YouVersion Logo
Search Icon

መሃልየ 7

7
1ኣቲ ጓል መስፍን፥
ሳእኒ ዝገበራ፥ ኣእጋርኪ ኽንደይ ይፅብቓ!
ቅርፂ ደናጕኺ ኸም ብኢድ ብልሓተኛ
ዝተሰርሐ ዕንቍታት ይመስል።
2ሕምብርትኺ ብሉፅ ወይኒ ኸም ዘይጐድሎ፥
ከቢብ ፅዋዕ እዩ፤
ከርስኺ ብዕምበባ ኸም እተኸበበ፥
ምህርቲ ስርናይ እዩ።
3ክልቲአን ኣጥባትኪ፥
ከም ማንታ መሓስእ ሜዳቝ እየን፤
4ክሳድኪ ብስኒ ሓርማዝ ከም ዝተሰርሐ ግንቢ እዩ፤
ኣዒንትኺ ኸምቲ ኣብ ጥቓ ደገ ባትራቢ ዘሎ፥
ሓፅብታት ሄስቦን እየን፤
ኣፍንጫኺ ኸምቲ ንደማስቆ ገፁ ዝርኢ፥
ግንቢ ሊባኖስ እዩ።
5ርእስኺ ኣብ ልዕሌኺ ኸም እምባ ቀርሜሎስ እዩ፤
ፀጕሪ ርእስኺ ኸም ቀይሕ ሃሪ እዩ፤
ብቝኖኺ እቲ ንጉስ ተማረኸ።
6ኣቲ ፍቕርተይ፥ ክንደይ ትፅብቒ!
ክንደይከ ተሐጕስን ትፍተውን!
7ቁመትኪ ኸም ኦም ስየ እዩ፤
ኣጥባትኪ ኸዓ ኸም ዘለላ ፍረ ተምሪ ይመስላ።
8ኣነውን “ናብቲ ኦም ስየ ደዪበ ጨንፈሩ ኽሕዝ እየ” በልኩ፤
ኣጥባትኪ ኸም ዘለላ ወይኒ፥
መዓዛ እስትንፋስኪውን ከም ትርንጒ እዩ።
9ከናፍርኪ ኸዓ ኸም ብሉፅ ወይኒ ይጥዕም፤
ጐሮሮኺ፥ ንፈታዊ እናጠዓመ ኸም ዝወርድ፥
ነተን ዝደቀሳ ኸናፍር ክናገራ ዝገብር፥
ከም ጥዑም ወይኒ እዩ።
10ኣነ ናይ ፍቱወይ እየ፤
ሃረርታ ፍቱወይ ከዓ ናባይ እዩ።
11ኣታ ፍቱወይ፥ ንዓናይ ናብ በረኻ ንውፃእ፤
ኣብቲ ቑሸታትውን ንሕደር።
12ተኽሊ ወይኒ ጠጢዑ እንተ ኾይኑ፥
እቲ ዕምበባ ኸዓ ኸፊቱ እንተ ኾይኑ፥
ሮማንውን ፈርዩ እንተ ኾይኑ ኽንርእስ፥
ናብ ቦታ ኣታኽልቲ ወይኒ ኣንጊህና ንኺድ፤
ኣብኡ ኸዓ ፍቕረይ ክህበካ እየ።
13ትርንጒታት፥ መዓዛ ሃቡ፤ ኣታ ፍቱወይ፥
ንኣኻ ኢለ ዝዓቘርክዎ በብዓይነቱ ሓድሽን ብሉይን፥
ደስ ዘብል ፍረታት ኣብ ደገታትና ኣሎ፤
ፍቱወይ፥ ኵሉ ንኣኻ ሓለኹልካ።

Currently Selected:

መሃልየ 7: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in