1ይ ዜና 16
16
1ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ኣምፂኦም ከዓ፥ ኣብ ማእኸል እቲ ዳዊት ንእኡ ዝተኸሎ ድንኳን ኣንበርዎ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣቕረቡ። 2ዳዊት ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣዕሪጉ ምስ ወድአ፤ ነቲ ህዝቢ ብስም እግዚኣብሄር ባረኾ። 3ንነፍሲ ወከፍ ሰብ እስራኤል ድማ ንሰብኡትን ነንስትን፥ ሓድሓደ ቕጫን ሓድሓደ ጉማድ ስጋን ሓድሓደ ጎጎ ዘቢብን ዓደሎም።
4ዳዊት ንሓድሓደ ኻብቶም ሌዋውያን ድማ ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ኮይኖም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ብውዳሴን ብምስጋናን ከገልግሉ ሰርዐ። 5ንኣሳፍ ሓለቓ ገበሮ፤ ብድሕሪኡ ድማ ንዘካርያስ ካልኣዩ ገበሮ፤ ንይዒኤልን ሰሚራሞትን ይሒኤልን መቲትያን ኤልያብን በናያስን ዖቤድኤዶምን ይዒኤልን ድማ መሰንቆን በገናን ክቓንዩ መረፆም። ኣሳፍ ከዓ ብፀናፅል ክቓኒ ተመረፀ። 6እቶም ክልተ ኻህናት ከዓ በናያስን የሕዚኤልን ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ኮይኖም ኵልሻዕ መለኸት ይነፍሑ ነበሩ።
7ዳዊት ከዓ በታ መዓልቲ እቲኣ ንኣሳፍን ነሕዋቱን ንእግዚኣብሄር ከመስግኑ ሓላፍነት ሃቦም።
መዝሙር ምስጋና
(መዝ. 105፡1-15፥ 96፡1-13፥ 106፡1፥47-48)
8ንእግዚኣብሄር ኣመስግንዎ፥ ስሙውን ፀውዑ፤
ግብርታቱ ኣብ ማእኸል ህዝብታት ንገሩ።
9ተቐነዩሉ፥ ምስጋና ዘምሩሉ፤
ብዛዕባ ዅሉ ተኣምራቱ ንገሩ።
10ብቅዱስ ስሙ ኽበሩ፤
ልቢ እቶም ንእግዚኣብሄር ዝደልዩ ይተሓጐስ።
11ንእግዚኣብሄር ድለይዎ ኽትፀንዑውን ኢኹም፤
ኵልሻዕ ገፁ ድለዩ።
12-13ኣቱም ንእኡ ዝተሓረኹም ዘርኢ እስራኤል ባሮቱ፥
ንእኡ ዝተሓረኹም ደቂ ያእቆብ፥
ነቲ ዝገበሮ ዘደንቕ ስራሑን፥
ተኣምራቱን፥ ዝሃቦ ፍርድታቱን ዘክሩ።
14ንሱ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ፤
ፍርዱ ንዅላ ምድሪ እዩ።
15ኪዳኑውን ንውሉድ ወለዶ እዩ፤
ነቲ ንዘለኣለም ዝኣዘዞ ቓል፥
16 #
ዘፍ. 12፡7፥ 26፡3። ነቲ ምስ ኣብርሃም ዝኣተዎ ኺዳን፥
ነቲ ንይስሓቅ ዝመሓለሉ ማሕላ ሓሰበ።
17ንሱ ኣብ ያእቆብ ሕጊ፥ ኣብ እስራኤል ድማ
ንዘለኣለም ዝፀንሕ ኪዳን ገይሩ ኣቖሞ።
18 #
ዘፍ. 28፡13። “ምድሪ ከነዓን ንኣኻትኩም ክህበኩም እየ፤
ግደ ርስትኹም ክትከውን እያ” በለ።
19ሽዑ ብቝፅሪ ውሑዳት ነበሩ፤
ውሑዳትን ኣብኡውን ስደተኛታትን ነበሩ።
20ካብ ህዝቢ ናብ ህዝቢ፥
ካብ መንግስቲ ናብ ካልእ መንግስቲ ሓለፉ።
21ሓደ ሰብ እኳ ኽገፍዖም ኣይፈቐደን፤
ምእንታኣቶም ድማ ንነገስታት ገሰፀ።
22 #
ዘፍ. 20፡3-7። ንቕቡኣተይ ኣይትንክእዎም፤
ኣብ ነቢያተይ ከዓ ኽፉእ ኣይትግበሩ።
23ህዝቢ ዓለም ኵልኻትኩም ንእግዚኣብሄር ዘምሩ፤
መዓልቲ መዓልቲ ምድሓኑ ኣብስሩ።
24ንዅለን ሃገራት ክብሩ፥
ኣብ ኵሎም ህዝብታትውን ተኣምራቱ ንገሩ።
25እግዚኣብሄር ዓብዪ፥ ምስጋናኡውን ብዙሕ እዩሞ፥
ልዕሊ ዅሎም ኣማልኽቲ ዝፍራሕ እዩ።
26ኣህዛብ ዝሰግዱሎም ኵሎም ኣማልኽቲ፥ ጣዖታት እዮም፤
እግዚኣብሄር ግና ንሰማያት ፈጠረ።
27ግርማን ክብርን ኣብ ዙርያኡ፥
ስልጣንን ሓጐስን ኣብ መቕደሱ ኣሎ።
28ህዝቢ ዓለም ኵልኻትኩም ንእግዚኣብሄር ሃቡ፤
ክብርን ስልጣንንውን ንእግዚኣብሄር ሃብዎ።
29ንስሙ ዝግባእ ክብሪ ሃብዎ፤
መባእ ሒዝኩም ኣብ ቅድሚኡ እተዉ፤
ንእግዚኣብሄር ኣብ ቅዱስ መቕደሱ ስገዱሉ።
30ኵልኹም ሃገራት፥ ኣብ ቅድሚኡ ኣንቀጥቅጡ፤
ዓለም፥ ኣብ ፅኑዕ ተመስሪታ እያ፤
ኣይትናወፅንውን እያ።
31ሰማያት ደስ ይበሎም፤ ምድሪ ኸዓ ትተሓጐስ፤
ኣብ ኣህዛብ ድማ፥ እግዚኣብሄር ነጊሱ ኣሎ ይበሉ።
32ባሕርን ኣብኣ ዘሎ ፍጥረትን ድምፂ ይሃብ፤
በረኻን ኣብኡ ዘሎ ዅሉን ይተሓጐስ።
33እግዚኣብሄር ንምድሪ ኽዳንያ ይመፅእ ኣሎ እሞ፥
ኣብ ዱር ዘለዉ ኣእዋም ኣብ ቅድሚኡ ብታሕጓስ ይዘምሩ።
34 #
2 ዜና. 5፡13፥ 7፡3፥ እዝራ 3፡11፥ መዝ. 100፡5፥ 106፡1፥ 107፡1፥ 118፡1፥ 136፡1፥ ኤር. 33፡11። እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፤
ምሕረቱ ኸዓ ንዘለኣለም እዩ እሞ፥ ኣመስግንዎ።
35“ንቕዱስ ስምካ ምእንቲ ኽንውድሶ፥
ብምውዳስካውን ምእንቲ ኽንምካሕስ፥
ኣታ ናይ ምድሓንና ኣምላኽ ኣድሕነና፤
ካብ ኣህዛብ ከዓ ኣኻኽበናን ኣናግፈናን” በልዎ።
36ካብ ዘለኣለም ክሳዕ ዘለኣለም፥ ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር ይባረኽ፤
ኵሎም ህዝቢ “ኣሜን ይበሉ፤ ንእግዚኣብሄርውን የመስግኑ።”
ኣብ ኢየሩሳሌምን ኣብ ገባዖንን ዝነበረ ስርዓት ኣምልኾ
37መዓልቲ መዓልቲ ዘድሊ ስራሕ ኣብ ቅድሚ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ምእንቲ ኸገልግሉ፥ ዳዊት ንኣሳፍን ንሌዋውያን ኣሕዋቱን ኣብ ቅድሚ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ሓደጎም። 38ንዖቤድኤዶምን ነቶም ስሳን ሸሞንተን ኣሕዋቶምንውን ምስኣቶም ሓደጎም። ዖቤድኤዶም ወዲ የዱቱንን ሖሳን ሓለውቲ በሪ ነበሩ።
39ንካህን ሳዶቅን ነቶም ኣሕዋቱ ኻህናትን ከዓ፥ ኣብቲ ናይ ገባዖን በሪኽ ዘሎ መሕደሪ እግዚኣብሄር ከገልግሉ መደቦም። 40ከምቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ዝኣዘዞ ዝተፅሓፈ ሕጊ፥ ኵልሻዕ ጊሓትን ምሸትን ዝቃፀል መስዋእቲ ኸቕርቡ መረፆም። 41ሄማንን የዱቱንን እቶም ዝተረፉ በብስሞም ዝተፀውዑ ሕሩያትን፥ እግዚኣብሄር ምሕረቱ ንዘለኣለም ስለ ዝኾነ ኸመስግንዎ ምስኣቶም ነበሩ። 42ሄማንን የዱቱንን ብመለኸታትን ብፀናፅልን በቲ ዝተረፈ ናይ ምስጋና መሳርሒ ሙዚቃን ኣድሚቖም ክቓንዩ ዝተመረፁ ነበሩ። ንደቂ የዱቱን ከዓ ሓለውቲ በሪ ገበሮም።
43ኵሉ እቲ ህዝቢ ድማ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ነናብ ቤቱ ኸደ፤ ዳዊት ከዓ ንቤቱ ኽባርኽ ተመለሰ። #2 ሳሙ. 6፡19-20።
Currently Selected:
1ይ ዜና 16: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

:
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in