YouVersion Logo
Search Icon

1ይ ነገስት 2

2
ዳዊት ንሰሎሞን ዝሃቦ ሓደራ
1ዳዊት ዝሞተላ መዓልቲ ምስ ቀረበት ንሰሎሞን ወዱ ኸምዙይ ኢሉ ኣዘዞ፦ 2“ኣነ መንገዲ ዅሉ ምድሪ እኸይድ ኣለኹሞ፥ ፅናዕ፤ ሰብውን ኩን። 3እትገብሮ ዅሉን ኣብ እትኸዶ ዅሉን ምእንቲ ኽቐንዐካስ፥ ከምቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ተፅሒፉ ዘሎ፥ ንትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሓሉ፤ ከም ፍቓዱ ኸዓ ንበር፤ ሕግጋቱን ትእዛዛቱን ስርዓቱን ድማ ሓሉ። 4እግዚኣብሄር ነቲ ‘ደቅኻ፥ ብኣካይዳኦም እንተ ተጠንቂቖም፥ ኣብ ቅድመይ ብምሉእ ልቦምን ብምሉእ ነፍሶምን ብሓቂ እንተ ተመላሊሶም፥ ካብ ዘርእኻ ኣብ ዙፋን እስራኤል ዝነግስ ኣየቋርፅን እዩ’ ኢሉ ዝተናገሮ ቓል ምእንቲ ኸፅንዕ እዩ።
5 # 2 ሳሙ. 3፡27፥ 20፡10። “እቲ ኢዮኣብ ወዲ ፅሩያ ዝገበረኒ ድማ ንስኻ ትፈልጦ ኢኻ፤ ነቶም ክልተ ኣሕሉቕ ሰራዊት እስራኤል፥ ንኣበኔር ወዲ ኔርን ንኣሜሳይ ወዲ ዬቴሩን ቀተሎም፤ ብጊዜ ውግእ ዝፈሰሰ ደም ምእንቲ ኽብቀል፥ ብጊዜ ሰላም ደም ኣፍሰሰ። ኣብቲ ኣብ ሕቘኡ ዝነበረ ቕናቱን፥ ኣብቲ ኣብ እግሩ ዝነበረ ኣሳእኑን ድማ ደም ገበረ። 6እምበኣር ንስኻውን ከም ጥበብካ ግበር። ንሲበቱውን ብሰላም ናብ መቓብር ኣይተውርዶ።
7“እቲ ኻብ ኣቤሴሎም ሓውካ ኽሃድም እንተለኹ ቐሪቦሙኒ እዮም እሞ፥ ንደቂ ቤርዜሊ እቲ ገለዓዳዊ ፅቡቕ ግበረሎም፤ ምስቶም ኣብ ማእድኻ ዝበልዑውን ይኹኑ። #2 ሳሙ. 17፡27-29።
8“እንሆ ኸዓ፥ ሳሚ ወዲ ጌራ ብንያማዊ፥ በዓል ብራቂም ምሳኻ ኣሎ። ንሱ በታ ኣነ ንማሓናይም ዝኸድኩላ መዓልቲ ብርቱዕ መርገም ረገመኒ፤ ግና ንሱ ንዮርዳኖስ ኣብ ዝተሳገርኩሉ ጊዜ ኽቕበለኒ ወረደ፤ ኣነውን ‘ብሰይፊ ኣይቀትለካን እየ’ ኢለ ብእግዚኣብሄር መሓልኩሉ። #2 ሳሙ. 16፡5-13፥ 19፡16-23። 9ሕዚ ኸዓ ብዘይ ቅፅዓት ኣይትሕደጎ። ንስኻ ጥበበኛ ሰብ ኢኻ እሞ እትገብሮ ባዕልኻ ትፈልጥ፥ ንሲበቱውን ምስ ደም ናብ መቃብር ኣውርዶ።”
ሞት ዳዊት
10ዳዊት ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ኣብ ከተማ ዳዊትውን ተቐበረ። 11ዳዊት ኣብ እስራኤል ኣርብዓ ዓመት ነገሰ፤ እዙይ ድማ፥ ኣብ ኬብሮን ሸውዓተ ዓመት፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ከዓ ሰላሳን ሰለስተን ዓመት ነገሰ። #2 ሳሙ. 5፡4-5፥ 1 ዜና. 3፡4። 12ሰሎሞን ድማ ኣብ ዙፋን ኣቦኡ ዳዊት ተቐመጠ፤ ስልጣን መንግስቱውን የመና ፀንዐት። #1 ዜና. 29፡23።
ሞት ኣዶንያስ
13እቲ ኻብ ሓጊት ዝውለድ ኣዶንያስ ድማ ናብ ቤርሳቤህ እኖ ሰሎሞን መፀ። ንሳ ኸዓ “ናባይ ምምፃእኻስ ብሰላም ድዩ?” በለቶ። ንሱ ድማ “ብሰላም እዩ” በላ። 14ኣስዒቡ ኸዓ “ምሳኺ ዘረባ ኣለኒ” በላ። ንሳ ኸዓ “ተዛረብ” በለቶ።
15ንሱ ኸዓ “መንግስቲ ናተይ ከም ዝነበረት፥ ኵሎም ደቂ እስራኤልውን ኣነ ኣብ ልዕሊኣቶም ክነግስ ገፆም ናባይ ገይሮም ከም ዝነበሩ ንስኺ ትፈልጢ ኢኺ። ፍቓድ እግዚኣብሄር ኮይኑሉ ግና፥ እታ መንግስቲ ንሓወይ ኮነት። 16ሕዚ ኸዓ ሓንቲ ልመና ኽልምነኪ እየሞ ኣይተሕፍርኒ” በላ። ንሳ ድማ “ተዛረብ” በለቶ።
17 # 1 ነገ. 1፡3-4። ንሱ ኸዓ “ኣየሕፍረክን እዩ እሞ፥ ንሱነማዊት ኣቢሳ ንኸመርዕወኒ፥ በይዛኺ ተዛረብዮ” በላ።
18ቤርሳቤህ ከዓ፥ “ፅቡቕ እዩ፤ ንንጉስ ብዛዕባኻ ኽዛረቦ እየ” በለቶ።
19ቤርሳቤህ ብዛዕባ ኣዶንያስ ኽትዛረብ ናብ ንጉስ ሰሎሞን ኣተወት። እቲ ንጉስ ከዓ ኽቕበላ ተስአ፤ ኢድ ነሲኡላ ድማ ኣብ ወንበር ተቐመጠ፤ ንኣኣውን መንበር ከምፅኡላ ኣዘዘ እሞ ብየማኑ ተቐመጠት።
20ንሳ ኸዓ፥ “ሓንቲ ንእሽተይ ልመና ኽልምነካ እየ እሞ ኣይተሕፍረኒ” በለቶ። ንጉስ ድማ “እኖይ፥ ኣየሕፍረክንሞ ጠይቒ” በላ።
21ንሳ ኸዓ “ኣቢሳ እታ ሱናማዊት፥ ሰበይቲ ኽትኮኖ፥ ንሓውካ ኣዶንያስ ትወሃብ” በለቶ።
22ንጉስ ሰሎሞን ድማ ንኖኡ፥ “ንኣዶንያስ፥ ኣቢሳ እታ ሱናማዊት እትጥይቕሉ ስለ ምንታይ ኢኺ? ንሱ ኻባይ ዝዓቢ ሓወይ እዩ፤ እምበኣር እዛ መንግስቲ እውን ጠይቒሉ! ብቕድሙውን ካህን ኣብያታርን ኢዮኣብ ወዲ ፅሩያን መሻርኽቱ ነይሮም እዮም” ኢሉ መለሰላ።
23ሽዑ ንጉስ ሰሎሞን “ኣዶንያስ ነዝ ነገር እዙይ ኣብ ልዕሊ ህይወቱ ዝተዛረበ እንተ ዘይኮይኑ፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይግበረኒ፥ ከምዙይውን ይወስኸኒ” ኢሉ ብእግዚኣብሄር መሓለ። 24“ሕዚ ኸዓ በቲ ኣብ ዙፋን ኣቦይ ዳዊት ኣደልዲሉ ዘቐመጠኒ፥ ከምቲ ዘተስፈዎ ድማ ንኣይን ንዘርአይን መንግስቲ ዘቖመለይ፥ ኣዶንያስ ሎሚ ኸም ዝቕተል፥ ብህያው እግዚኣብሄር እምሕል ኣለኹ” ኢሉ ብእግዚኣብሄር መሓለ። 25ስለዙይ ንጉስ ሰሎሞን ንበናያስ ወዲ ዮዳሄ ሰደዶ፤ ንሱ ድማ ንኣዶንያስ ወቕዖ፤ ሞተውን።
ምስዓር ኣብያታርን ሞት ኢዮኣብን
26ንጉስ ከዓ ንኻህን ኣብያታር “ንስኻ ሞት ዝግብአካ ሰብ ኢኻ፤ ግና ታቦት እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብዘመን ኣቦይ ዳዊት ስለ ዝፆርካ፥ ኣብ ኵሉ መከራ ኣቦይ ድማ መከራ ስለ ዝረኸብካ፥ ሎሚ ኣይቀትለካን እየ፤ ግና ናብ ግራውትኻ፥ ናብ ኣናቶት ኪድ” በሎ። #2 ሳሙ. 15፡24፥ 1 ሳሙ. 22፡20-23። 27#1 ሳሙ. 2፡27-36። እቲ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ቤት ኤሊ፥ ኣብ ሴሎ ዝተዛረቦ ቓል ምእንቲ ኽፍፀም፥ ሰሎሞን ንኣብያታር ካህን እግዚኣብሄር ኮይኑ ኻብ ምግልጋል ሰዓሮ።
28ኢዮኣብ ድማ ንኣቤሴሎም እኳ እንተ ዘይተኸተለ፥ ንኣዶንያስ ተኸቲሉ ነበረሞ፥ ወረ ምስ በፅሖ፥ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ሃዲሙ ቐርኒ መሰውኢ ሓዘ። 29ንንጉስ ሰሎሞን ከዓ ኢዮኣብ ናብ ድንኳን እግዚኣብሄር ከም ዝሃደመን ንመሰውኢ ድማ ኸም ዝሓዘን ነገርዎ። ንጉስ ሰሎሞን ከዓ ልኡኽ ሰዲዱ ስለ ምንታይ ናብቲ መሰውኢ ኸም ዝሃደመ ጠየቖ። ኢዮኣብ ድማ ንሰሎሞን ፈሪሑ ኸም ዝሃደመ ነገሮ። ሽዑ ሰሎሞን ንበናያስ ወዲ ዮዳሄ፥ “ኬድካ ቕተሎ” ኢሉ ኣዘዞ።
30በናያስ ከዓ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን መፂኡ፥ “ንጉስ ‘ውፃእ’ ኢሉ ይእዝዘካ ኣሎ” በሎ። ንሱ ግና “ኣይፋለይን፤ ኣብዙይ ደኣ እመውት እምበር ኣይወፅእን እየ” በሎ። በናያስ ድማ ንንጉስ፥ ኢዮኣብ ከምዙይ ኢሉኒ፥ ከምዙይውን መሊሱለይ ኢሉ ነገሮ።
31ንጉስ ከዓ “ከምቲ ዝበሎ ግበር፤ ቀቲልካ ቕበሮ፤ ነቲ ኢዮኣብ ዘፍሰሶ ንፁህ ደም ድማ ኻባይን ካብ ቤት ኣቦይን ኣርሕቆ። 32ነቶም ካብኡ ዝቐንዑን ዝሐሹን ዝነበሩ ኽልተ ሰባት፥ ንኣበኔር ወዲ ኔር ሓለቓ ሰራዊት እስራኤልን ንዓሜሳይ ወዲ ዮቴር ሓለቓ ሰራዊት ይሁዳን፥ ኣቦይ ዳዊት እንተይፈለጠ፥ ብሰይፊ ወቒዑ ስለ ዝቐተሎም፥ እግዚኣብሄር ደሙ ናብ ልዕሊኡ ይምለሰሉ። 33ደሞም ናብ ርእሲ ኢዮኣብን ናብ ርእሲ ዘርኡን ንዘለኣለም ይመለስ፤ ንዳዊትን ንዘርኡን ንቤቱን ንዙፋኑን ግና ኻብ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ሰላም ይኹን” በሎ።
34ሽዑ በናያስ ወዲ ዮዳሄ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ደዪቡ ወቒዑ ቐተሎ። ኣብታ ኣብ ሜዳ ዘላ መሬቱ ኸዓ ተቐበረ። 35ንጉስ ሰሎሞን ድማ ኽንዲ ኢዮኣብ ንበናያስ ወዲ ዮዳሄ ሓለቓ ሰራዊት ገበረ። ንኻህን ሳዶቕ ከዓ ኽንዲ ኣብያታር ገበረ።
ሞት ሳሚ
36እቲ ንጉስ ከዓ ንሳሚ ልኢኹ ፀውዖ። “ኣብ ኢየሩሳሌም ቤት ሰሪሕኻ ተቐመጥ፤ ካብኣ ድማ ኣይትውፃእ። 37በታ ወፂእኻ ንሩባ ቄድሮን ዝተሳገርካላ መዓልቲ ርግፅ ከም እትመውት ኣፀቢቕካ ፍለጥ፤ ደምካውን ኣብ ርእስኻ ይኹን” በሎ።
38ሳሚ ኸዓ ንንጉስ “እዝ ዝበልካዮ ፅቡቕ እዩ፤ ከምቲ ጐይታይ ንጉስ ዝበልካዮ ኣነ ባርያኻ ኸምኡ ኽገብር እየ” በሎ። ሳሚ ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ብዙሕ መዓልቲ ተቐመጠ።
39ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ክልተ ኣገልገልቲ ሳሚ ናብ ኣንኩስ ወዲ መዓካ፥ ንጉስ ጌት ሃደሙ። ንሳሚ ድማ “ኣብ ጌት ኣለዉ” ኢሎም ነገርዎ። 40ሽዑ ሳሚ ኣድጉ ፅዒኑ ነቶም ኣገልገልቲ ኽደልዮም ናብ ኣንኩስ ናብ ጌት ከደ። ምስ ረኸቦም ድማ ሒዝዎም ተመለሰ።
41ሳሚ ኻብ ኢየሩሳሌም ናብ ጌት ከይዱ ኸም ዝተመለሰ ድማ ንሰሎሞን ነገርዎ። 42እቲ ንጉስ ከዓ ልኢኹ ንሳሚ ፀውዖ፤ “በታ ኻብ ኢየሩሳሌም ዝወፃእኻላ መዓልቲ ርግፅ ከም እትመውት ኣፀቢቕካ ፍለጥ ኢለ ብእግዚኣብሄር ኣምሒለካን ኣሰሚዐልካንዶ ኣይነበርኩን? ንስኻውን ‘እዝ ዝበልካዮ ፅቡቕ እዩንዶ ኢልካኒ ኣይነበርካን?’ 43ነቲ ማሕላ እግዚኣብሄርን ነቲ ዝኣዘዝኩኻ ትእዛዝን ደኣ ስለ ምንታይ ኢኻ ዘይሓለኻዮ?
44“እቲ ነቦይ ዳዊት ዝገበርካዮ ኽፉእ ነገር ኣፀቢቕካ ትፈልጦ ኣለኻ። ስለዙይ ከዓ እግዚኣብሄር ክቐፅዐካ እዩ። 45ንጉስ ሰሎሞን ግና ቡሩኽ ይኹን፤ ዙፋን ዳዊት ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ፅኑዕ ይኹን” በሎ።
46ንጉስ ድማ ንበናያስ ወዲ ዮዳሄ ኣዘዞ፤ ንሱ ድማ ወፂኡ ንሳሚ ቐተሎ፤ ሞተውን። እታ መንግስቲ ድማ ኣብ ኢድ ሰሎሞን ፀንዐት።

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in