YouVersion Logo
Search Icon

ሚክያስ ሚክያስ 4

ሚክያስ 4
እቲ ዝመጽእ ዓቢ በረኸት።
1ኣብ መወዳእታ መዓልትታት ግና እቲ ኸረን ቤት እግዚኣብሄር ኣብ ርእሲ ኣኽራን ኺጸንዕ፡ ካብ ኣኽራንውን ልዕል ኪብል እዩ። ሰባት ድማ ናብኣ ክውሕዙ እዮም።
2ብዙሓት ኣህዛብ ድማ መጺኦም፡ ንዑ ናብ ከረን እግዚኣብሄርን ናብ ቤት ኣምላኽ ያእቆብን ንደይብ፡ ክብሉ እዮም። ሕጊ፡ ቃል እግዚኣብሄር ድማ ካብ የሩሳሌም ካብ ጽዮን ኪወጽእ እዩ እሞ፡ መገድታቱ ኪምህረና እዩ፡ ብመገዱውን ክንመላለስ ኢና።
3ንብዙሓት ህዝብታት ኪፈርድ፡ ንሓያላት ኣህዛብ ድማ ካብ ርሑቕ ኪገንሖም እዩ። ኣስያፎም ድማ ናብ ቍርዲድ፡ ንዂናቶም ከኣ ናብ መቝረጺ ኺግረዙ እዮም። ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሰይፊ ኣይኪልዕልን እዩ፣ ደጊም ውግእ ኣይኪመሃሩን እዮም።
4ነፍሲ ወከፎም ግና ኣብ ትሕቲ ወይኑን ኣብ ትሕቲ ኦም በለስን ኪቕመጡ እዮም። ኣፍ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ሓደ እኳ ዜፍርሆም የልቦን።
5ኵሎም ህዝብታት ነፍሲ ወከፎም ብስም ኣምላኾም ኪመላለሱ እዮም፣ ንሕና ድማ ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኽና ንዘለኣለም ንዘለኣለም ክንመላለስ ኢና።
6በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ነቶም ህዱኣት ክእክብ እየ፡ ነቶም እተባረሩን ነቶም ዝጨቆንክዎምን ድማ ክእክብ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
7ንዝተሰብረ ተረፍ፡ ነታ ኣብ ርሑቕ ዘላ ድማ ሓያል ህዝቢ ክገብራ እየ። እግዚኣብሄር ድማ ካብ ሕጂ ንዘለኣለም ኣብ ደብረ ጽዮን ኪገዝኦም እዩ።
8ኣታ ግምቢ መጓሰ፡ ዕርዲ ጓል ጽዮን፡ ናባኻ ክትመጽእ እያ፡ ቀዳመይቲ ግዝኣት። እታ መንግስቲ ናብ ጓል የሩሳሌም ክትመጽእ እያ።
9ሕጂ ስለምንታይ ዓው ኢልካ ትጭድር ዘለኻ፧ ኣባኻ ንጉስ የልቦን ድዩ? ኣማኻሪኻ ጠፊኡ ድዩ? ከመይሲ ሓዘን ከም ሕርሲ ዘላ ሰበይቲ ወሲዱኩም ኣሎ።
10ኣቲ ጓል ጽዮን፡ ከም ሓንቲ ኣብ ሕርሲ ዘላ ሰበይቲ፡ ክትወልድ ኣብ ቃንዛን ሕርስን ኩን። ሕጂ ካብ ከተማ ወጺእካ ኣብ መሮር ክትነብር ኣሎካ እሞ ናብ ባቢሎን ክትከይድ ኢኻ፤ ኣብኡ ክትድሕን ኢኻ፤ ኣብኡ እግዚኣብሄር ካብ ኢድ ጸላእትኻ ከናግፈካ እዩ።
11ሕጂውን ብዙሓት ኣህዛብ ተኣኪቦምኹም ኣለዉ፡ ንሳ ትረክስ፡ ኣዒንትና ድማ ናብ ጽዮን ይኹኑ።
12ንሳቶም ግና ንሓሳብ እግዚኣብሄር ኣይፈልጥዎን፣ ምኽሩውን ኣይርድእዎን እዮም፣ ከመይሲ፡ ኣብ መሬት ከም ቍርጽራጽ ኪእክቦ እዩ።
13ኣቲ ጓል ጽዮን፡ ቀርኒኻ ሓጺንን ጽፍርኺን ኣስራዚ ክገብሮ እየ እሞ፡ ተንስእ እሞ ጽምእ። ንብዙሓት ህዝብታት ድማ ክትጭፍልቕ ኢኻ፤ መኽሰቦም ንእግዚኣብሄር፡ ንብረቶም ድማ ንእግዚኣብሄር ብዘላ ምድሪ ክውፍዮ እየ።

Highlight

Copy

Compare

Share

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in