መሃልየ 4
4
1ኣቲ ፍቕርተይ ክንደይ ትፅብቒ!
ከመይ ዝበልኪ ቘንጆኸ ኢኺ!
ኣዒንትኺ ኣብ ውሽጢ ጕልባብኪ፥
ከም ርግቢታት እየን፤
ፀጕሪ ርእስኺ ኸም እተን ካብ እምባ ገለዓድ
ዝወርዳ መጓሰ ኣጣል እዩ።
2ኣስናንኪ፥ ካብ ምሕፃብ ወፂአን ከም ዝተቐረፃ፥
ኵለን መማንታ ኸም ዝወልዳ፥
ካብኣተን ከዓ መኻን ከም ዘይብለን መጓሰ እየን።
3ከናፍርኪ ኸም ቀይሕ ፍሕሶ ሃሪ እየን፤
ኣፍኪ ድማ ፅቡቕ እዩ፤
ኣብ ውሽጢ ጕልባብኪ ዘሎ መታልሕኺ፥
ከም ምቃል ሮማን እዩ።
4ክሳድኪ ኸም ንመቐመጢ ኣፅዋር ብፅቡቕ ዝተሰርሐ፥
ከም ግንቢ ዳዊት እዩ፤
ሽሕ ዋልታ ኣፅዋር ጀጋኑ፥
ተንጠልጢልዎ እዩ።
5ክልቲአን ኣጥባትኪ፥
ኣብ ማእኸል ዕምበባታት ሱፍ ከም ዝወፈራ፥
ማንታ መሓስእ ሜዳቝ እየን።
6መዓልቲ ኽሳዕ ዝደግስ፥ ፅላሎት ክሳዕ ዝሓልፍ፥
ኣነ ናብ እምባ ኸርበን፥
ናብ ኰረብታ ዕጣንን ክድይብ እየ።
7ኣቲ ፍቕርተይ፥ ኵለንትናኺ ፅብቕቲ ኢኺ፤
ኣበርውን የብልክን።
8ኣቲ መርዓተይ፥ ካብ ሊባኖስ ምሳይ ንዒ፤
ካብ ሊባኖስ ምሳይ ንዒ፤
ካብ ርእሲ እምባ ኣርሞንዔም፥
ካብ ርእሲ እምባ ሳኔርን ኤርሞንን፥
ካብ መሕደሪ ኣናብስን፥
ካብ እምባ ነብርታትን ተመልከቲ።
9ኣቲ ሓፍተይ፥ መርዓተይ፥
ልበይ ብሓጐስ ማረኽክዮ፤
ብቘላሕታኽን ብድሪ ኽሳድክን ንልበይ ማረኽክዮ።
10ኣቲ ሓፍተይ፥ ፍቕርኺ ኽንደይ ሰናይ እዩ።
መርዓተይ፥ ፍቕርኺ ኻብ ወይኒ የርዊ፤
መዓዛ ቕብእኽውን ካብ ኵሉ ሽቱ ይምዕዝ!
11መርዓተይ፥ ካብ ከናፍርኪ መዓር ወለላ የንጠብጥብ፤
መዓርን ፀባን ኣብ ትሕቲ መልሓስኪ ኣሎ፤
መዓዛ ኽዳውንትኽውን ከም መዓዛ ሊባኖስ እዩ።
12ኣቲ ሓፍተይ፥ መርዓተይ፥ ዝተሓፀረ ገነት፥
ዕፅውቲ ዒላ፥ ሕቱም ዓይኒ ማይ ኢኺ።
13በቝልኺ ሮማንን፥ ምሩፅ ፍረን፥
ሒናን ናርዶስን ዘለዎ ገነት እዩ።
14ናርዶስ ሳፍራንን፥ ምዑዝ ሳዕርን ቅርፍትን፥
ምስኡውን በብዓይነቱ ኣእዋም ዕጣን፥
ከርበን ዓልወን ኵሉ ብሉፅ ቀመማትን ዘለዋ እያ።
15ንስኺ ኣታኽልቲ ኸም እተስቲ ዓይኒ ማይ፥
ዒላ ህይወት፥ ካብ ሊባኖስ ዝውሕዝ ሩባ ኢኺ።
16ንፋስ ሰሜን፥ ተስእ፤
ንፋስ ደቡብውን ነዓ፤
ምዑዝ ሽቱ ምእንቲ ኽመልኦ፥
ኣብ ልዕሊ ገነተይ ንፈስ፤
ሽቱውን ይፍሰስ፤
ፍቱወይ ናብ ገነቱ ይእቶ፤
ጥዑም ፍረታቱ ኸዓ ይብላዕ።
Currently Selected:
መሃልየ 4: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in