YouVersion Logo
Search Icon

1ይ ነገስት 18

18
ኤልያስን ኣብድዩን
1ድሕሪ ነዊሕ ጊዜ፥ በታ ሳልሰይቲ ዓመት፥ ንኤልያስ “ኬድካ ንኣክኣብ ተርኣዮ እሞ፥ ኣነ ድማ ንምድሪ ዝናም ከዝንመላ እየ” ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤልያስ መፀ። 2ኤልያስ ከዓ ንኣክኣብ ክረአዮ ኸደ።
እቲ ጥሜት ድማ ኣብ ሰማርያ በርቲዑ ነበረ። 3ኣክኣብ ድማ ንኣብድዩ ኣዛዚ ቤቱ ፀውዖ። (ኣብድዩ የመና ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕ ሰብ ነበረ። 4በቲ ኤልዛቤል ንነቢያት እግዚኣብሄር ዘቕተለትሉ ጊዜ፥ ኣብድዩ ሚእቲ ነቢያት ወሲዱ፥ በብሓምሳ ገይሩ ኣብ በዓቲ ሓብኦም፤ እንጀራን ማይን ድማ ይምግቦም ነበረ።) 5ኣክኣብ ከዓ ንኣብድዩ፥ “ምናልባሽ ሳዕሪ እንተ ረኸብና እሞ ኣፍራስን ኣባቕልን ክነድሕን እንተ ኸኣልናስ፥ ኣብዝ ሃገር ናብ ዘሎ ዅሉ ዓይኒ ማያትን፥ ናብ ኵሉ ሩባታትን ንኺድ” በሎ። 6ክዀልዋ ድማ ነታ ሃገር ተማቐልዋ። ኣክኣብ ንበይኑ ብሓደ መንገዲ ኸደ፤ ኣብድዩውን ንበይኑ ብኻልእ መንገዲ ኸደ።
7ኣብድዩ ብመንገዲ ክኸይድ እንተሎ ኸዓ፥ እንሆ ኤልያስ ተራኸቦ፤ ኣለልይዎ ድማ ብገፁ ፍግም ኢሉ “ጐይታይ ኤልያስ ዲኻ ንስኻ?” በሎ።
8ንሱ ድማ “እወ፥ ኣነ እየ፤ ንጐይታኻ ኣክኣብ ‘ኤልያስ ኣብዙይ ኣሎ’ ኢልካ ኺድ ንገሮ” በሎ።
9ኣብድዩ ኸዓ “እንታይ ሓጢኣትዶ ገይረ እየ? ንጉስ ኣክኣብ ክቐትለንስ፥ ንኣይ ንሓሽከርካ ኣብ ኢዱ ኣሕሊፍካ ኽትህበኒ? 10ጐይታይ ንጉስ ክደልየካ ኢሉ ዘይለኣኸሉ ህዝብን መንግስትን ከም ዘየለ ብህያው እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እምሕል ኣለኹ። ‘ኣይረኸብናዮን’ ምስ በልዎ ኸዓ፥ ንሱ ነቲ መንግስትን ነቲ ህዝብን ከም ዘይረኸቡኻ ኣምሓሎም። 11ሕዚ ድማ ንስኻ ‘ኤልያስ ኣብዙይ ኣሎ’ ኢልካ ንጐይታኻ ንገሮ ትብለኒ ኣለኻ። 12ካባኻ ምስ ከድኩ፥ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣነ ናብ ዘይፈልጦ እንተ ወሰደካ፥ ኣነ ድማ ንኣክኣብ ምስ ነገርክዎ እንተ ዘይረኸበካ ኽቐትለኒ እዩ። ንስኻ ግና ኣነ ሓሽከርካ ኻብ ንእስነተይ ጀሚረ ንእግዚኣብሄር ዘምልኽ ምዃነይ ዘክር። 13በቲ ኤልዛቤል ንነቢያት እግዚኣብሄር ዝቐተለትሉ ጊዜ፥ ካብ ነቢያት እግዚኣብሄር ሚእቲ ሰብ በብሓምሳ ገይረ ኣብ በዓቲ ሓቢአ እንጀራን ማይን መገብክዎም። እቲ ኣነ ዝገበርክዎ ንኣኻ ንጐይታይዶ ኣይነገሩኻን እዮም? 14ሕዚ ኸዓ ንስኻ ‘ናብ ጐይታኻ ኼድካ፥ ኤልያስ ኣብዙይ ኣሎ ኢልካ ንገሮ’ እትብለንስ ክቐትለኒ እንድዩ?” በሎ።
15ኤልያስ ድማ “ኣነ ሎሚ ንኣክኣብ ከም ዝርኣዮ፥ በቲ ኣነ ዘገልግሎ ህያው እግዚኣብሄር እምሕል ኣለኹ” በሎ።
ኤልያስ ኣብ እምባ ቀርሜሎስ
16ኣብድዩ ኸዓ ኸይዱ ንኣክኣብ ረኺቡ ነገሮ፤ ኣክኣብ ድማ ንኤልያስ ክረኽቦ ኸደ። 17ኣክኣብ ንኤልያስ ምስ ረአዮ “ንእስራኤል እትገለባብጦም ዘለኻ ንስኻ ዲኻ?” በሎ። 18ኤልያስ ድማ “ንስኻን ቤት ኣቦኻን ኢኹም ትእዛዛት እግዚኣብሄር ብምሕዳግኩምን ንጣዖት በዓል ብምግልጋልኩምን ንእስራኤል እትገለባብጡ ዘለኹም እምበር፥ ኣነስ ንእስራኤል ኣይገለባበጥኩን። 19ሕዚ ኸዓ ልኢኽካ ንዅሉ እስራኤልን ነቶም ኣብ ማእዲ ኤልዛቤል ዝበልዑ ኣርባዕተ ሚእትን ሓምሳን ነቢያት በዓልን ኣርባዕተ ሚእቲ ነቢያት ኣስታተርን ናባይ ናብ እምባ ቀርሜሎስ ኣክበለይ” በሎ።
20ኣክኣብ ድማ ልኢኹ ንዅሎም ደቂ እስራኤልን ነቶም ነቢያት ጣዖት በዓልን ናብ እምባ ቀርሜሎስ ኣከቦም። 21ኤልያስ ድማ ናብ ኵሉ እቲ ህዝቢ ቐሪቡ “ክሳዕ መኣዝ ኢኹም ብኽልተ ሓሳብ እትሕንክሱ? እግዚኣብሄር እንተ ኾይኑ ኣምላኽ ደድሕሪኡ ሰዓቡ፤ በዓል እንተ ደኣ ኾይኑ ኣምላኽ ከዓ ንእኡ ሰዓቡ” በሎም። እቶም ህዝቢ ግና ሓንቲ ቓል እኳ ኣይመለሱሉን።
22ሽዑ ኤልያስ ነቶም ህዝቢ፥ “ኻብ ነቢያት እግዚኣብሄር ኣነ በይነይ ተሪፈ ኣለኹ፤ ነቢያት በዓል ግና ኣርባዕተ ሚእትን ሓምሳን ሰብ እዮም። 23እምበኣር ክልተ ዝራብዓት ይወሃቡና እሞ፥ ንሳቶም ሓደ ዝራብዕ ይሕረዱ፤ ቈራሪፆም ከዓ ኣብ ልዕሊ ዕንፀይቲ የንብርዎ፤ ሓዊ ግና ኣይእጐዱሉ። ኣነ ድማ ነቲ ኻልኣይ ዝራብዕ ኣሰናድየ ኣብ ልዕሊ ዕንፀይቲ ኸንብሮ እየ፤ ሓዊ ግና ኣይኣጕደሉን እየ። 24ንስኻትኩም ስም ኣምላኽኩም ፀውዑ፤ ኣነ ድማ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ክፅውዕ እየ። እቲ ሰሚዑ ብሓዊ ዝምልስ ኣምላኽ ከዓ፥ ንሱ ኣምላኽ ይኹን” በሎም።
ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ “እዚኣስ ፅብቕቲ ዘረባ እያ” ኢሎም መለሱ። 25ኤልያስ ድማ ነቶም ነቢያት በዓል “ንስኻትኩም ብዙሓት ኢኹም እሞ፥ ቅድም ሓደ ዝራብዕ ሓሪኹም ኣሰናድዉ፤ ስም ኣምላኽኩም ከዓ ፀውዑ፤ ሓዊ ግና ኣይትእጐዱሉ” በሎም። 26ንሳቶም ድማ ነቲ ዝሃብዎም ዝራብዕ ወሰዱ፤ ኣሰናድዮም ከዓ፥ “ኦ በዓል፥ ምላሽ ሃበና” እናበሉ ኻብ ጊሓት ጀሚሮም ክሳዕ ፍርቂ መዓልቲ ስም በዓል ፀውዑ። ግና ድምፂ ኣይነበረን፤ መልሲ ዝህብውን ኣይነበረን። ነቲ ዝሰርሕዎ መሰውኢ ድማ እናዘለሉ ይዞርዎ ነበሩ።
27ፍርቂ መዓልቲ ምስ ኮነ ኸዓ፥ ኤልያስ፥ “ንሱ ኣምላኽ እዩ እሞ፥ ብሓሳብ ተውሒጡ ኸይህሉ፥ ወይ ኣግሊሱ ወይ ገይሹ ኸይኸውን፥ ምናልባሽ ከዓ ደቂሱ ኸይህሉ፥ ምእንቲ ኽበራበርስ፥ ዓው ኢልኩም ደኣ ፀውዑ” ኢሉ ኣባጨወሎም። 28ዓው ኢሎም ድማ ፀውዑ፤ ከምቲ ስርዓቶም ከዓ ደሞም ክሳዕ ዝፈስስ፥ ንኣካላቶም ብኣስይፍትን ብዂናታትን ተፍተፍዎ። 29ፍርቂ መዓልቲ ምስ ሓለፈ፥ ክሳዕ እቲ መስዋእቲ ሰርኪ ዝበፅሕ ትንቢት ይናገሩ ነበሩ፤ ግና ድምፂ ኣይነበረን፤ ዝምልስውን ኣይነበረን፤ ዘድምፅውን ኣይነበረን።
30ሽዑ ኤልያስ ንዅሎም ህዝቢ “ናባይ ቅረቡ” በሎም። ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ ናብኡ ቐረቡ። ንሱ ኸዓ ነቲ ፈሪሱ ዝነበረ መሰውኢ እግዚኣብሄር ሓደሶ። 31ኤልያስ ድማ፥ ሽምካ እስራኤል ክበሃል እዩ፥ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ዝመፀሉ ያእቆብ፥ ከም ቍፅሪ ነገዳት ደቂ ያእቆብ፥ ዓሰርተ ኽልተ እምኒ ወሰደ። #ዘፍ. 32፡28፥ 35፡10። 32በተን ኣእማን ከዓ ንስም እግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሐ። ኣብ ዙርያ እቲ መሰውኢ ድማ ዓሰርተ ኣርባዕተ ዕትሮ ማይ ዝሕዝ ጕድጓድ ኰዓተ። 33ነቲ ዕንፀይቲ ኸዓ ፀፍፀፎ፤ ነቲ ዝራብዕ ቘራሪፁ ድማ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ዕንፀይቲ ኣንበሮ። ሽዑ “ኣርባዕተ ዕትሮ ማይ መሊእኹም ኣብ ልዕሊ እቲ ዝቃፀል መስዋእትን ኣብ ልዕሊ እቲ ዕንፀይትን ኣፍስሱሉ” በሎም።
34“ካልኣይ ከዓ ኣፍስሱሉ” በሎም። ካልኣይ ድማ ኣፍሰሱሉ። “ሳልሳይውን ኣፍስሱሉ” በሎም። ሳልሳይውን ኣፍሰሱሉ። 35እቲ ማይ ኣብ ዙሪያ እቲ መሰውኢ ወሓዘ፤ እቲ ጕድጓድ ድማ ማይ መልአ።
36በታ መስዋእቲ ሰርኪ ዝቐርበላ ጊዜ ድማ ነቢይ ኤልያስ ቀሪቡ “ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሓቅን ያእቆብን፥ ንስኻ ኣብ እስራኤል ኣምላኽ ከም ዝኾንካ፥ ኣነውን ኣገልጋሊኻ ምዃነይ፥ ነዝ ዅሉ ድማ ብትእዛዝካ ኸም ዝገበርክዎ፥ ሎሚ ኣፍልጥ። 37እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ከዓ ንስኻ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከም ዝኾንካ፥ ንልባቶም ድማ ናባኻ ኸም ዝመለስካዮ ምእንቲ ኽፈልጡስ ስምዐኒ፤ ኦ እግዚኣብሄር ስምዐኒ” በለ።
38ሽዑ ሓዊ እግዚኣብሄር ወሪዱ፥ ነቲ ዝቃፀል መስዋእትን ነቲ ዕንፀይትን ነቲ ኣእማንን ነቲ ሓመድን በልዖ። ነቲ ኣብ ጕድጓድ ዝነበረ ማይውን ለሓሶ።
39ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸዓ ነዙይ ምስ ረአዩ፥ ብገፆም ተደፊኦም “እግዚኣብሄር፥ ንሱ እዩ ኣምላኽ! እግዚኣብሄር፥ ንሱ እዩ ኣምላኽ!” በሉ።
40ኤልያስ ድማ “ንነቢያት በዓል ሓዝዎም፤ ካብኣቶም ሓደ እኳ ኣየምልጥ” በሎም። እቶም ህዝቢ ኸዓ ሓዝዎም። ኤልያስ ድማ ናብ ሩባ ቂሶን ኣውሪዱ ኣሕረዶም።
መወዳእታ ድርቂ
41ኤልያስ ከዓ ንኣክኣብ፥ “ድምፂ ብርቱዕ ዝናም ይስማዕ ኣሎ እሞ፥ ደይብካ ብላዕን ስተን” በሎ። 42ሽዑ ኣክኣብ ክበልዕን ክሰትን ደየበ። ኤልያስ ድማ ናብ ርእሲ ቀርሜሎስ ደየበ፤ ናብ ምድሪ ሰጊዱ ኸዓ ገፁ ኣብ መንጎ ኣብራኹ ገበረ፤ ብግምባሩውን ተደፍአ። 43ነቲ ሓሽከሩ ድማ “ውፃእሞ ናብ ባሕሪ ኣቢልካ ኣማዕዱ” በሎ። ወፂኡ ኣማዕድዩ ኸዓ፥ “ዝኾነ እኳ የለን” በሎ። ኤልያስ ከዓ “ኪድ ሸውዓተ ጊዜ ተመላለስ በሎ” እቲ ሓሽከሩ ኸዓ ሸውዓተ ጊዜ ተመላለሰ። 44በታ ሻውዐይቲ ጊዜ “ክንዲ ኢድ ሰብ ዝምንኣሳ ደመና ኻብ ባሕሪ ትለዓል ኣላ” በሎ። ኤልያስ ከዓ “ደይብካ ንኣክኣብ ‘ዝናም ከይዓግተካ፥ ሰረገላኻ ፅዒንካ ውረድ’ ኢልካ ንገሮ” በሎ።
45ሽዑ ንሽዑ እቲ ሰማይ ብደመናን ብመሸምቦባን ፀልመተ፤ ብርቱዕ ዝናም ከዓ ኾነ። ኣክኣብ ድማ ኣብ ሰረገላኡ ተቐሚጡ ናብ ኢይዝራኤል ከደ። #ያቆ. 5፡18። 46ኢድ እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ ልዕሊ ኤልያስ ነበረት፤ ሕቘኡ ተዓጢቑ ድማ ኽሳዕ እቲ ንይዝርኤል ዝኣቱ፥ ቀቅድሚ ኣክኣብ ይጐዪ ነበረ።

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in