1ይ ዜና 15
15
ታቦት ኪዳን ናብ ኢየሩሳሌም ከም ዝመፀ
(2 ሳሙ. 6፡12-22)
1ዳዊት ኣብ ኢየሩሳሌም ንባዕሉ ኣባይቲ ሰርሐ፤ ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ዝኸውን ቦታ ኣዳልዩ ኸዓ ድንኳን ተኸለሉ። 2#ዘዳ. 10፡8። ሽዑ ዳዊት “ንታቦት እግዚኣብሄር ክፆሩ ኣብ ቅድሚኡውን ንሓዋሩ ኸገልግሉ፥ እግዚኣብሄር ንሌዋውያን ሓርይዎም እዩ እሞ፥ ስለዙይ ንሳቶም እምበር፥ ካልእ ሰብ ንታቦት እግዚኣብሄር ኣይፁሮ” በለ።
3ዳዊት ከዓ ንታቦት እግዚኣብሄር ናብታ ዘሳናደወሉ ቦታ ምእንቲ ኸደይቦ፥ ንዅሎም ህዝቢ እስራኤል ኣብ ኢየሩሳሌም ኣከቦም። 4ዳዊት ድማ ንደቂ ኣሮንን ንሌዋውያንን ኣከቦም።
5ካብ ደቂ ቀኣት፦ ንኡርኤልን ነቶም ንሱ ዝሓለቓኦም ሚእትን ዕስራን ኣሕዋቱን፤
6ካብ ደቂ ሜራሪ፦ ንዓሳያን ነቶም ንሱ ዝሓለቓኦም ክልተ ሚእትን ዕስራን ኣሕዋቱን፤
7ካብ ደቂ ጌድሶን፦ ንኢዮኤልን ነቶም ንሱ ዝሓለቓኦም ሚእትን ሰላሳን ኣሕዋቱን፤
8ካብ ደቂ ኤሊፃፋን፦ ንሸማያን ነቶም ንሱ ዝሓለቓኦም ክልተ ሚእቲ ኣሕዋቱን፤
9ካብ ደቂ ኬብሮን፦ ንኤሊኤልን ነቶም ንሱ ዝሓለቓኦም ሰማንያ ኣሕዋቱን፤
10ካብ ደቂ ዑዝኤል፦ ንኣሚናዳብን ነቶም ንሱ ዝሓለቓኦም ሚእትን ዓሰርተ ኽልተ ኣሕዋቱን ኣከቦም።
11ዳዊት ድማ ነቶም ካህናት፥ ንሳዶቅን ንኣብያታርን፥ ነቶም ሌዋውያን፥ ንኡርኤልን ዓሳያን ኢዮኤልን ሸማያን ኤሊኤልን ኣሚናዳብን ናብኡ ፀውዖም። 12-13ንሱ ድማ፦ “ንስኻትኩም ነናይ ማይ ቤት ኣቦታት ሌዋውያን ኣሕሉቕ ኢኹም። በቲ ቐዳማይ ጊዜ ንስኻትኩም ስለ ዘይፆርኩምዎ፥ ከምቲ ስርዓት ጌርና ኸዓ ስለ ዘየገልገልናዮ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ሓደ ሰብ ብምቕሳፍ ቀፅዐና፤ ስለዙይ ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ናብታ ንእኡ ኢለ ዘሰናደኽዋ ቦታ ኽተደይብዎ፥ ንስኻትኩምን ኣሕዋትኩምን ተቐደሱ” በሎም። 14ሽዑ እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ምእንቲ ኸደይብዎ ተቐደሱ። 15#ዘፀ. 25፡14። እቶም ደቂ ሌዋውያን ከዓ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ብሙሴ ዝኣዘዞ፥ ነቲ ታቦት ኣምላኽ ብመፃውር ኣብ ማእገሮም ፆርዎ።
16ዳዊት ድማ ነቶም ኣሕሉቕ ሌዋውያን ነቶም ኣሕዋቶም መዘምራን ብመሳርሒ ሙዚቃ፦ ብመሰንቆን ብበገናን ብፀናፅልን ተሓጒሶም ክቓንዩን ድምፆም ዓው ከብሉን ተዛረቦም።
17ሽዑ እቶም ሌዋውያን ንኤማን ወዲ ኢዮኤልን ካብ ኣሕዋቱ ድማ ንኣሳፍ ወዲ በራክያን ካብ ደቂ ሜራሪ ኸዓ ንኤታን ወዲ ቂሳን ሓረዩ። 18ምስኣቶም ድማ ኣብቲ ኻልኣይ መዓርግ ኣሕዋቶም ንዝኾኑ ንዘካርያስ፥ ንቤን፥ ንያዝኤል፥ ንሰሚራሞት፥ ንይሒኤል፥ ንዑኒ፥ ንኤሊያብ፥ ንበናያስ፥ ንመዕሴያ፥ ንመቲትያ፥ ንኤሊፍሌሁ፥ ንሚቅኔያ፥ ነቶም ሓለውቲ ድንኳን ዝኾኑ ዖቤድኤዶምን ንይዒኤልን ኣቖሙ።
19እቶም መዘምራን፥ ኤማንን ኣሳፍን ኤታምን፥ ብፀናፅል ነሃስ ዓው ኣቢሎም ይቓንዩ ነበሩ። 20ዘካርያስን ዓዝኤልን ሰሚራሞትን ይሒኤልን ዑኒን ኤሊያብን መዕሰያን በናያስን ከዓ ብልዑል ዝድምፁ መሰንቆ ይቓንዩ ነበሩ። 21ማቲትያን ኤልፍሌሁን ሚቅኔያን ዖቤድኤዶምን ይዒኤልን ዓዛዝያን ድማ ሸሞንተ ኣውታር ብዘለዎ በገና ይቓንዩ ነበሩ። 22ቀናንያ ሓለቓ ሌዋውያን ከዓ ፈላጥ ስለ ዝነበረ፥ ሓለቓ መዘምራን ነበረ፤ መዝሙር ድማ ይምህር ነበረ።
23በረክያን ሕልቃናን ድማ ሓለውቲ በሪ ታቦት ነበሩ። 24ሰበኒያን ኢዮሳፋጥን ናትናኤልን ኣማሳይን ዘካርያስን በናያስን ኣልዓዛርን፥ እቶም ካህናት፥ ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር መለኸት ይነፍሑ ነበሩ። ዖቤድኤዶምን ይሒያምን ከዓ ሓለውቲ በሪ ታቦት ነበሩ።
25ዳዊትን ዓበይቲ እስራኤልን ኣሕሉቕ ሽሕን ከዓ ነቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ካብ ቤት ዖቤድኤዶም ብሓጐስ ከደይብዎ ኸዱ። 26ነቶም ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ዝፆሩ ሌዋውያን፥ እግዚኣብሄር ምስ ሓገዞም ሸውዓተ ኣዕሩሕን ሸውዓተ ማጓሉን ሰውኡ። 27ዳዊትን እቶም ኵሎም ታቦት ዝፆሩ ሌዋውያንን፥ እቶም ዘመርትን፥ ከናንያ እቲ መራሒ መዝሙርን፥ እቶም መዘምራንን ብፅሩይ ሃሪ ዝተሰርሐ ካባ ተኸዲኖም ነበሩ። ዳዊት ድማ ብሃሪ ዝተሰርሐ ኤፉድ ኣብ ልዕሊኡ ነበሮ። 28ሽዑ ዅሎም ህዝቢ እስራኤል ነቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ብዕልልታን ብቓና መለኸትን ብእምብልታን ብፀናፅልን ብመሰንቆን ብበገናን እናዓጀቡ ናብ ኢየሩሳሌም ኣምፅእዎ።
29ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ናብ ከተማ ዳዊት ክኣቱ እንተሎ ሜልኮል ጓል ሳኦል ብመስኮት ተቐልቂላ ንጉስ ዳዊት ክስዕስዕን ክሕጐስን ረአየቶ እሞ ብልባ ነዓቐቶ።
Currently Selected:
1ይ ዜና 15: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: