1
ቈላስይስ 3:13
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ንስንሳትኩም ተኸኣኣሉ፤ ሓደ ሰብ፥ ኣብ ካልእ ቅር ዘብል ነገር እንተ ሃልይዎ፥ ይቕረ ተበሃሃሉ። ከምቲ ክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፥ ይቕረ በሉ።
Compare
Explore ቈላስይስ 3:13
2
ቈላስይስ 3:2
ኣእምሮኹም፥ ናብቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዘይኮነስ፥ ናብቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ የቕልብ።
Explore ቈላስይስ 3:2
3
ቈላስይስ 3:23-24
ነቲ ርስቲ፥ ከም ዓስቢ ኻብ ጐይታ ኸም እትቕበልዎ ፈሊጥኩም፥ ኵሉ እትገብርዎ፥ ንሰብ ዘይኮነስ ንጐይታ ኸም እትገብርዎ ጌርኩም፥ ካብ ልቢ ግበርዎ። እቲ እተገልግልዎ ጐይታ፥ ክርስቶስ እዩ እሞ።
Explore ቈላስይስ 3:23-24
4
ቈላስይስ 3:12
እምበኣር እግዚኣብሄር ዝሓረዮም ቅዱሳንን ፍቑራትን ህዝቢ ኸም ምዃንኩም፥ ምሕረት፥ ለውሃት፥ ትሕትና፥ ሕያዋይነት፥ ትዕግስቲ፥ ልበሱ።
Explore ቈላስይስ 3:12
5
ቈላስይስ 3:16-17
ቃል ክርስቶስ ብምልኣት ይሕደርኩም፤ ብዅሉ ጥበብ ንስንሳትኩም ተመሃሃሩን ተመዓዓዱን፤ መዝሙርን ቅኔን መንፈሳዊ ዜማን፥ ብልብኹም ንእግዚኣብሄር ዘምሩ። ብቓል ኮነ ወይ ብግብሪ እትገብርዎ ዅሉ፥ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ግበርዎ፤ ብእኡ ኸዓ፥ ንእግዚኣብሄር ኣብ ኣመስግንዎ።
Explore ቈላስይስ 3:16-17
6
ቈላስይስ 3:14
ኣብ ልዕሊ እዝ ዅሉ፥ መእሰሪ ፍፁምነት እያ እሞ፥ ንፍቕሪ ልበስዋ።
Explore ቈላስይስ 3:14
7
ቈላስይስ 3:1
እምበኣር ምስ ክርስቶስ፥ ካብ ሞት ተሲእኹም እንተ ደኣ ዄንኹም፥ ኣብቲ ክርስቶስ ኣብ የማን እግዚኣብሄር ተቐሚጥዎ ዘሎ፥ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ድለዩ።
Explore ቈላስይስ 3:1
8
ቈላስይስ 3:15
ናይ ሓደ ሰብነት ኣካላት ኴንኩም፥ ንሰላም ተፀዊዕኹም ኢኹም እሞ፥ ሰላም ክርስቶስ ኣብ ልብኹም ይግዛእ፤ ኣመስገንቲ እውን ኩኑ።
Explore ቈላስይስ 3:15
9
ቈላስይስ 3:5
ስለዙይ ኣባኻትኩም ንዘሎ ምድራዊ ድልየትኩም ቅተሉ፤ እዙይ ከዓ፦ ዝሙት፥ ርኽሰት፥ ፍትወት ስጋ፥ ክፉእ ትምኒት፥ እቲ ኣምልኾ ጣዖት ዝኾነ ስስዐ እዩ።
Explore ቈላስይስ 3:5
10
ቈላስይስ 3:3
ንስኻትኩም ሞይትኹም ኢኹምሞ፥ ህይወትኩምውን ምስ ክርስቶስ፥ ኣብ እግዚኣብሄር ተሰዊሩ ኣሎሞ።
Explore ቈላስይስ 3:3
11
ቈላስይስ 3:8
ሕዚ ግና ንስኻትኩም፥ ቍጥዓ፥ ንደት፥ ክፍኣት፥ ካብ ኣፍኩም ፀርፊ፥ ዘፀይፍ ዘረባን፥ ነዚኣቶም ኵሎምን፥ ካባኻትኩም ኣርሕቑ።
Explore ቈላስይስ 3:8
12
ቈላስይስ 3:9-10-9-10
ከምኡውን ነቲ ኣረጊት ሰብነት፥ ምስ ኵሉ ግብሩ ቐንጢጥኩም፥ ነቲ ንፈጣሪኡ ምእንቲ ኽመስል፥ ብፍልጠት ዝሕደስ ዘሎ ሓድሽ ሰብነት ስለ ዝለበስኩም፥ ንስንሳትኩም ኣይትተሓሳሰዉ።
Explore ቈላስይስ 3:9-10-9-10
13
ቈላስይስ 3:19
ኣቱም ሰብኡትውን፥ ነንስትኹም ፍተዉወን፤ መረርቲ እውን ኣይትኹንወን።
Explore ቈላስይስ 3:19
14
ቈላስይስ 3:20
ኣቱም ውሉድ፥ ንእግዚኣብሄር የሐጕስ እዩ እሞ፥ ንወለድኹም ብዅሉ ተኣዘዝዎም።
Explore ቈላስይስ 3:20
15
ቈላስይስ 3:18
ኣትን ኣንስቲ፥ ንእግዚኣብሄር ደስ ብዘብል መንገዲ፥ ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦም።
Explore ቈላስይስ 3:18
Home
Bible
Plans
Videos