1ይ ዜና 17
17
ናታን ንዳዊት ዝሃቦ መልእኽቲ
(2 ሳሙ. 7፡1-17)
1ዳዊት ኣብ ቤተ መንግስቱ ይቕመጥ ነበረ። ሓደ መዓልቲ ንነቢይ ናታን “እንሆ ኣነ ብዝግባ ኣብ ዝተሰርሐ ቤት እቕመጥ ኣለኹ፤ ታቦት ቃል ኪዳን እግዚኣብሄር ግና ኣብ ድንኳናት ይቕመጥ ኣሎ” በሎ።
2ናታን ከዓ ንዳዊት “እግዚኣብሄር ምሳኻ እዩ እሞ፥ ኵሉ ኣብ ልብኻ ዘሎ ግበር” በሎ።
3በታ ለይቲ እቲኣ ድማ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ናታን መፀ፦
4ኪድ እሞ ንዳዊት ባርያይ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮ በሎ፦ “ኣነ ዝነብረሉ ቤት ንስኻ ኣይኮንካን እትሰርሐለይ። 5ካብታ ንእስራኤል ካብ ግብፂ ዘውፃእኹላ መዓልቲ ኻብ ድንኳን፥ ናብ ድንኳን ካብ መሕደሪውን ናብ መሕደሪ እኸይድ ነበርኩ እምበር፥ ኣብ ቤት ኣይነበርኩን። 6ኣብቲ ምስ ህዝቢ እስራኤል ዝተመላለስኩሉ፥ ንሓደ ኻብቶም ንህዝበይ ክመርሑ ዝኣዘዝክዎም ኣሕሉቕ እስራኤል ስለ ምንታይ ካብ ኦም ዝግባ ቤት ዘይሰራሕኹምለይ ኢለውን ኣይተዛረብኩን።
7“ሕዚ ኸዓ ንባርያይ ዳዊት ከምዙይ በሎ፦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል መራሒ ኽትከውን፥ ኣነ ኻብቲ ምጕሳይ ኣባጊዕ ኣምፃእኹኻ። 8ኣብ ኵሉ ዝኸድካዮ ምሳኻ ነበርኩ፥ ንዅሎም ፀላእትኻውን ካብ ቅድሜኻ ኣጥፋእኽዎም። ከም ስም እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ዓበይቲ ድማ ዓብዪ ስም ክህበካ እየ። 9-10ንህዝበይ እስራኤል ቦታ ኸዳልወሎም እየ፤ ኣብኣ ኸዓ ኽተኽሎም እየ፤ ድሕሪ ደጊምውን ዝህውኾም ኣይህሉን እዩ። ሽዑ ኸምቲ ናይ ቀደም መሳፍንቲ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል ዝገዝኡሉ ዝነበሩ፥ እቶም ደቂ ዓመፅቲ መሊሶም ኣየጨንቕዎምን እዮም። ንዅሎም ፀላእትኻ ድማ ኸዋርዶም እየ። እኳ ደኣ እግዚኣብሄር ቤት ከም ዝሰርሐልካ እነግረካ ኣለኹ። 11ናብ ኣቦታትካ ኽትከይድ ዕድሜኻ ምስ ተፈፀመ፥ ብድሕሬኻ ንሓደ ኻብ ደቅኻ ዝኸውን ዘርእኻ፥ ልዕል ከብሎ እየ፤ ንመንግስቱ ኸዓ ኸፅንዓ እየ። 12ንሱ ንኣይ ቤት ክሰርሐለይ እዩ፤ ኣነ ኸዓ ዙፋኑ ንዘለኣለም ከፅንዐሉ እየ። 13ኣነ ኣቦ ክኾኖ እየ፤ ንሱ ድማ ውሉድ ክኾነኒ እዩ። ከምቲ ቕድሜኻ ነጊሱ ንዝነበረ ሳኦል ዝገበርክዎ፥ ምሕረተይ ካብኡ ኣየርሕቕን እየ። #2 ቆሮ. 6፡18፥ ዕብ. 1፡5። 14ኣብ ቤተይን ኣብ መንግስተይን ንዘለኣለም ከቝሞ እየ፤ ዙፋኑ ኸዓ ንዘለኣለም ክፀንዕ እዩ።”
15ናታን በዝ ኸምዙይ፥ ኵሉ እቲ እግዚኣብሄር ዝበሎን ዝገለፀሉን ራእይ ንዳዊት ነገሮ።
ዳዊት ዘቕረቦ ፀሎት ምስጋና
(2 ሳሙ. 7፡18-29)
16ሽዑ ንጉስ ዳዊት ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ኣትዩ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ተቐሚጡ ከምዙይ ኢሉ ፀለየ፦ “ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ! ክሳዕ ክንድዙይ ዘኽበርካንስ ኣነ መን እየ? ቤተይከ እንታይ እያ? 17ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ! እዙይ ድማ ንእሽተይ ኮይኑ ተርኢዩካስ፥ ብዛዕባ ዘርኢ ባርያኻ ብርሑቕ ዝኸውን ትዛረብ ኣለኻ። ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ! ልዕል ዝበለ መዓርግ ከም ዘለዎ ሰብ ጌርካ ድማ ረአኻኒ።
18“ንኣይ ንባርያኻ ትፈልጠኒ ኢኻ እሞ፥ ደጊምከ ብዛዕባ እዝ ኽብሪ ባርያኻ እዙይ እንታይ ክብል እየ? 19ኦ እግዚኣብሄር! እዝ ዓብዪ ነገራት እዙይ ዝገበርካለይ፥ ብድሕሪ ሕዚ እውን ዓብዪ ነገር ከም እትገብረለይ ዘፍለጥካኒ፥ ፅቡቕ ፍቓድካን ውሳነኻን ስለ ዝኾነ እዩ።
20“ኦ እግዚኣብሄር! ከምቲ ዅሉ በእዛንና ዝሰማዕናዮ፥ ከማኻ ዝበለ የለን፤ ብዘይ ዘኣኻ ድማ ኣምላኽ የለን። 21ነቶም ህዝብኻ ምእንቲ ክኾኑ ኢልካ ኻብ ባርነት ግብፂ ዘድሓንካዮም ህዝብኻ እስራኤል ዝመስል ኣብ ምድሪ የለን። እቲ ንኣኣቶም ክትብል ዝገበርካዮ ዓበይትን ዘደንቕ ነገራትን ስምካ ኣብ ኵሉ ዓለም ከም ዝፅዋዕ ገበረ። ንህዝብኻ ኻብ ግብፂ ኣውፃእኻዮም፤ ኣብ ቅድሚኣቶም ንዝፀንሑ ኣህዛብ ድማ ሰጐጕካዮም። 22ህዝብኻ እስራኤል ከዓ ንዘለኣለም ንኣኻ ህዝቢ ኸም ዝኸውን ገበርካ፤ ንስኻ ድማ፥ ኦ እግዚኣብሄር! ኣምላኹ ኾንካሉ።
23“ሕዚ ኸዓ ኦ እግዚኣብሄር! ነቲ ብዛዕባይ ብዛዕባ ባርያኻን ብዛዕባ ዘርአይን ዝተዛረብካዮ ነገር ንዘለኣለም ዝፀንዐ ይኹን ኢልካ ኸም ዝተዛረብካዮውን ግበር። 24ሽዑ ‘ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ንሱ ንእስራኤል ኣምላኽ እዩ’ እናተብሃለ ስምካ ንዘለኣለም ክፀንዕን ክዓብን እዩ። ቤት ዳዊት ባርያኻ ድማ ኣብ ቅድሜኻ ፀንዐት።
25“ኦ ኣምላኸይ! ነዝ ፀሎት እዙይ ክፅሊ ዝደፈርኩ፥ ንኣይ ቤት ከም እትሰርሐለይ ስለ ዝገለፅካለይ እየ። 26ሕዚ ድማ፥ ኦ እግዚኣብሄር! ንስኻ ኣምላኽ ኢኻ፤ ንባርያኻ ኸዓ እዝ ፅቡቕ ነገር እዙይ ኣተስፈኻዮ። 27ኦ እግዚኣብሄር! ንስኻ ዝባረኽካዮ ንዘለኣለም ቡሩኽ እዩ፤ ሕዚ ድማ፥ ቤተይ ንዘለኣለም ኣብ ቅድሜኻ ምእንቲ ኽትነብር፥ ክትባርኻ ፈቒድካ ኣለኻ።”
Currently Selected:
1ይ ዜና 17: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: