ኪሩቤል ከዓ ነቲ ኻልኣይ መንደቕ ነኽኦ፤ ኣብ ማእኸል እቲ ቤት ድማ ኣኽናፎም ክንፊ ንኽንፊ ተራኸባ። 28ነቶም ኪሩቤልውን ብወርቂ ለበጦም። #ዘፀ. 25፡18-20።
29ንዅሉ መንደቕ እቲ ቅድስተ ቅዱሳንን መቕደስንውን ብውሽጡ ምስልታት ኪሩቤልን ዝፈኸኸ ዕምበባን ቀረፀሉ። 30ነቲ ምድሪ ቤት ቅድስተ ቅዱሳንን መቕደስን ድማ ብውሽጥን ብወፃእን ብወርቂ ለበጦ።
31ንደገ እቲ ቅድስተ ቅዱሳን ከዓ ኻብ ኣውሊዕ ዝተፀርበ ኽልተ መዓፁ ገበረሉ። ላዕለዋይ ልዳቱ ድማ መልክዕ ቐስቲ ገይሩ ሰርሖ። 32ነተን ክልተ መዓፁ ኸዓ ምስሊ ኪሩቤልን ስየን ዝፈኸኸ ዕምበባን ቀረፀለን፤ ብወርቂውን ለበጠን፤ ነቲ ኪሩቤልን ነቲ ስየን ድማ ብረቂቕ ወርቂ ለበጦ። 33ከምኡ ድማ ነቲ ደገ መቕደስ ካብ ኦም ኣውሊዕ ዝተፀርበ ኣርባዕተ መኣዝን ዘለዎ ልዳውቲ ገበረሉ። 34ካብ ኦም ፅሕዲ ኽልተ ማዕፆ ገበረሉ። ክልቲኡ እቲ መዓፁ ድማ ዝዕፀፍ ክፋል ነበሮ። 35ኣብ ልዕሊኡ ድማ ምስሊ ኪሩቤልን ስየን ፍኹኽ ዕምበባን ቀረፀሉ። ነቲ ቕርፅታት ከዓ ማዕረ ገይሩ ብወርቂ ለበጦ።
36ኣብ ቅድሚ እቲ ቤተ መቕደስ ከዓ ኣፀድ ሰርሐ፤ ነቲ መንደቑ ሰለስተ መስርዕ ብፅሩብ እምኒ፥ ሓደ መስርዕ ድማ ብኦም ዝግባ ገይሩ ሰርሖ።
37እቲ ቤት እግዚኣብሄር፥ ሰሎሞን ምስ ነገሰ ኣብ ራብዓይ ዓመቱ፥ ኣብ ወርሒ ዚፍ ተመስረተ። 38ሰሎሞን ምስ ነገሰ ኣብ መበል ዓሰርተ ሓደ ዓመት፥ ኣብ ሻምነይቲ ወርሒ፥ ኣብ ወርሒ ቡል፥ እቲ ቤተ መቕደስ ብዅሉ ኽፍልታቱን ከምቲ ዝተመደበ ዅሉን ተፈፀመ። ሰሎሞን ነቲ ቤተ መቕደስ ምህናፅ ዝወድአሉ ጊዜ ሸውዓተ ዓመት ነበረ።

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in