YouVersion Logo
Search Icon

1ይ ነገስት 4

4
ሹመኛታት ሰሎሞን
1እንሆ ድማ ሰሎሞን ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ንጉስ ኮነ። 2ዝነበሩዎ ኣሕሉቕውን እዞም ዝስዕቡ እዮም፦
ኣዛርያስ ወዲ ሳዶቅ ካህን፥
3ኤሊያፍን ኣኪያን፥ ደቂ ሴባ፥ ፀሓፍቲ፥
ኢዮሳፋጥ ወዲ ኣሒሉድ፥ ፀሓፊ ታሪኽ፥
4በናያስ ወዲ ዮዳሄ፥ ሓለቓ ሰራዊት፥
ሳዶቅን ኣብያታርን ካህናት፥
5ኣዛርያስ ወዲ ናታን ሓለቓ ኣሕሉቕ፥
ዛቡድ ወዲ ናታን ካህንን ፈታዊ ንጉስን፥
6ኣሒሳር ኣዛዚ ቤተ መንግስቲ፥
ኣዶኒራም ወዲ ዓብዳ፥ ኣካቢ ግብሪ፥
7ኣብ ርእሲ እዙይ ድማ ሰሎሞን ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ዓሰርተ ኽልተ መመሓደርቲ ሃገር ነበርዎ። ንሳቶም ንንጉስን ንቤቱን ዝምግቡ ነበሩ። ነፍሲ ወከፎም ኣብ ዓመት ሓሓንቲ ወርሒ ኽምግቡ ሓላፍነት ነበሮም።
8ስሞም ከዓ እዙይ እዩ፦
ወዲ ሑር ኣብ ደጕዓ ኤፍሬም፥
9ወዲ ዴቀር ኣብ ማቃፅን ኣብ ሸዓልቢምን ኣብ ቤትሳሜስን ኣብ ኤሎንቤትሓናንን፥
10ቤን ሔሰድ ኣብ ኣሩቦት፥ ኣብ ሰኮት፥ ኣብ ኵላ ምድሪ ኤፌርን፥
11ወዲ ኣሚናዳብ፥ ኣብ ኵሉ ሃገር ዶር።
(ንጣፈት ጓል ሰሎሞን ኣእትዩ ዝነበረ እዩ።)
12በዓና ወዲ ኣሒሉድ ኣብ ታዕናክን መጊዶን ኣብ ኵላ ቤትሳንን፥ እታ ኣብ ጎቦ ፀርታንም፥ ብትሕቲ ኢይዝራኤል፥ ኣብ ዘሎ ቤትሳን ክሳዕ ኣቤልምሖላና፥ ክሳዕ ሰገር ዮቅምዓም ዘላ፥
13ወዲ ጌበር ኣብ ሬማት ዘገለዓድ፥ ኣብተን ኣብ ገለዓድ ዘለዋ ዓድታት ኢያዕር ወዲ ምናሴ፥ ኣብታ ኣብ ባሳን ዘላ ምድሪ ኣርጎብ፥ ኣብተን ዕርድታትን መሸጐሪ ነሃስን ዘለወን ስሳ ዓበይቲ ኸተማታት ነበርዎ፤
14ኣሒናዳብ ወዲ ዒዶ ኣብ መሓናይም፥
15ኣኪማዓስ፥ እቲ ንባስማት ጓል ሰሎሞን
ዝተመርዓወ፥ ኣብ ንፍታሌም፥
16በዓና ወዲ ኵሲ ኣብ ኣሴርን ኣብ በዓሎትን፥
17ኢዮሳፋጥ ወዲ ፋሩዋ ኣብ ይሳኮር፥
18ሳሚ ወዲ ኤላ ኣብ ብንያም፥
19ጌበር ወዲ ኡሪ ኣብ ሃገር ገለዓድ፥ ኣብታ
ናይ ሴዎን ንጉስ ኣሞራውያንን ናይ ዓግ
ንጉስ ባሳንን ዝነበረት ሃገር።
ብዘይ እዞም ዓሰርተ ኽልተ ድማ ኣብ
ልዕሊ እታ ሃገር ዝገዝእ ሓደ ሹም ነበረ።
መዓልታዊ ቐለብ ቤተ መንግስቲ
20ይሁዳን እስራኤልን ከም ሑፃ ባሕሪ በዚሖም ነበሩ። ይበልዑን ይሰትዩን ነበሩ፤ ሕጕሳት ድማ ነበሩ።
21ሰሎሞን ድማ ኻብቲ ሩባ ኤፍራጥስ ክሳዕ ምድሪ ፍልስጥኤማውያንን ክሳዕ ወሰን ግብፅን ኣብ ልዕሊ ዅሎም መንግስታት ይገዝእ ነበረ። ንሳቶምውን ንሰሎሞን ብዅሉ ዘመን ህይወቱ ይግብሩሉን ይግዝእዎን ነበሩ። #ዘፍ. 15፡18፥ 2 ዜና. 9፡26።
22ምግቢ ሰሎሞን ከዓ ነንመዓልቲ ሓሙሽተ ሽሕ ኪሎ ግራም ምሩፅ ሕሩጭ፥ ዓሰርተ ሽሕ ኪሎ ግራም ድማ ተራ ሕሩጭ፥ 23ዓሰርተ ስቡሓት ኣብዑር፥ ዕስራ ኣብዑር ካብ መጓሰዪ፥ ሚእቲ ኣባጊዕ ነበረ። እዙይ ድማ ብዘይ ዋልያታትን ሰስሓታትን ዓጋዜንን ስቡሓት ኣዕዋፍን እዩ። 24ንሱ ድማ ነታ ኽነዘው ሩባ ኤፍራጥስ ዘላ ዅላ ሃገር፥ ካብ ቲፍሳ ክሳዕ ጋዛ ነቶም ክነዘው ሩባ ኤፍራጥስ ዝነበሩ ዅሎም ነገስታት ይገዝእ ነበረ። ኣብ ዙርያኡ ኸዓ ብዅሉ ወገን ሰላም ኮይኑሉ ነበረ። 25ህዝቢ ይሁዳን እስራኤልን ድማ ኻብ ዳን ክሳዕ ቤርሳቤህ ብዅሉ ዘመን ሰሎሞን ብህድኣት ይነብር ነበረ፤ ነፍሲ ወከፍ ከዓ ኣብ ትሕቲ ወይኑን በለሱን ይቕመጥ ነበረ።
26 # 1 ነገ. 10፡26፥ 2 ዜና. 1፡14፥ 9፡25። ሰሎሞን ድማ ሰረገላታቱ ንዝስሕቡ ኣፍራስ ዝኸውን ኣርብዓ ሽሕ ስፍራ ነበሮ። ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ ፈረሰኛታትውን ነበርዎ።
27እቶም ዓሰርተ ኽልተ መመሓደርቲ ኽፍላተ ሃገር ነፍሲ ወከፎም ንንጉስ ሰሎሞንን ነቶም ኣብ ማእዱ ዝቐርቡ ዅላቶምን ወወርሖም ይቕልቡ ነበሩ፤ ሓደኳ ኣየጕድሉን ነበሩ። 28ነፍሲ ወከፍ መመሓደሪ ኸዓ ነቶም ሰረገላታት ዝስሕቡ ኣፍራስን ካልኦት ኣፍራስን ከምቲ ዝተሰርዐሉ ስገምን ሓሰርን ናብቲ ምዱብ ቦታ የምፅእ ነበረ።
ጥበብ ሰሎሞን
29ኣምላኽ ድማ ንሰሎሞን የመና ብዙሕ ጥበብን ምስትውዓልን ከምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑፃ ኽስፈር ዘይከኣል ስፍሓት ልብን ሃቦ። 30ጥበብ ሰሎሞን ካብ ጥበብ ኵሎም ደቂ ምብራቕን ካብ ኵሉ ጥበብ ደቂ ግብፅን ይበልፅ ነበረ። 31ጥበብ ሰሎሞን ከዓ ኻብ ናይ ኵሉ ሰብ፥ ካብ ናይ ኤታን ኢይዝራኤላዊን፥ ካብ ናይ ሄማንን ካልኮልን ዳርዳን፥ ደቂ ማሖልን ይበልፅ ነበረ። ዝናኡ ኸዓ ናብቶም ኣብ ዙርያኡ ዘለዉ ዅሎም ህዝብታት ወፀ። #መዝ. 89። 32ሰለስተ ሽሕ ምስላ መሰለ፤ ሽሕን ሓሙሽተን መዝሙራት ድማ ደረሰ። #ምሳ. 1፡1፥ 10፡1፥ 25፡1፥ መሃ. 1፡1። 33ብዛዕባ ኣእዋም ከዓ ኻብቲ ኣብ ሊባኖስ ዘሎ ዝግባ ኽሳዕ እቲ ኣብ መንደቕ ዝበቍል ስምዕዛ ተዛረበ። ብዛዕባ እንስሳን ብዛዕባ ኣዕዋፍን ብዛዕባ ለመምታን ብዛዕባ ዓሳታትን ድማ ተዛረበ። 34ካብ ኵሎም ህዝብታት ዓለም፥ በቶም ጥበቡ ዝሰምዑ ዅሎም ነገስታት ምድሪ ዝተልኣኹ ጥበብ ሰሎሞን ክሰምዑ ሰባት ይመፁ ነበሩ።

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in