1ይ ነገስት 3
3
ሰሎሞን ጥበብ ክወሃቦ ኸም ዝፀለየ
1ሰሎሞን ንፈርዖን ንጉስ ግብፂ ሓሙ ኾነ እሞ ንጓል ፈርዖን ኣእተዋ፤ ቤቱን ቤት እግዚኣብሄርን ነቲ ኣብ ዙርያ ኢየሩሳሌም ዘሎ ቕፅርን ሰሪሑ ኽሳዕ ዝውድእ ከዓ፥ ናብ ከተማ ዳዊት ኣምፅኣ። 2ክሳዕ እቲ እዋን እቱይ ገና ብስም እግዚኣብሄር ቤተ መቕደስ ኣይተሰርሐን ነበረ እሞ፥ እቲ ህዝቢ ኣብ ኰረብታታት ጥራሕ ይስውእ ነበረ። 3ሰሎሞን ድማ ንእግዚኣብሄር ይፈትዎ ነበረ፤ ብስርዓት ኣቦኡ ዳዊትውን ይኸይድ ነበረ፤ እንተ ኾነ ኣብ ኰረብታታት ይስውእን ይዓጥንን ነበረ።
4እታ ዝዓበየት ኰረብታ ገባዖን ነበረት እሞ፥ እቲ ንጉስ ኣብኣ ኽስውእ ከደ። ኣብቲ መሰውኢ እቱይ ከዓ ሰሎሞን ሽሕ ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕረበ። 5በታ ለይቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ንሰሎሞን ኣብ ገባዖን ብሕልሚ ተገለፀሉ። “እንታይ ከም ዝህበካውን ለምን” በሎ።
6ሰሎሞን ድማ “ንስኻ ንባርያኻ ነቦይ ዳዊት ብዙሕ ምሕረት ገበርካሉ። ንሱ ኸዓ ኣብ ቅድሜኻ ብእምነትን ብፅድቅን ብቕንዕና ልብን ተመላለሰ፤ ነዝ ዓብዪ ምሕረት እዙይ ሓሊኻ ኸዓ፥ ከምዝ ሎሚ ኾይንዎ ዘሎ፥ ኣብ ዙፋኑ ዝቕመጥ ወዲ ሃብካዮ።
7“ሕዚ እውን፥ ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፥ ንኣይ ንባርያኻ ኽንዲ ኣቦይ ዳዊት ኣንገስካኒ፤ ኣነ ኸዓ መውፅእየይን መእተውየይን ዘይፈልጥ ንእሽተይ ቈልዓ እየ። 8ኣነ ባርያኻ ድማ ኣብ ማእኸል እዝ ንስኻ ዝሓረኻዮ ህዝቢ፥ ኣብ ማእኸል እዝ ካብ ምብዛሑ ዝተልዓለ ዘይቝፀርን ዘይፅብፀብን ብዙሕ ህዝቢ እየ ዘለኹ። 9ነዝ ብዙሕ ህዝቢ እዙይ ደኣ መን ከመሓድሮ ይኽእል? እምበኣርከስ ኣብ መንጎ ፅቡቕን ክፉእን ፈልዩ ንህዝብኻ ብቕንዕና ምእንቲ ኽፈርድስ፥ ንባርያኻ ዘስተውዕል ልቢ ሃቦ” ኢሉ ለመነ።
10ሰሎሞን እዝ ነገር እዙይ ስለ ዝለመነ ድማ፥ ነገሩ ንእግዚኣብሄር ደስ ኣበሎ። 11እግዚኣብሄርውን፥ “ፍርዲ ንምፍላጥ ምስትውዓል ለመንካ እምበር፥ ንባዕልኻ ብዙሕ ዘመናት፥ ብዙሕ ሃብቲ፥ ነፍሲ ፀላእትኻ እንተይለመንካ፥ ነዝ ነገር እዙይ ለሚንካ ኢኻሞ። 12እንሆ፥ ኣነውን ከምቲ ቓልካ ገይረልካ ኣለኹ፤ ብልህን ዘስተውዕል ልብን ሂበካ ኣለኹ። እዝ ውህብቶ እዙይ ቅድሜኻ ንዝነበረ ኣይሃብኩን፤ ብድሕሬኻውን ከማኻ ዝበለ ኣይህሉን እዩ። 13ምስኡ ድማ፥ ካብ ነገስታት ዝመስለካ ሓደ እኳ ኸይነብር ዘይለመንካኒ ሃብትን ክብረትን ሂበካ ኣለኹ። 14ከም ኣቦኻ ዳዊት ሕግጋተይን ትእዛዛተይን እንተ ሓሊኻ፥ ብመንገደይ ድማ እንተ ኼድካ፥ ዕድሜኻ ኽነውሕ እዩ” በሎ። 15ሰሎሞን ድማ ተበራበረ፤ እንሆ፥ ሕልሚ ኸም ዝኾነ ፈለጠ። ናብ ኢየሩሳሌም መፂኡ ድማ ኣብ ቅድሚ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ቆመ፤ ዝቃፀል መስዋእቲ ኸዓ ኣዕረገ፤ መስዋእቲ ምስጋናውን ኣቕረበ። ንዅሎም ሹመኛታቱ ድማ ምሳሕ ገበረሎም።
ቅኑዕ ፍርዲ
16ሽዑ ኽልተ ኣመንዝራታት ኣንስቲ ናብ ንጉስ መፂአን ኣብ ቅድሚኡ ደው በላ። 17እታ ሓንቲ ሰበይቲ ኸዓ “ኦ ጐይታይ፥ ኣነን እዛ ሰበይቲ እዚኣን ኣብ ሓንቲ ቤት ኢና እንነብር። ኣብታ ቤት ምስኣ እንተለኹ ኸዓ ወዲ ወለድኩ። 18ኣብ ሳልሰይቲ መዓልተይውን እዛ ሰበይቲ እዚኣ ወለደት። ንሕና ኸዓ ብሓንሳእ ነበርና፤ ኣብታ ቤት እቲኣ ብዘይ ክልቴና ኻልእ ሰብ ኣይነበረን።
19“ወዲ እዛ ሰበይቲ እዚኣ ኸዓ፥ ንሳ ኣብ ልዕሊኡ ስለ ዝደቀሰት ለይቲ ሞተ። 20ፍርቂ ለይቲ ተሲኣ ኸዓ፥ ኣነ ገረድካ ደቂሰ እንተለኹ፥ ነቲ ወደይ ካብ ሕቝፈይ ወሲዳ ኣብ ሕቝፋ ኣደቀሰቶ፤ ነቲ ምዉት ወዳ ግና ኣብ ሕቝፈይ ኣደቀሰቶ። 21እንሆ ወደይ ከጥቡ ኢለ ንግሆ እንተ ተሳእኹ ኸዓ ሞይቱ ፀንሐ። ብምስትውዓል እንተ ጠመትክዎ ድማ እቲ ዝወለድክዎ ወደይ ኣይነበረን” በለት።
22እታ ኻልአይቲ ሰበይቲ ኸዓ “ኣይፋሉን፤ እዝ ብህይወቱ ዘሎ ወደይ እዩ፤ እቲ ምዉት ግና ወድኺ እዩ” በለት። እዚኣ ድማ “ኣይፋሉን፤ እቲ ምዉት ደኣ እዩ ወድኺ እምበር፥ እዝ ብህይወቱ ዘሎስ ወደይ እዩ” በለት። በዙይ ከዓ ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉስ ተኸራኸራ።
23ሽዑ እቲ ንጉስ “እዚኣ ‘እዝ ብህይወቱ ዘሎ ወደይ እዩ፥ እቲ ምዉት ከዓ ወድኺ እዩ’ ትብል ኣላ፥ እዚኣ ኸዓ ‘ኣይፋሉን፥ እቲ ምዉት ወድኺ እዩ፥ እዝ ብህይወቱ ዘሎ ግና ወደይ እዩ’ ትብል ኣላ” በለ።
24እቲ ንጉስ ከዓ “ሰይፊ ኣምፅኡለይ” በለ። ሰይፊ ድማ ኣምፅኡሉ። 25እቲ ንጉስ ድማ “ነዝ ብህይወቱ ዘሎ ህፃን ኣብ ክልተ ቘሪፅኩም እቲ ፈረቓ ነዛ ሓንቲ፥ እቲ ፈረቓ ኸዓ ነታ ሓንቲ ሃብወን” በለ።
26ሽዑ እታ ወዳ ብህይወት ዘሎ ኣምዑታ ተናወፀ እሞ፥ ነቲ ንጉስ፥ “ኦ ጐይታይ ንጉስ፥ እዝ ብህይወቱ ዘሎ ህፃን ንኣኣ ሃብዋ እምበር ምቕታልስ ኣይትቕተልዎ” ኢላ ተዛረበቶ። እታ ኻልአይቲ ግና፥ “ኣይ ንኣይ፥ ኣይ ንኣኺ፥ ቍረፅዎ ደኣ” በለት።
27ሽዑ ንጉስ “ምቕታልስ ኣይትቕተልዎ፤ እዝ ብህይወቱ ዘሎ ህፃን ነታ ቐዳመይቲ ሰበይቲ ሃብዋ፤ እኖኡ ንሳ እያ” ኢሉ መለሰ። 28ነዝ ንጉስ ዝፈረዶ ፍርዲ ብዘለዉ እስራኤል ሰምዕዎ። ቅኑዕ ፍርዲ ንምፍራድ ጥበብ እግዚኣብሄር ኣብኡ ኸም ዘሎ ሪኦም ከዓ ንንጉስ ፈርሕዎ።
Currently Selected:
1ይ ነገስት 3: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in