1ይ ነገስት 19
19
ኤልያስ ኣብ እምባ ሲና
1ኣክኣብ ድማ እቲ ዅሉ ኤልያስ ዝገበሮን ንዅሎም ነቢያት ከዓ ብሰይፊ ኸም ዝቐተሎምን ንኤልዛቤል ነገራ። 2ሽዑ ኤልዛቤል ልኡኽ ሰዲዳ፥ ንኤልያስ “ፅባሕ ከምዛ ጊዜ እዚኣ ንነፍስኻ ኻብዚኣቶም ከም ሓንቲ ነፍሲ እንተ ዘይገይረያ ኣማልኽቲ እዙይ ይግበሩኒ፤ እዙይውን ይወስኹኒ” በለት።
3ኤልያስ ከዓ ፈሪሑ ተልዓለ፤ ህይወቱ ንኸድሕንውን ሃዲሙ ኸደ፤ ናብ ቤርሳቤህ ናይ ይሁዳ ድማ መፀ፤ ነቲ ሓሽከሩ ኸዓ ኣብኣ ሓደጎ። 4ንሱ ግና ኣብ ምድረ በዳ መንገዲ መዓልቲ ኽይድ ውዒሉ፥ ናብ ፅላል ሓንቲ ኽሊዐው መፂኡ ኾፍ በለ፤ ክመውት ድማ ተመነየ። “ኦ እግዚኣብሄር፥ ኣነስ ካብ ኣቦታተይ ኣይበልፅን እየ እሞ፥ ሕዚ ይኣኽለኒ፤ ንነፍሰይ ውሰዳ” ኢሉ ፀለየ። #ዮናስ 4፡3። 5ኣብ ፅላል እታ ኽሊዐው ከዓ ለጥ ኢሉ ደቀሰ።
እንሆ ድማ፥ መልኣኽ ነቕኒቑ “ተስእ እሞ ብላዕ” በሎ። 6እንተ ጠመተ ኸዓ፥ እንሆ ኣብ ርሱን እምኒ ዝተሰንከተ ቕጫን ሳርማ ማይን ኣብ ትርኣሱ ነበረ። በሊዑን ሰትዩን ድማ መሊሱ ደቀሰ።
7እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከዓ ንኻልኣይ ጊዜ ኣበራቢሩ “ነዊሕ መንገዲ ኣለካ እሞ፥ ተሲእኻ ብላዕ” በሎ። 8ንሱ ድማ ተሲኡ በልዐን ሰተየን እሞ፥ ብሓይሊ እቲ ምግቢ ኽሳዕ እቲ ዝተቐደሰ እምባ እግዚኣብሄር ኮሬብ፥ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ከደ። 9ኣብኡ ኸዓ ናብ በዓቲ ኣተወ፤ ኣብኡውን ሓደረ። “ኤልያስ፥ ኣብዙይ እንታይ ትገብር ኣለኻ?” ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብኡ መፀ። 10ንሱ ኸዓ “ንሰራዊት ጐይታ እግዚኣብሄር የመና ቐኒአ ኣለኹ። ደቂ እስራኤል ግና ኺዳንካ ሓዲጎም ንመሰውኢታትካ ድማ ኣፍሪሶም፥ ንነቢያትካውን ብሰይፊ ቐቲሎምዎም እዮም፤ ኣነ ኸዓ በይነይ እየ ተሪፈ ዘለኹ። ሕዚ ድማ ንነፍሰይ ይደልይዋ ኣለዉ” በለ።
11እግዚኣብሄር ከዓ “ወፂእኻ ኣብቲ እምባ ኣብ ቅድመይ ደው በል” በሎ። እንሆ ድማ እግዚኣብሄር ሓለፈ፤ ቀቅድሚ እግዚኣብሄር ከዓ የመና ብርቱዕ ንፋስ መፀ፤ ነቲ እምባታት ሰንጠቖ፤ ነቲ ኣኻውሕ ድማ ሰባበሮ። እግዚኣብሄር ግና ኣብ ውሽጢ እቲ ንፋስ ኣይነበረን። ድሕሪ እቲ ንፋስ ከዓ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኾነ፤ እግዚኣብሄር ግና ኣብ ውሽጢ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣይነበረን። 12ድሕሪ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ድማ ሓዊ መፀ፤ እግዚኣብሄር ግና ኣብቲ ሓዊ ኣይነበረን፤ ድሕሪ እቲ ሓዊ ኸዓ ህዱእ ድምፂ መፀ። 13ኤልያስ እዙይ ምስ ሰምዐ፥ ገፁ ብበርኖሱ ኸደነ፤ ወፂኡ ኸዓ ኣብ ኣፍ እቲ በዓቲ ደው በለ። እንሆ ድማ፥ ድምፂ ናብኡ መፂኡ “ኤልያስ፥ ኣብዙይ እንታይ ትገብር ኣለኻ?” በሎ።
14 #
ሮሜ 11፡3። ንሱ ኸዓ “ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ የመና ቐኒአ ኣለኹ። ደቂ እስራኤል ግና ኺዳንካ ሓዲጎም ንመሰውኢታትካ ድማ ኣፍሪሶም፥ ንነቢያትካውን ብሰይፊ ቐቲሎምዎም እዮም፤ ኣነ ኸዓ በይነይ እየ ተሪፈ ዘለኹ። ሕዚ ድማ ንነፍሰይ ክወስድዋ ይደልዩ ኣለዉ” በለ።
15 #
2 ነገ. 8፡7-13። እግዚኣብሄር ከዓ “ኪድ፤ ብምድረ በዳ ደማስቆ ኣቢልካ በታ ዝመፃእኻያ መንገዲ ተመለስ፤ ኣብ ደማስቆ ምስ በፃሕኻ ድማ፥ ንኣዛሄል ኣብ ሶርያ ኽነግስ ቅብኣዮ። 16ንኢዩ ወዲ ናሜሲን ከዓ ኣብ እስራኤል ክነግስ ቅብኣዮ። ንኤልሳዕ ወዲ ሳፋጥ በዓል ኣቤል ሜሆላ ድማ ኽንዳኻ ነቢይ ክኸውን ቅብኣዮ። #2 ነገ. 9፡1-6። 17ነቲ ኻብ ሰይፊ ኣዛሄል ዘምለጠ ኢዩ ኽቐትሎ እዩ፤ ነቲ ኻብ ሰይፊ ኢዩ ዘምለጠ ድማ ኤልሳዕ ክቐትሎ እዩ። 18#ሮሜ 11፡4። ኣነ ግና ንጣዖት በዓል ክሰግዱሉ ኢሎም ዘይተምበርከኹን ንምስሉ ብኣፎም ዘይተሳለሙን ኣብ እስራኤል ሸውዓተ ሽሕ ሰብ ንኣይ ኣትሪፈ ኣለኹ” በለ።
ኤልሳዕ ከም ዝተፀውዐ
19ኤልያስ ከዓ ኻብኡ ኸይዱ ንኤልሳዕ ወዲ ሳፋጥ፥ ዓሰርተ ኽልተ ፅምዲ ብዕራይ ገይሩ ኸሕርስ እንተሎ ረኸቦ፤ ኤልሳዕ ባዕሉ ኸዓ በቶም መበል ዓሰርተ ኽልተ ፅምዲ ኣብዑር ይሓርስ ነበረ። ኤልያስ ድማ ናብኡ ሓሊፉ ባርኖሱ ኣውደቐሉ። 20ንሱ ኸዓ ነቶም ኣብዑር ሓዲጉ ደድሕሪ ኤልያስ ጐይዩ፥ “በይዛኻ፥ ነቦይን ንኖይን ስዒመ ኽመፅእ እሞ ብድሕሪኡ ኽስዕበካ ፍቐደለይ” በሎ።
ንሱ ድማ “ኪድ ተመለስ፤ እንታይዶ ገይረልካ እየ?” በሎ።
21ካብኡ ተመሊሱ ኸዓ፥ ንኽልቲኦም ኣብዑር ሓረዶም፤ ነቲ ስጋኦም ድማ በቲ መሳርዕ ማሕረስ ኣብሲሉ፥ ነቶም ህዝቢ ሃቦም፤ ንሳቶምውን በልዑ። ተሲኡ ድማ ንኤልያስ ተኸቲሉ ኸደ፤ የገልግሎውን ነበረ።
Currently Selected:
1ይ ነገስት 19: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in