1
ዘፀኣት 20:2-3
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
“ካብ ምድሪ ግብፂ፥ ካብ ቤት ባርነት ዘውፃእኹኻ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ። “ብዘይ ዘኣይ ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይሃልዉኻ።
مقایسه
ዘፀኣት 20:2-3 را جستجو کنید
2
ዘፀኣት 20:4-5
“ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለዉ፥ ኣብ ታሕቲ ድማ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፥ ኣብ ማይ ከዓ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፥ ብዝኾነ ኣምሳል ዝተቐረፀ ምስሊ ንኣኻ ኣይትግበር። ኣይትስገደሎም፤ ኣይተምልኮምውን። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ቐናእ ኣምላኽ እየ እሞ፥ ንዝፀልኡኒ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ውሉድ ክሳዕ ሳልሳይን ራብዓይን ትውልዲ ዝቐፅዕ፥
ዘፀኣት 20:4-5 را جستجو کنید
3
ዘፀኣት 20:12
“ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝህበካ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ኽነውሕ፥ ኣቦኻን እኖኻን ኣኽብር።
ዘፀኣት 20:12 را جستجو کنید
4
ዘፀኣት 20:8
“ንመዓልቲ ሰንበት ክትቅድሳ ዘክር።
ዘፀኣት 20:8 را جستجو کنید
5
ዘፀኣት 20:7
“ስመይ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብኸንቱ ኣይተልዕል፤ እግዚኣብሄር ንስሙ ብኸንቱ ዘልዓለ ካብ በደል ኣየንፅሆን እዩ እሞ።
ዘፀኣት 20:7 را جستجو کنید
6
ዘፀኣት 20:9-10
ሽዱሽተ መዓልቲ ስራሕ፤ ኵሉ ተግባርካውን ግበር። እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሰንበት እያ። ብኣኣ ንስኻ፥ ወድኻ ኾነ ጓልካ፥ ኣገልጋሊኻ ኾነ ኣገልጋሊትካ፥ እንስሳኻ ኾነ ኣብ ውሽጢ ደገታትካ ዘሎ ስደተኛ፥ ከቶ ስራሕ ኣይትስርሑ።
ዘፀኣት 20:9-10 را جستجو کنید
7
ዘፀኣት 20:17
“ቤት ብፃይካ ኣይትመነ። ሰበይቲ ብፃይካ፥ ኣገልጋሊኡ፥ ኣገልጋሊቱ፥ ብዕራዩ፥ ኣድጉ፥ ወይ ናይ ብፃይካ ዝኾነ ዅሉ ኣይትመነ።”
ዘፀኣት 20:17 را جستجو کنید
8
ዘፀኣት 20:16
“ኣብ ልዕሊ ብፃይካ ብሓሰት ኣይትመስክር።
ዘፀኣት 20:16 را جستجو کنید
9
ዘፀኣት 20:14
“ኣይትዘሙ።
ዘፀኣት 20:14 را جستجو کنید
10
ዘፀኣት 20:13
“ኣይትቕተል።
ዘፀኣት 20:13 را جستجو کنید
11
ዘፀኣት 20:15
“ኣይትስረቕ።
ዘፀኣት 20:15 را جستجو کنید
خانه
كتاب مقدس
برنامههای مطالعه
ویدیوها