1ይ ነገስት 20
20
ውግእ ምስ ሶርያ
1ወልደ ኣዴር ንጉስ ሶርያ ድማ ዅሉ ሰራዊቱ ኣኽተተ። ሰላሳን ክልተን ነገስታት ምስ ኣፍራሶምን ሰረገላታቶምን ከዓ ምስኡ ነበሩ። ደዪቡ ድማ ንሰማርያ ኸቢቡ ተዋግኣ። 2ናብ ከተማ፥ ናብ ኣክኣብ ንጉስ እስራኤል ልኡኽ ሰዲዱ ድማ “ወልደ ኣዴር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ 3‘ብሩርካን ወርቅኻን ኣንስትኻን እቶም ዘዝፀበቑ ደቅኻን ናተይ እዮም’ ” በሎ።
4ንጉስ እስራኤል ከዓ “ጐይታይ ንጉስ ከምቲ ዘረባኻ እዩ፥ ኣነን እቲ ዅሉ ዘለንን ናትካ ኢና” ኢሉ መለሰሉ።
5እቶም ልኡኻት ድማ ተመሊሶም “ወልደ ኣዴር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ብሩርካን ወርቅኻን ኣንስትኻን ደቅኻን ሃበኒ ኢለ ልኢኸልካ ነይረ፤ 6ግና ፅባሕ ከምዛ ጊዜ እዚኣ ኣሕሉቕ ሰራዊተይ ናባኻ ኽሰድድ እየ እሞ፥ ገዛኻን ኣባይቲ ሹመኛታትካን ክጕርጕሩ እዮም። ንዅሉ ደስ ዝበሎምን በእዳዎም ዝዳህሰስዎን ክወስድዎ እዮም’ ” በልዎ።
7ሽዑ እቲ ንጉስ እስራኤል ንዅሎም ዓበይቲ እታ ሃገር ፀዊዑ “እዝ ሰብኣይ እዙይ ነገር ይደልየና ኸም ዘሎ ረአዩ፤ ኣንስተይን ደቀይን ብሩረይን ወርቀይን ክህቦ ልኢኹለይ ኣይከላእኽዎን” በሎም። 8ኵሎም ዓበይትን ኵሉ እቲ ህዝብን “ኣይትስምዓዮ፤ ሕራይውን ኣይትበሎ” በልዎ።
9ንሱ ኸዓ ነቶም ልኡኻት ወልደ ኣዴር “ንጐይታይ ንጉስ ‘እቲ ዅሉ ቕድም ንሓሽከርካ ዝለኣኽካለይ ነገር ክገብሮ እየ፤ ግና እዝ ሕዚ ዝበልካዮ ነገር፥ ክገብሮ ኣይክእልን እየ ኢሉ’ በሉለይ” በሎም። እቶም ልኡኻት ከዓ ኸይዶም እዝ ነገር እዙይ ነገርዎ።
10ወልደ ኣዴር ድማ “ነቲ ዝኽተለኒ ህዝቢ ሓመድ ሰማርያ ዕዅቲ ዕዅቲ እንተ በፂሕዎምስ ኣማልኽቲ እዙይ ይግበሩኒ፤ እዙይውን ይወስኹኒ” ኢሉ ለኣኸሉ።
11እቲ ንጉስ እስራኤል ከዓ “ ‘እቲ ኣፅዋር ዝዕጠቕ ከምቲ ኣፅዋር ዝፈትሕ ገይሩ ኣይዘሃርን እዩ’ በልዎ” ኢሉ መለሰሎም።
12ወልደ ኣዴርን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ነገስታትን ኣብ ድንኳናት ኮይኖም ክሰትዩ እንተለዉ፥ እዝ ነገር እዙይ ሰምዑ። ወልደ ኣዴር ድማ ንሰራዊቱ “ተሰለፉ” በሎም። ንሳቶም ከዓ ኣብ መንፅር እታ ኸተማ ተሰለፉ።
ኣክኣብ ንወልደ ኣዴር ከም ዝሰዓሮ
13ሽዑ ሓደ ነቢይ ናብ ኣክኣብ ንጉስ እስራኤል ቀሪቡ “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ነዝ ብዙሕ ሰራዊት እዙይዶ ትሪኦ ኣለኻ? ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ ምእንቲ ኽትፈልጥ፥ እንሆ ሎሚ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ’ ” በሎ።
14ኣክኣብ ድማ “ብመን?” ኢሉ ጠየቖ። እቲ ነቢይ ኸዓ “እግዚኣብሄር ‘ብኣገልገልቲ እቶም ኣመሓደርቲ ሃገር’ ይብል ኣሎ” ኢሉ መለሰሉ። መሊሱ ድማ “ነቲ ውግእኸ መን ይምርሓዮ?” ኢሉ ጠየቖ። እቲ ነቢይ ከዓ “ንስኻ” በሎ።
15ሽዑ ነቶም ኣገልገልቲ እቶም ኣመሓደርቲ ሃገር ቈፀሮም እሞ፥ ክልተ ሚእትን ሰላሳን ክልተን ኮኑ። ደድሕሪኣቶም ከዓ ንዅሉ ህዝብን ንዅሎም ሰራዊት ደቂ እስራኤልን ቈፀሮም እሞ ሸውዓተ ሽሕ ኮኑ። 16ፍርቂ መዓልቲ ምስ ኮነ ድማ፥ ወፁ። ወልደ ኣዴር ግና፥ ንሱን እቶም ክሕግዝዎ ዝመፁ ሰላሳን ክልተን ነገስታትን ኣብ ድንኳናት ይሰትዩን ይሰኽሩን ነበሩ። 17እቶም ኣገልገልቲ ኣመሓደርቲ ሃገር ከዓ ቕድም ወፁ። ወልደ ኣዴር ድማ ዝስልሉ ሰደደ እሞ “ሰባት ካብ ሰማርያ ይወፁ ኣለዉ” ኢሎም ነገርዎ።
18ንሱ ኸዓ “ሰላም ንግበር ክብሉ ወፂኦም እንተ ኾይኖም፥ ብህይወቶም ሓዝዎም፤ ውግእ ንግበር ክብሉ ወፂኦም እንተ ኾይኖምውን፥ ብህይወቶም ሓዝዎም” በሎም።
19እዚኣቶም እቶም ኣገልገልቲ መመሓደርቲ ሃገርን እቲ ዝሰዓቦም ሰራዊት እስራኤልን ኮይኖም ካብታ ኸተማ ወፁ። 20ነፍሲ ወከፍ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ንዝነበረ ሰብ ቀተለ፤ ሶርያውያን ከዓ ሃደሙ፤ እስራኤላውያን ድማ ሰጐጒዎም። ወልደ ኣዴር ንጉስ ሶርያ ኸዓ፥ ምስ ሓድሓደ ፈረሰኛታት ኮይኑ፥ ብፈረስ ኣምለጠ። 21ኣክኣብ ንጉስ እስራኤል ከዓ ናብ ውግእ ኣትዩ ናይ ፀላእቲ ኣፍራስን ሰረገላታትን ማረኸ። ንሶርያውያን ከዓ ብርቱዕ ጕድኣት ኣብፅሐሎም።
22ሽዑ እቲ ነቢይ ናብ ንጉስ እስራኤል ቀሪቡ፥ “ንጉስ ሶርያ ነዓመታ ድማ ኽመፀካ እዩ እሞ፥ ኪድ በርትዕ። እንታይ ከም እትገብር ድማ ፍለጥ” በሎ።
ምስ ሶርያ ዝተገብረ ኻልኣይ ውግእ
23ሹመኛታት ወልደ ኣዴር ንጉስ ሶርያ ድማ “ኣማልኽቶም ኣማልኽቲ እምባ ስለ ዝኾኑ እዮም ዝበርትዑና። ኣብ ጐልጐል ኴንና እንተ ተዋጊእናዮም ግና ብርግፅ ክንስዕሮም ኢና” በልዎ። 24“ሕዚ ግና ነዞም ነገስታት ካብ ሰሰፈሮም ኣግልሶም፤ ከክንዳኣቶም ድማ ኣሕሉቕ ሹም። 25ንስኻ ግና ኸም ብዝሒ እቶም ቅድሚ ሕዚ ኣብ ውግእ ዘጥፋእኻዮም ኣፍራስን ሰረገላታትን ሰራዊትን ኣዳሉ። ሽዑ ኣብ ጐልጐል ክንዋግኦም ኢና፤ ብርግፅ ከዓ ኽንስዕሮም ኢና” በልዎ። ንሱ ድማ ዘረባኣቶም ሰሚዑ ኸምቲ ዝበልዎ ገበረ።
26በታ ኻልአይቲ ዓመት ድማ ወልደ ኣዴር ንሶርያውያን ኣኽተቶም፤ ምስ እስራኤል ክዋጋእ ከዓ ናብ ኣፌቅ ደየበ። 27ደቂ እስራኤል ድማ ኸተቱ፤ ስንቆም ሒዞምውን ክዎግእዎም ከዱ። እቶም ደቂ እስራኤል ከዓ ኽልተ ኣናእሽቱ መጓሰ ኣጣል መሲሎም ኣብ መንፅሮም ሰፈሩ። እቶም ሶርያውያን ግና ነታ ምድሪ መሊኦምዋ ነበሩ። 28ሽዑ እቲ ናይ እግዝኣብሔር ሰብ ቀሪቡ ንንጉስ እስራኤል፥ “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘እቶም ሶርያውያን፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እምባ እዩ እምበር፥ ንሱ ኣምላኽ ጐልጐል ኣይኮነን’ ስለ ዝበሉ፥ ነዝ ዓብዪ ሰራዊት እዙይ ኣብ ኢድካ ኣሕሊፈ ኽህበካ እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ ኸዓ ኽትፈልጡ ኢኹም” ኢሉ ተዛረቦ።
29ሶርያውያንን እስራኤላውያንን ድማ ማዕዶ ንማዕዶ እናተረኣኣዩ ሸውዓተ መዓልቲ ሰፊሮም ቀነዩ። ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኸዓ ውግእ ኾነ። ደቂ እስራኤል ድማ ኻብ ሶርያውያን ብሓንቲ መዓልቲ ሚእቲ ሽሕ ኣጋር ቀተሉ። 30እቶም ዝተረፉ ግና ናብ ኣፌቅ ናብታ ኸተማ ሃደሙ። ነቶም ዝተረፉ ዕስራን ሸውዓተን ሽሕ ሰባት ከዓ መካበብያ ወደቖም። ወልደ ኣዴር ድማ ሃዲሙ ኣብታ ኸተማ ተሓብአ።
31ሹመኛታቱ ኸዓ “እንሆ ሕዚ፥ እቶም ነገስታት ቤት እስራኤል መሓርቲ ነገስታት ምዃኖም ሰሚዕና ኣለና እሞ፥ ምናልባሽ ንነፍስኻ እንተ መሓራስ፥ በይዛኻ ኣብ ሕቘና ወጮ ተዓጢቕና፥ ኣብ ርእስና ኸዓ ገመድ ጠምጢምና ናብ ንጉስ እስራኤል ንኺድ” በልዎ።
32ወጮ ተዓጢቖም ገመድውን ኣብ ረርእሶም ጠምጢሞም ናብ ንጉስ እስራኤል መፁ። “ሓሽከርካ ወልደ ኣዴር ‘ንነፍሰይ ክትምሕራ እልምነካ ኣለኹ’ ኢሉ እዩ” ድማ በልዎ። ንሱ ኸዓ “ገናዶ ብህይወቱ ኣሎ እዩ? ንሱ ሓወይ እዩ” በሎም።
33እቶም ሰባት ድማ ነዙይ ፅቡቕ ምልክት ገይሮም ስለ ዝወሰድዎ፥ ተቐላጢፎም “እወ፥ ወልደ ኣዴር ሓውካ ኣሎ እዩ” ኢሎም ብዘረባኡ ሓዝዎ። ንሱ ኸዓ “ኪዱ፥ ኣምፅእዎ” በሎም። ወልደ ኣዴር ድማ ናብኡ መፀ። ኣክኣብ ከዓ ናብ ሰረገላኡ ኣደየቦ።
34ወልደ ኣዴር ድማ “እተን ኣቦይ ካብ ኣቦኻ ወሲድወን ዝነበረ ኸተማታት ክመልሰልካ እየ፤ ከምቲ ኣቦይ ኣብ ሰማርያ ገይርዎ ዝነበረ፥ ንስኻ ኣብ ደማስቆ ንኣኻ ኣደባባያት ዕዳጋ ግበር” በሎ። ኣክኣብ ከዓ “ኣነ ድማ በዝ ውዕሊ እዙይ ሓራ የውፅአካ ኣለኹ” በሎ። ምስኡ ኺዳን ተኣታትዩ ኸዓ ሰደዶ።
እቲ ነቢይ ንኣክኣብ ከም ዝዀነኖ
35ሓደ ሰብኣይ ካብቶም ደቂ ነቢያት ድማ ብቓል እግዚኣብሄር ንሓደ ብፃዩ “በይዛኻ ውቕዐኒ” በሎ። እቲ ብፃዩ ግና ምውቃዑ ኣበየ።
36ሽዑ ንሱ “ንቓል እግዚኣብሄር ስለ ዘይሰማዕኻ፥ እንሆ፥ ካባይ ምስ ከድካ፥ ኣንበሳ ኽቐትለካ እዩ” በሎ። ካብኡ ምስ ከደ ኸዓ፥ ኣንበሳ ረኸቦ እሞ ቐተሎ። #1 ነገ. 13፡24።
37ካልእ ሰብኣይ ድማ ረኸቦ እሞ “በይዛኻ፥ ውቕዐኒ” በሎ። እቲ ሰብኣይ ከዓ የመና ስለ ዝወቕዖ ኣቝሰሎ። 38እቲ ነቢይ ከዓ ኸይዱ፥ ኣብ ኣዒንቱ መሸፈኒ ገይሩ፥ መልክዑ ለዊጡ፥ ነቲ ንጉስ ኣብ መንገዲ ደው ኢሉ ተፀበዮ። 39እቲ ንጉስ ክሓልፍ እንተሎ ድማ “ክዋጋእ እንተለኹ፥ እንሆ፥ ሓደ ሰብኣይ ኣግሊሱ ነዝ ሰብኣይ እዙይ ሓልዎ ኢሉ፥ ሓደ ሰብኣይ ኣምፅአለይ፤ ‘እንተ ጠፍአ ኽንድኡ ንስኻ ኽትመውት ኢኻ፤ ወይ ሰለስተ ሽሕ ቅርሺ ብሩር ክትከፍል ኢኻ’ እውን በለኒ። 40ኣነ ሓሽከርካ ኣብዙይን ኣብቱይን እናበልኩ ኽሰርሕ እንተለኹ ድማ እቲ ሰብ ጠፍአ” እናበለ ናብ ንጉስ ጠርዐ። ንጉስ እስራኤል ድማ “ባዕልኻ ኢልካዮ ኣለኻ፤ ፍርድኻ ኸምቲ ውዕልኹም እዩ” በሎ።
41ሽዑ ንሱ ነቲ መሸፈኒ ኻብ ኣዒንቱ ቐልጢፉ ኣግለሶ። እቲ ንጉስ እስራኤል ከዓ፥ ንሱ ኻብ ነቢያት ከም ዝኾነ ፈለጠ። 42ነቲ ንጉስ ድማ “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ነቲ ኽመውት ዝፈረድክዎ ሰብኣይ ካብ ኢድካ ስለ ዝሰደድካዮ፥ ክንድኡ ንስኻ ኽትመውት ኢኻ፤ ክንዲ ሰራዊቱ ኸዓ ሰራዊት እስራኤል ክጠፍኡ እዮም’ ” በሎ። 43እቲ ንጉስ እስራኤል ድማ ጕህዩ፥ ተቘጢዑ ናብ ቤቱ ናብ ሰማርያ ኸደ።
Currently Selected:
1ይ ነገስት 20: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in