“ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ነቦታትኩም፥ ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ንያእቆብን፥ ንኣኻትኩም ክህበኩም ዝመሓለሎም ምስ ኣእተወኩም ዘይሰራሕኹምወን ዓበይትን ፅቡቓት ከተማታትን ክህበኩም እዩ። ንስኻትኩም ዘይመላእኹምወን ፅቡቓት ኣቑሑ ዝመልኣ ኣባይትን፥ ዘይኰዓትኩምወን ዒላታትን፥ ዘይተኸልኩምዎ ወይንን ኣውሊዕን ክህበኩም እዩ። ነዝ ዅሉ በሊዕኹም ምስ ፀገብኩም፥ ሽዑ ነቲ ኻብ ምድሪ ግብፂ፥ ካብ ቤት ባርነት ዘውፅአኩም እግዚኣብሄር ከይትርስዕዎ ተጠንቀቑ።