1
ኤፌሶን 5:1-2
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
እምበኣር ከም ፍቑራት ውሉድ፥ ተኸተልቲ እግዚኣብሄር ኩኑ። ከምቲ ክርስቶስ ዘፍቀረና፥ ምዑዝ ዝሽታኡ መባእን መስዋእትን ገይሩ፥ ንባዕሉ ምእንታና ኣሕሊፉ ዝሃበ፥ ንስኻትኩምውን ብፍቕሪ ተመላለሱ።
เปรียบเทียบ
สำรวจ ኤፌሶን 5:1-2
2
ኤፌሶን 5:15-16-15-16
እምበኣር ተጠንቀቑ፤ እዝ ዘመን ክፉእ እዩ እሞ፥ ነቲ ዝተውሃበኩም ጊዜ ብምሉኡ፥ ኣብ ረብሓ እናውዓልኩም፥ ከም ዓያሹ ዘይኮነስ፥ ከም ለባማት ንበሩ።
สำรวจ ኤፌሶን 5:15-16-15-16
3
ኤፌሶን 5:18-20
ብመንፈስ ቅዱስ ደኣ ተመልኡ እምበር፥ ናብ ጥፍኣት ስለ ዘብፅሕ፥ ብወይኒ ኣይትስከሩ። ብመዝሙርን ብቕኔን ብመንፈሳዊ ዜማን፥ ንስንሳትኩም ተዘራረቡ፤ ንጐይታ፥ ብምሉእ ልብኹም እናዜምኩምን እናዘመርኩምን፥ ኣመስግኑ። ንእግዚኣብሄር ኣብ፥ ስለ ዅሉ ነገር፥ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ኵልሻዕ ኣመስግንዎ።
สำรวจ ኤፌሶን 5:18-20
4
ኤፌሶን 5:17
ስለዙይ ፍቓድ እግዚኣብሄር እንታይ ምዃኑ ኣስተውዕሉ እምበር፥ ዓያሹ ኣይትኹኑ።
สำรวจ ኤፌሶን 5:17
5
ኤፌሶን 5:25
ክርስቶስ ንቤተ ክርስቲያን ከም ዘፍቀራ፥ ንባዕሉውን ቤዛ ገይሩ ኸም ዝሃበላ፥ ኣቱም ሰብኡትውን፥ ነንስትኹም ኣፍቅርወን።
สำรวจ ኤፌሶን 5:25
6
ኤፌሶን 5:8
ቀደም ፀልማት ኔርኩም ኢኹም፤ ሕዚ ግና፥ ብጐይታና ብርሃን ኢኹም፤ እምበኣር ከም ደቂ ብርሃን ኴንኩም ንበሩ።
สำรวจ ኤፌሶን 5:8
7
ኤፌሶን 5:21
ንክርስቶስ ካብ ዘለኩም ፍርሓት፥ ንስንሳትኩም እዙዛት ኩኑ።
สำรวจ ኤፌሶን 5:21
8
ኤፌሶን 5:22
ኣትን ኣንስትውን፥ ከም ንክርስቶስ ጌርክን፥ ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦም።
สำรวจ ኤፌሶን 5:22
9
ኤፌሶን 5:33
ስለዙይ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ፥ ንሰበይቱ ኸም ነፍሱ ገይሩ የፍቅራ፤ ሰበይቲውን፥ ንሰብኣያ ተኽብሮ።
สำรวจ ኤፌሶን 5:33
10
ኤፌሶን 5:31
“ስለዙይ ሰብኣይ ኣቦኡን እኖኡን ሓዲጉ፥ ምስ ሰበይቱ ይሓብር፤ ክልቲኦም ከዓ፥ ሓደ ኣካል ይኾኑ።”
สำรวจ ኤፌሶን 5:31
11
ኤፌሶን 5:11
ኣቃልዕዎ ደኣ እምበር፥ ምስ ፍረ ዘይብሉ ግብሪ ፀልማት ሕብረት ኣይሃሉኹም፤
สำรวจ ኤፌሶን 5:11
หน้าหลัก
พระคัมภีร์
แผนการอ่าน
วิดีโอ