1
ዘፍጥረት 28:15
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
እንሆ ኣነ ምሳኻ እየ፤ ነቲ ዝበልኩኻ ኽሳዕ ዝገብሮ ኣይሓድገካን እየ፤ ኣብ ኵሉ እትኸዶ ኽሕልወካ እየ፤ ናብዛ ምድሪ እዚኣ ድማ ኽመልሰካ እየ” በሎ።
مقایسه
ዘፍጥረት 28:15 را جستجو کنید
2
ዘፍጥረት 28:13
እንሆ ድማ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኣ ደው ኢሉ፦ “ኣነ እግዚኣብሄር፥ ኣምላኽ ኣቦኻ ኣብርሃምን ኣምላኽ ይስሓቅን እየ። እዛ ንስኻ ኣብ ልዕሊኣ ደቂስካላ ዘለኻ ምድሪ ንኣኻን ንዘርእኻን ክህባ እየ።
ዘፍጥረት 28:13 را جستجو کنید
3
ዘፍጥረት 28:16
ያእቆብ ከዓ ኻብ ድቃሱ ተበራበረ እሞ፥ “ኣነ ደኣ ኣይፈለጥኩን ነይረ እምበር፥ ብሓቂ እግዚኣብሄር ኣብዛ ቦታ እዚኣ ኣሎ” በለ።
ዘፍጥረት 28:16 را جستجو کنید
4
ዘፍጥረት 28:20-22
ያእቆብ ድማ “እግዚኣብሄር ምሳይ እንተ ዀነ፥ ኣብዛ ዝኸዳ ዘለኹ መንገደይ ከዓ እንተ ሓሊዩኒ፥ ዝበልዖ እንጀራን ዝኽደኖ ኽዳንን ድማ እንተ ሂቡኒ፥ ናብ ቤት ኣቦይውን ብደሓን እንተ መሊሱኒ፥ ሽዑ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ክኸውን እዩ። እዛ ኸም ሓወልቲ ገይረ ዝተኸልኩዋ እምኒ ኸዓ፥ ቤት እግዚኣብሄር ክትከውን እያ። ካብ ኵሉ እትህበኒ ድማ ኣስራት ክህብ እየ” እናበለ ተመባፅዐ።
ዘፍጥረት 28:20-22 را جستجو کنید
5
ዘፍጥረት 28:14
ዘርእኻ ድማ ኸም ሑፃ ባሕሪ ኽበዝሕ እዩ፤ ንምዕራብን ንምብራቕን ንሰሜንን ንደቡብን ክትሰፍሕ ኢኻ። ኵሎም ዓሌታት ምድሪ እውን ብኣኻን ብዘርእኻን ክባረኹ እዮም።
ዘፍጥረት 28:14 را جستجو کنید
6
ዘፍጥረት 28:19
ስም እታ ኸተማ ቕድም ሎዛ ይበሃል ነበረ። ያእቆብ ግና “ቤቴል” ኢሉ ሰመያ።
ዘፍጥረት 28:19 را جستجو کنید
خانه
كتاب مقدس
برنامههای مطالعه
ویدیوها