1
ዳንኤል 9:4
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኸይውን፥ ከምዙይ ኢለ ፀለኹ ተናዘዝኩውን። “ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ንዝፈትዉኻን ትእዛዛትካ ንዝሕልዉን፥ ኪዳንካን ምሕረትካን እተፅንዕ፥ ዓቢይን ዝተፈራሕኻን ኣምላኽ!
مقایسه
ዳንኤል 9:4 را جستجو کنید
2
ዳንኤል 9:18-19
ኦ ኣምላኽ እዝንኻ ፅን ኣቢልካ ስማዕ፤ ዓይንኻውን ቋሕ ኣብልሞ ምጥፋእናን፥ ስምካ ዝተፀውዐሉ ኸተማን ተመልከት፤ እቲ እነቕርቦ ልመና ስለ ፅድቅና ዘይኮነስ፥ ስለ እቲ ዓብዪ ምሕረትካ እዩ። ኦ ጐይታ፥ ኣድምፀና፤ ኦ ጐይታ፥ ይቕረ በል። ኦ ጐይታ፥ ስማዕ ግበርውን፤ ስምካ ኣብ ከተማኻን ኣብ ህዝብኻን ተፀዊዑ እዩ እሞ ኦ ኣምላኸይ፥ ስለ ስምካ ኢልካ ኣይትደንጒ።”
ዳንኤል 9:18-19 را جستجو کنید
3
ዳንኤል 9:3
ወጮ ተኸዲነ፥ ኣብ ልዕሊ ሓሙዅሽቲ ኾይነ፥ ብፆምን ብፀሎትን ብምህለላን፥ ገፀይ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቕናዕኹ።
ዳንኤል 9:3 را جستجو کنید
4
ዳንኤል 9:9
ንሕና እኳ እንተ ኸዳዕና፥ ንስኻ እግዚኣብሄር ኣምላኽና መሓርን ይቕረ በሃልን ኢኻ።
ዳንኤል 9:9 را جستجو کنید
5
ዳንኤል 9:27
እቲ ሓለቓ ንሓደ ሱባዔ፥ ምስ ብዙሓት ፅኑዕ ኪዳን ክኣቱ እዩ። ኣብ ፍርቂ እቲ ሱባዔ ኸዓ፥ ነቲ መስዋእቲ ሕሩድን፥ ነቲ መስዋእቲ ቝርባንን፥ ከወግድ እዩ። እቲ መጥፍኢ ድማ በኽናፍ ርኽሰት ክመፅእ እዩ። እዙይ ከዓ ኽሳዕ እቲ ምዱብ መፈፀምታ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ መጥፍኢ ኽፈስስ እዩ።”
ዳንኤል 9:27 را جستجو کنید
خانه
كتاب مقدس
برنامههای مطالعه
ویدیوها